ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በእከይየ በእከይየ ኢልካ ጌጋኻ ምእማን ካብ ግብዝነት ሓራ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ‘ኢየሱስ ግብዝነት ኣይጻወርን ነቶም ፈሪሳውያን ከኣ ልቅሉቃት መቃብር እንብል ይጽውዖም’ እንክብሉ ካብ ግብዝነት ክንሓዊ ከምዝግበኣኒ ቀንዲ ፈውሲ ናይዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በእከይየ በእከይየ ኢልካ ሓጢኣትካ ምእማን ኮይኑ ነዚ ክገብር ዘይክእል ‘ጥዑይ ክርስትያን ኣይኮነን’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ዘኪራ እንክትውዕል ንዕለተኡ ዝቀረበ ወንጌል ከኣ ካብ ሉቃስ 11.37-41 ኮይኑ ‘ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። ጐይታ ኸኣ በሎ፥ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ጐሊሑ ዝረኤ ሓደ ነገር ኣሎ ይብሉ ንሱ ከኣ ‘ኢየሱስ ፈጺሙ ንግብዝና ከምዘይጻወር እዩ። እዚ ከኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ይንጸር ከመይ እቲ ግብዝ ንኢየሱስ ኣብ ምሳዕ ዝዓደሞ ንክፈርዶ ደኣ እምበር ንዕርክነት ከምዘይኮነ ይምልከት። ግብዝነትከስ ክትመስሎ እትጽዕሮን እትገብሮን ነንበይኑ ምስ ኮነ እዩ። ብዝርኤ ሓደ ነገር ተሓቢእካ ግን ካልእ ነገር ምግባር እዩ` ኢሎም። ናይ ግብዝና ምንጪ እቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ግብዝነት ካብቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ይውለድ!

ክቱር ዘይምጽዋር ግብዝነት ንክገልጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ግቡዛት ‘ልቅሉቃት መቃብር’ ኢሉ ይጽውዖም። እዚ ጸርፊ ኣይኮነን እቲ ሓቀኛ ኩነት ግብዝነት እዩ። ብደገ ንዝርእየካ ኣበር ዘይብልካ ፍጹም ኢኻ ትመስል ብኩሉ ዝተቀናጆኻ ትመስል ኰይኑ ውሽጥኻ ካልእ ነገር እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዓቢ ሓሳዊ ዲያብሎስ ይውለድ። ንሱ ዓቢ ግብዝ ኰይኑ እቶም ግቡዛት ከኣ ሰዓብቱን ወረስቱን እዮም ኢሎም።

“ግብዝና ቋንቋ ዲያብሎስ እዩ። እዚ ቋንቋ እዚ እቲ ክፍኣተ ግብሪ ኮይኑ ዲያብሎስ ኣብ ልብና ይዘርኦ በዚ ከኣ ኣብ ልብና ይኣቱ። ሽሕኳ ምስ ግቡዛት ክትነብር ዘይከኣል እንትኾነ ግን መሊኦም ኣለው። ኢየሱስ ነዚ ግብዝና ከቃልዖ ደስ ይብሎ። ከመይ ንኣኡ ናብ ሞት ዘብጽሖ እዚ ግብዝነት እዚ ምዃኑ ኣጸቢቁ ይፈልጥ ነሩ እዩ። ከመይ ግብዝ ሰብ ቅኑዕ መንገዲዶ ዘይቅኑዕ መንገዲዶ ኢሎ ኣየመዛዝንን ወትሩ ብዘለዎ ይኸይድ እዚ ከኣ ሓሶትን ጠቀነን እዩ። ንጠቅን መሰኻኽር ሓሶት ነሰናዱ ብሓሶት ዝምስክሩ ሃሰስ ኢልና ነዚ ጻድቅ ነጥፍኣዮ ይብል። ብካልእ ኣዘራርባ ግብዝነት ዝቀትል መርዚ እዩ።”

ግብዝነት ዝቀትል መርዚ እዩ።

ቅዱስነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ክሸፋፍኑ ንዝጽዕሩ ንምግላጽ ዚኣክል ምናልባት ሓደ ሰብ ‘ዋእ ኣባናስ ከምዚ ዚኣመሰለ ጉዳይ ግብዝና የለን’ ክብል ይኽእል ኰይኑ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብ ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ጌጋ እዩ ኢሎም።

“ቋንቋ ግብዝና ሽሕኳ ቅኑዕ እዩ እንተዘይበልና ኣብ ዕለታዊ ናብራና ዳርጋ ልሙድ እዩ። ትመስሎን ሓደ ነገር እቲ ሓቀኛ ኩነትካን ካልእ ነገር ምዃን የመልክት። ንኣብነት ኣብ መንጎ ውድድር ናይ ሥልጣን ዝርከቡ ዘሎ ቅንእን ሕስድናን ሽሕ’ኳ ብውሽጥኻ ካልእ እንተኾነ ከም ካልእ ኰንካ ክትረኤ ክንደይ ቃልሲ ይካየድ። ኣብ ውሽጥኻ ቀታሊ መርዚ ሒዝካ ትጐዓዝ ከመይ ግብዝነት ዝቀትል መርዚ እዩ። ወትሩ ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ቀታሊ ስለዝኾነ ይቀትል። ነዚ ቀንዲ ፈውሱ በደልካ ኣሚንካ ገዛእ ርእስኻ ምኽሳስ እዩ።”

ፈውሲ ግብዝና ተኣምኖተ ሓጢኣት እዩ።

ካብዚ ዝምባሌ እዚ ክንሓዊ ናይ ግድን እዩ። እሞኸ ደኣ ፈውሲ ኣበይ ይርከብ እንተደኣ ኢልና ‘ሓቂ ምዝራብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ጌጋኻ ምእማን እዩ’ ኢሎም።

“ከምቲ ብልማድ እንገብሮ ‘ኣነ ነዚ ገረ ከምዚ ሓሲበ ሕማቅ ገረ ቀኒአ ብጻየይ ከዕኑ ብሂገ’ እናበልካ ገዛእ ርእስና ብምኽሳስ ኣይኮነን ተኣምኖተ ሓጢኣት ዝግበር እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንድሕድሖ ኣሎና። እዚ መንፈሳዊ ልምምድ እዚ ብብዙሓት ዘይግበር ልሙድ ዘይኮነ ክንሱ እስኪ ክንግብሮ ንጽዓር፡ ማለት ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ብሕልናና ገዛእ ርእስና ክንከስስ ኣብ ሓጢኣትና ኣብ ግብዝነትና ኣብ ክፍኣትና ኣብቲ ውሽጢ ልብና ዘሎ ክፍኣት ብግልጺ ክንረኤ የድሊ። ከመይ ዲያብሎስ ክፍኣት ኣልብ ልብና ይዘርእ እሞ ንከታልለና ብድብድቡ እነሆ ጐይታ ከመይ ከምዝኾንኩ ርኤ ከም እንብል ይገብረና። ኰይኑ ግን እቲ ዘድሊ ብሓቂ ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ብትሕትና ቀሪብካ ክፍኣትካን ግብዝነትካን ምእማን እዩ።”

ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ካብኡ ንመሃር ከመይ ንሱ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ብኡ ንብኡ ምስ ተረድኦ ‘ሓጢኣተኛ እየ ካባይ ርሓቅ ጐይታይ` ክብል ተረኺቡ።

ንገዛእ ርእሱ ዘይከስስ ሓጢኣቱ ዘይእመን ጥዑይ ክርስትያን ኣይኮነን ብቀሊሉ ከኣ ኣብ ግብዝነት ክ ወድቅ ስለዝኽእል ብቀዳምነት በእከይየ በእከይየ ኢልና ሓጢኣትና ምእማን ንመሃር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 October 2019, 16:46
ንኩሉ ኣንብብ >