ሓጢኣት የእርግ መንፈስ ቅዱስ ግን ወትሩ ሓይሊ ንእስነት ከምዝህልወና ይገብር! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ጓሂ ልቢ ከምዝሰብር መንፈስ ከምዝርብሽ ፍሉጥ እኳ ኣንተኾነ ናይ እምነት ምጒዳልን ተስፋ ምቚራጽን መንፈሳዊ ጓሂ ግን ንኩለንትናኻ ኣልሚሲ ሰውነት ቅድሚ እዋኑ ከምዝኣርግ ወንን ቅስምን ከምዝስበር ስለዝገብር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ ምስ በሎም ልቦም ጓሂ ዝመልአ ሓዋርያት ከጸናንዕ ከሎ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ዮሓ 16.5 ‘ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ ስለዝበልኩኹም ልብኹም ሓዘን መልአ ግናኸ ሓቂ ክነግረኩምስ እንተኸድኩ ይሕሸኩም ከመይሲ እንተደአ ዘይከድኩስ ወዮ ጰራቅሊጦስ ኣይኪመጸኩምን እዩ፥ ኣንተደኣ ከይደ ግን ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።’ ዝብል ክፍሊ ዝርከቦ ዘይከም ኣተሓሳስባን ፍርሕን ሓዋርያት እንታይ ከምዝሓይሽ ዝፈልጥ ጐይታ ንቚሩብ ጊዜ ተዓገሱ እሞ መጸናንዕን ንኩሉ ዘብርህን ንመጻኢ ከይተረፈ ዝገልጸልኩም መንፈስ ቅዱስ ክትቅበሉ ኢኹም ይብሎም።
ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ዝገልጽ ሓረግ ‘ጓሂ ወይ ሓዘን ጠባይ ክርስትያን ኣይኮነን’ እንክብሉ መሠረታዊ መንነት ክርስትያን ታሕጓስን ተስፋን እምበር ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ከምዘይኮነ ገሊጾም። ጓህን ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ንዝቀሎ ዘመደ ኣዳም ከመይ ጌርካ ክትገጥሞ ንዝብል ጸገም ክምልሱ ክመስሉ ከኣ ‘ካብዚ ፈተነ ሓዘንን ጓህን ተስፋ ቊርጸትን ከመይ ኢልካ ክውጻእ ይከኣል!’ ይብሉ እሞ ነዚ ንክተሸንፍ ንጐይታ ዕለት ዕለት ተሓድሶ ሓይሊ ንእስነት መንፈስ ቅዱስ ክህበና ንለምኖ። ነዚ ምስ ገበርናን መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ምስ እንፈቅደሉን እመኑ ክሓዱ ንሕይወትና ኩሉ ለዊጡ ሓዲስ ጒብዝናን ተሓድሶን እናሃበ ንወትሩ ከሰንየና እዩ ኢሎም።
ጓህን ሓዘንን ተስፋ ቊርጸትን ዝዘመቶ ክርስትያን ኣይግስግስን!
ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ታሪኽ ሓደ ቅዱስ ይዝክሩ እሞ ብሂል ናይቲ ቅዱስ ሓጻር ግን ትርጉም ዝመልኣ ‘ሓደ ቅዱስ ሕዙን እንተኾኑ ሕዙን ቅዱስ እዩ` ከምኡ እውን ሓደ ክርስትያን ሕዙን እንተኾይኑ ዝሓዘነ ክርስትያን ኮይኑ ክግስግስ ኣይክእልን። ንዕለታዊ መስቀልና ክንሽከም ዘኽእለናን ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ከም ዝተጠቅሱ ጳውሎስን ሲላስን ብሰንሰለት ተኣሲርና እንከሎና ውዳሴ እግዚኣአብሔር ከም እንዝምር ዝገብረናን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ከምቲ ጐይታ ዘተስፈዎ ኣብ ሕይወትና ዘሰንየናን ዝድግፈናንከስ ወትሩ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ብቋንቋ ግሪኽ ጰራቅሊቶስ ዝብል እውን ትርጉሙ እዚ እዩ። ካልኣይ ስም መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ክሳብ መጨረሻ ዘሰንን ዝድግፍን ማለት እዩ።
ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዕለታዊ ዘተ የገስግሰና!
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ምልስ ይብሉ እሞ ግሐ 16 ጳውሎስን ሲላስን ብሰንሰለት ተመቊሖም ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሥቃይ እንከለው ብታሕጓስ ንጐይታ ውዳሴ የቅርቡ ነሮም። እዞም ዚኣክል ተገሪፎም ብሰንሰለት ስለጐይታ ዝተኣሥሩ ኣብ ሥቃይ እኳ እንተነበሩ ግን ሓጐስ መሊእዎም ይዝምሩ ነሮም።
ሓጢኣት ንነፍሲ የእርጋ! መንፈስ ግን የጐብዛ!
ቅዱስነቶም ኣብ ኩነትና ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ሓጢኣት ናጻ ዝኾነ ሰብ ከምዘይብልና ኮይኑ ግን ካብ ሓጢኣትና ተጣዒስና ከምእንንሳሕን ናብ ኣቦና ከምእንምለስን ዝገብረናና ንቅድሚት ክንግስግስ ዘኽእለናን እውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። እንተደኣ ጸጊሙካ እንተደኣ ኩሉ ጸልሚቱካ ናብ መንፈስ ቅዱስ ምልስ በል እሞ ምሳኡ ብጸሎት ተዛረብ ርግጸኛ እየ ደገፉ ክህበካን ናብ ናይ ቀደም ጒብዝናኻ ክመልሰካን እዩ። ንነፍሲ ዘእርግሲ ሓጢኣት እዩ። ንኩሉ የእርግ። እዚ ናይ ኢኣማንያን ሓዘንን ጓህን ተስፋ ቊርጸትን ጥቃና ክቀርብ የብሉን። ርግጽ እዩ ኣብ ሕይወት ግድላትን ጸገማትን ኣሎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሁመት ንመንፈስ ቅዱስ ተወከስ ክሕግዘካ እዩ። ንቅድሚት ክትግስግስ ክድግፈካ እዩ። ንኩሉ ጸገማት ወላውን ሰማዕትነት ከይተረፈ ከምእተሸንፍ ክገብረካ እዩ።