ድለ

2019.05.28 ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.05.28 ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ሓጢኣት የእርግ መንፈስ ቅዱስ ግን ወትሩ ሓይሊ ንእስነት ከምዝህልወና ይገብር! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 28 ግንቦት 2019 ዓመፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ‘ጓሂ ጠባይ ክርስትያን ኣይኮነን። ሽሕ’ኳ ሕይወት ብዙሕ ጸገማት እንተለውዋ ምስቲ ወትሩዘሰንየና መንፈስ ቅዱስ ዕለት ዕለት እሂን ምሂን ብምባል ንኩሉ ጸገማት ኣሸኒፍካ ንቅድሚት ክትስጉም ይከኣል እዩ` ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ጓሂ ልቢ ከምዝሰብር መንፈስ ከምዝርብሽ ፍሉጥ እኳ ኣንተኾነ ናይ እምነት ምጒዳልን ተስፋ ምቚራጽን መንፈሳዊ ጓሂ ግን ንኩለንትናኻ ኣልሚሲ ሰውነት ቅድሚ እዋኑ ከምዝኣርግ ወንን ቅስምን ከምዝስበር ስለዝገብር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ ምስ በሎም ልቦም ጓሂ ዝመልአ ሓዋርያት ከጸናንዕ ከሎ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ዮሓ 16.5 ‘ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ ስለዝበልኩኹም ልብኹም ሓዘን መልአ ግናኸ ሓቂ ክነግረኩምስ እንተኸድኩ ይሕሸኩም ከመይሲ እንተደአ ዘይከድኩስ ወዮ ጰራቅሊጦስ ኣይኪመጸኩምን እዩ፥ ኣንተደኣ ከይደ ግን ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።’ ዝብል ክፍሊ ዝርከቦ ዘይከም ኣተሓሳስባን ፍርሕን ሓዋርያት እንታይ ከምዝሓይሽ ዝፈልጥ ጐይታ ንቚሩብ ጊዜ ተዓገሱ እሞ መጸናንዕን ንኩሉ ዘብርህን ንመጻኢ ከይተረፈ ዝገልጸልኩም መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም ይብሎም።

ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ዝገልጽ ሓረግ ‘ጓሂ ወይ ሓዘን ጠባይ ክርስትያን ኣይኮነን’ እንክብሉ መሠረታዊ መንነት ክርስትያን ታሕጓስን ተስፋን እምበር ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ከምዘይኮነ ገሊጾም። ጓህን ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ንዝቀሎ ዘመደ ኣዳም ከመይ ጌርካ ክትገጥሞ ንዝብል ጸገም ክምልሱ ክመስሉ ከኣ ‘ካብዚ ፈተነ ሓዘንን ጓህን ተስፋ ቊርጸትን ከመይ ኢልካ ክውጻእ ይከኣል!’ ይብሉ እሞ ነዚ ንክተሸንፍ ንጐይታ ዕለት ዕለት ተሓድሶ ሓይሊ ንእስነት መንፈስ ቅዱስ ክህበና ንለምኖ። ነዚ ምስ ገበርናን መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ምስ እንፈቅደሉን እመኑ ክሓዱ ንሕይወትና ኩሉ ለዊጡ ሓዲስ ጒብዝናን ተሓድሶን እናሃበ ንወትሩ ከሰንየና እዩ ኢሎም።

ጓህን ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ዝዘመቶ ክርስትያን ኣይግስግስን!

ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ታሪኽ ሓደ ቅዱስ ይዝክሩ እሞ ብሂል ናይቲ ቅዱስ ሓጻር ግን ትርጉም ዝመልኣ ‘ሓደ ቅዱስ ሕዙን እንተኾኑ ሕዙን ቅዱስ እዩ` ከምኡ እውን ሓደ ክርስትያን ሕዙን እንተኾይኑ ዝሓዘነ ክርስትያን ኮይኑ ክግስግስ ኣይክእልን። ንዕለታዊ መስቀልና ክንሽከም ዘኽእለናን ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ከም ዝተጠቅሱ ጳውሎስን ሲላስን ብሰንሰለት ተኣሲርና እንከሎና ውዳሴ እግዚኣአብሔር ከም እንዝምር ዝገብረናን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ከምቲ ጐይታ ዘተስፈዎ ኣብ ሕይወትና ዘሰንየናን ዝድግፈናንከስ ወትሩ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ብቋንቋ ግሪኽ ጰራቅሊቶስ ዝብል እውን ትርጉሙ እዚ እዩ። ካልኣይ ስም መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ክሳብ መጨረሻ ዘሰንን ዝድግፍን ማለት እዩ።

“ጰራቅሊጦስ ዝብል ቃል ትርጉሙ ንክሰንየኒ ወትሩ ኣብ ጐድነይ ዝርክብ ማለት ኮይኑ እዚ ደገፍ እዚ ከኣ ንከይወድቅ ትኽ ኢለ ንቅድሚት ንክግስግስ ዚኣከል ሓይሊ ንእስነት መንፈስ ከምዝህልወኒ ዝገብር እዩ። ክርስትያን ወትሩ ንእሽቶ ኣብ ጒብዝናኡ ዝርከብ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎ ክርስትያን ኣሪጉ ኣይኣርግን። ሓደ ክርስትያን እርጋን ክስምዖ ኣንተጀሚሩ ልቡ ኪኣርግ እንተጀሚሩ ክርስትያን ናይ ምዃን ጸዋዕታኡ ጐዲሉ ማለት ስለዝኾነ ወይ ልቢ ጐበዝ እትውንን ክርስትያን ኰንካ ተንቀሳቀስ ወይውን ብምልኣት ክርስትያን ኣይኮንካን ማለት እዩ። ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ምስ መንፈስ ቅዱስ ብጸሎት እናተዛተኻ ትገብሮ እዚ ከኣ ንቅድሚት ከምእትግስግስ ይገብረካ።”

ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዕለታዊ ዘተ የገስግሰና!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ምልስ ይብሉ እሞ ግሐ 16 ጳውሎስን ሲላስን ብሰንሰለት ተመቊሖም ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሥቃይ እንከለው ብታሕጓስ ንጐይታ ውዳሴ የቅርቡ ነሮም። እዞም ዚኣክል ተገሪፎም ብሰንሰለት ስለጐይታ ዝተኣሥሩ ኣብ ሥቃይ እኳ እንተነበሩ ግን ሓጐስ መሊእዎም ይዝምሩ ነሮም።

“ጒብዝና መንፈስ ዝበሃልከስ እዚ እዩ። እዚ ጒብዝና እዚ ወትሩ ናብ ተስፋ ከምእተማዕዱ ገሩ ንቅድሚት ከምእትግስግስ ይገብረካ። ነዚ ጒብዝና እዚ ንክትረክብ ግን ዕለት ዕለት ምስ መንፈስ ቅዱስ ብጸሎት ክትዛተ የድሊ። መንፈስ ቅዱስ ርሑቅ ኣይኮነን ወትሩ ኣብ ጐድንና ምሳና ኣሎ። ይድግፈና። ካባና ዝድለ ምዝካሩን ብጸሎት ምዕላሉን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ዓቢ ትዕድልቲ ኸስ እዚ እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ከኣ ንቅድሚት ከምእንግስግስ ዝገብረና። ስለዚ ሓጢኣት ንነፍስና ከምዘእርግ መንፈስ ቅዱስ ግን ወትሩ ኣብ ጒብዝና ከምእትነብር ከምዝገብራ ዘክሩ ኢሎም።”

ሓጢኣት ንነፍሲ የእርጋ! መንፈስ ግን የጐብዛ!

ቅዱስነቶም ኣብ ኩነትና ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ሓጢኣት ናጻ ዝኾነ ሰብ ከምዘይብልና ኮይኑ ግን ካብ ሓጢኣትና ተጣዒስና ከምእንንሳሕን ናብ ኣቦና ከምእንምለስን ዝገብረናና ንቅድሚት ክንግስግስ ዘኽእለናን እውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። እንተደኣ ጸጊሙካ እንተደኣ ኩሉ ጸልሚቱካ ናብ መንፈስ ቅዱስ ምልስ በል እሞ ምሳኡ ብጸሎት ተዛረብ ርግጸኛ እየ ደገፉ ክህበካን ናብ ናይ ቀደም ጒብዝናኻ ክመልሰካን እዩ። ንነፍሲ ዘእርግሲ ሓጢኣት እዩ። ንኩሉ የእርግ። እዚ ናይ ኢኣማንያን ሓዘንን ጓህን ተስፋ ቊርጸትን ጥቃና ክቀርብ የብሉን። ርግጽ እዩ ኣብ ሕይወት ግድላትን ጸገማትን ኣሎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሁመት ንመንፈስ ቅዱስ ተወከስ ክሕግዘካ እዩ። ንቅድሚት ክትግስግስ ክድግፈካ እዩ። ንኩሉ ጸገማት ወላውን ሰማዕትነት ከይተረፈ ከምእተሸንፍ ክገብረካ እዩ።

“ጐይታ እዛ ዝተሓደሰት ጒብዝና ከይተምልጠና ንለምኖ። ጥሮታ ዚኣተው ክርስትያን ኰና ታሕጓስና ዘጥፍኣናን ንቅድሚት ካብ ምግስጋስ ኣብ ዘሎናዮ ዝተዓነድና ክርስትያን ካብ ምዃን ሠውረና ንበሎ። ነዚኣ ፍለጡ ክርስትያን ዘቦኡ ጥሮታ ኣይከውንን። ክርስትያን ንዘለዓለም ይነብር ይሰርሕ ከመይ ሓቀኛ ክርስትያን እንተዀይኑ ወትሩ ጐበዝ ወትሩ መንእሰይ እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 May 2019, 13:05
ንኩሉ ኣንብብ >