ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በእከይየ በእከይየ ኢልካ ጌጋኻ ምእማን ካብ ግብዝነት ሓራ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ዘኪራ እንክትውዕል ንዕለተኡ ዝቀረበ ወንጌል ከኣ ካብ ሉቃስ 11.37-41 ኮይኑ ‘ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። ጐይታ ኸኣ በሎ፥ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ጐሊሑ ዝረኤ ሓደ ነገር ኣሎ ይብሉ ንሱ ከኣ ‘ኢየሱስ ፈጺሙ ንግብዝና ከምዘይጻወር እዩ። እዚ ከኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ይንጸር ከመይ እቲ ግብዝ ንኢየሱስ ኣብ ምሳዕ ዝዓደሞ ንክፈርዶ ደኣ እምበር ንዕርክነት ከምዘይኮነ ይምልከት። ግብዝነትከስ ክትመስሎ እትጽዕሮን እትገብሮን ነንበይኑ ምስ ኮነ እዩ። ብዝርኤ ሓደ ነገር ተሓቢእካ ግን ካልእ ነገር ምግባር እዩ` ኢሎም። ናይ ግብዝና ምንጪ እቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ግብዝነት ካብቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ይውለድ!
ክቱር ዘይምጽዋር ግብዝነት ንክገልጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ግቡዛት ‘ልቅሉቃት መቃብር’ ኢሉ ይጽውዖም። እዚ ጸርፊ ኣይኮነን እቲ ሓቀኛ ኩነት ግብዝነት እዩ። ብደገ ንዝርእየካ ኣበር ዘይብልካ ፍጹም ኢኻ ትመስል ብኩሉ ዝተቀናጆኻ ትመስል ኰይኑ ውሽጥኻ ካልእ ነገር እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዓቢ ሓሳዊ ዲያብሎስ ይውለድ። ንሱ ዓቢ ግብዝ ኰይኑ እቶም ግቡዛት ከኣ ሰዓብቱን ወረስቱን እዮም ኢሎም።
ግብዝነት ዝቀትል መርዚ እዩ።
ቅዱስነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ክሸፋፍኑ ንዝጽዕሩ ንምግላጽ ዚኣክል ምናልባት ሓደ ሰብ ‘ዋእ ኣባናስ ከምዚ ዚኣመሰለ ጉዳይ ግብዝና የለን’ ክብል ይኽእል ኰይኑ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብ ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ጌጋ እዩ ኢሎም።
ፈውሲ ግብዝና ተኣምኖተ ሓጢኣት እዩ።
ካብዚ ዝምባሌ እዚ ክንሓዊ ናይ ግድን እዩ። እሞኸ ደኣ ፈውሲ ኣበይ ይርከብ እንተደኣ ኢልና ‘ሓቂ ምዝራብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ጌጋኻ ምእማን እዩ’ ኢሎም።
ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ካብኡ ንመሃር ከመይ ንሱ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ብኡ ንብኡ ምስ ተረድኦ ‘ሓጢኣተኛ እየ ካባይ ርሓቅ ጐይታይ` ክብል ተረኺቡ።
ንገዛእ ርእሱ ዘይከስስ ሓጢኣቱ ዘይእመን ጥዑይ ክርስትያን ኣይኮነን ብቀሊሉ ከኣ ኣብ ግብዝነት ክ ወድቅ ስለዝኽእል ብቀዳምነት በእከይየ በእከይየ ኢልና ሓጢኣትና ምእማን ንመሃር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።