ድለ

2019.05.21  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.05.21 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 

ሰላም ኢየሱስ ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ ከምዝርከብ ህድኣት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 21 ግንቦት 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያት ቅድሚ ምፍናው ‘ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ! ሰላመይ እሓድገልኩም ኣሎኹ! እዚ ሰላም እዚ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ሰላም ኣይኮነን’ እናበለ ብዓቢ ምድንፋቅ ዝሓደገሎም ሰላም ሰቢኾም። እዚ ሰላም እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ ዝርከብ ማንም ዘይርብሾ ህድኣት እዩ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብዚ ዕለታት እዚ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 14 ኮይኑ ነቶም ድሕሪ ድህለት ሕማማትን ሞትን ብትንሣኤኡን ተመላሊሱ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን እናበለን ኣብ ልቦም ዝመለሶምን በዚ ተጸናኒዖም ንኩሉ ረሲዖም ኣብ ንቡር ኩነተ ቀደሞም ተመሊሶም ከም ብሓዲሽ ሀ ሁ ኢሉ ንቃል ኣምላኽ ዝምህሮም ዝነበረ አርድእቱ ከም እንደገና ገዲፍዎም ንሰማይ ኪዓርግ ምዃኑ ከመላኽተሎም ምስ ጀመሩ እንደገና ክሽበሩ ምስ ረኣየ ‘ልብኹም ኣይሸበር ብኣይ እመኑ በቦይ እመኑ! ኣጆኹም ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ! ሰላመይ እሓድገልኩም ኣሎኹ! ምሳኹም እኮ እየ ዘሎኹ! እቲ ሰላም ኣነ እየ’ እናበለ ንዕርገቱ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንጰራቅሊጦስ ዘሰናድዎም ክፍሊ ዝምልከት እዩ። እቲ ኢየሱስ ዝህቦ ሰላም ኣብ መዓሙቚ ልብኻ ዝቅመጥ ኮይኑ ከምቲ ባሕሪ ብላዕሊ ላዕሊ ብርቱዕ ማዕበልን ነውጽን ንፋሳትን እንክናወጽ ኣብቲ መዓሙቚ ግን ጸጥ ዝበለ ርግኣት ዚረኣዮ ኢየሱስ ኣብ ልቡ ዝሓዘ ሰላሙ ኣብ ልቡ ዘስፈረ ሰብ እውን ስደት ይምጻእ መከራ ይምጻእ ምድረ ሰማይ ከም ዕንቚ ትጽበብ ህድእ ኢሉ ምስ ኣምላኹ ምስ ተዋሰኤ እዩ።

ግብረ ሓዋርያት እውን ኣብቲ ንዕለቱ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ምዕራፍ 14 ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ሊስጥራ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እቲ ኣሳዳዲ ዝነበረ ጳውሎስ ሰባኬ ወንጌል ኮይኑስ ስለ ክርስቶስ ክሳብ ኣፋፈት ሞት በእማን ክ ውገር እሞ መይቱ ኢሎም ኪሓድግዎ ዘዘንቱ ንሱ ግን ገና ሓዋርያት ምስ መጽዎ ተበራቢሩ እንደገና ምስባኹ ከምዝቀጸለ የዘንቱ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ሮሜ 8 ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየሎ ዝገልጽ። እዚ ከኣ እቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ሰላም። ምናልባት እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን እንኪብል እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ኣቀዲሙ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ‘ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ክጸርፉኹምን ከሰዳድኹምን እንከለው ብፁዓን ኢኹም’ ክብል መሊስዎ ይርከብ።

እንከዋርድኹምን ከሳድዱኹምን ብፁዓን ኢኹም. .

ቅዱስነቶም ሕይወት ክርስትና ሕይወት ስደትን መከራን ጭንቅን ምዃና ዝምልከት ሰብ ሕይወት ብዘይ ሰላም ክብላ ይኽእል ይብሉ ናብታ ኢየሱስ ‘ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ክጸርፉኹምን ከሰዳድኹምን እንከለው ብፁዓን ኢኹም’ እንክብል ንሓዋርያቱ ብኣጋኡ ኣሰናድይዎም ዝነበሩ ቃል ምልስ ኢሎም ከምዚ ይብሉ።

“ሰላም ኢየሱስ ምስ’ዛ ናይ ስደትን መከራን ጭንቅን ሕይወት እያ እትጐዓዝ። እዛ ሰላም እዚኣ ብጣዕሚ ኣብቲ መዓሙቚ ዝኾነ ቦታ እዩ ዝርከብ። ነዛ ሰላም እዚኣ ማንም ማንም ከሕድገና ኣይክእልን። እዛ ሰላም እዚኣ ጸጋ ኮይና ካብ ጐይታ ትዕደል እያ። ኣብ ባሕሪ ብዙሕ ግዜ ብላዕሊ ላዕሊ ማዕበላት እንክረኤ ኣብ ማዕሙቚ ግን ህድኣት ኣሎ። ምስ ኢየሱስ ብሰላም ምንባር ማለት ከምዚ ናይ ባሕሪ እዩ። ምስ ዘጋጥም ኩሉ ፈተናታትን ጸገማትን ጭንቅን መከራን ኣብ ልብኻ ህድኣትን ሰላምን ክነግሥ ይኽእል። ከመይ ኢየሱስ ንጉሥ ሰላም ባዕሉ እቲ ሰላም ንሱ እዩ። በዚኸስ ክርስትያን ዘቦኡ ንጉዕዞ ሕይወት ኣብ እንግድዓኡ ተሸኪሙ ብሰላም ይነብር።”

ንመስቀል ሕይወት ተሰኪሙ ሰላሙ ዝዕቅብ ክርስትያን እዩ!

ነዚ ምስክር ዝኾነና ናይ ብዙሓት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ሕይወት ምናዳ ኸኣ እቶም ናብ ዘስካሕክሕ ሞት ዝጐዓዙ ዝነበሩ ሰማዕታት ክርስትና ዝነበሮም ቅሳነትን ሰላምን ህድኣትን ምዝካር ይኣክል። ከም ኣብ መርዓ ዝኸዱ ብታሕጓስ ተምሊኦም ክጐዓዙ ክትርኢ ዘገርም እዩ። እታ ኢየሱስ ዝህበና ሰላምከስ እዚኣ እያ። ነዛ ሰላም እዚኣ ብምንም ተኣምር ብሰብኣዊ መጋበሪ ክንረኽባ ኣይንኽእል። ኣብ ዝኸድናዮ ሓኪም ንኺድ ኣሎ ዝበሃል ዘቅስን እንብሎ ነገራት ንግዛእ ንወንን እንትርፊ እታ ናይ ኢየሱስ ሰላም ካልእ የሎን። እዛ ሰላም እዚኣ ግን ፍልይቲ እያ ካብቲ ኣብ ልብና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ እያ እትምንጩ። መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ጽንዓት ምንጪ ሰላም እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ይብሉ ቅዱስነቶም ሓደ ብዙሕ ሕልምን መደብን ዝነበሮ ምስ ሓመመ ንኩሉ ገዲፉ ምስ ምሉእ ቅሳነትን ሰላምን ውራይ ሕማሙ ክገብር ዝጸንሖም ሓደ ሕሙም ምስ በጽሑ ገሪምዎም ኩሉ ምስ ሓተቱ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰብኣይ እዚ ክርስትያን እዩ ኣብ ምባል ከምዝበጽሑ የዘንትው።

“ናይ ኢየሱስ ሰላም ትምህረና እቲ ዝዓብየ ትምህርቲ ከኣ ኣብ ሕይወትና ንቅድሚት ንክንስጉም ትምህረና። ንኩሉ ክንጻወር ትምህረና። ንክንድግፍ ትምህርረና። እዚ ደገፍ እዚ ኣብ እንግድዓኻ ምሽካም እውን የመልክት። ሕይወት ንእትቅርበልካ ጸገማት ኩሉ ናይ ሥራሕ ክብደት ንኩሉ ኩሉ ሰላምካን ህድኣትካን ከየጥፍኣካ ኣብ እንግድዓኻ ትሽከም። ብትብዓት ንቅድሚት ትስጉም። እዚ ከምዚ ጥራሕ እዩ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ሰላም ኢየሱስ ከምዝህበና ክንርድኦ እንኽእል ኢሎም።”

በዚ ከምዚ እንተዘይኮይኑ ንኩሉ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኣሎ። ጸላዕላዕ ከብለናን ሰላምና ኣጥፊእና ሰላም ናይ ካልኦት እውን ክንዘርግ ንኽእል። ስለዚ ገጭገጭ ኣብ ምባል እንተበጺሕናን ሁከት ኣብ ልብና ክነግሥ እንተጀሚሩን ዝጐደለና ነገር ከምዘሎ ተረዲእና ብኡ ንብኡ ንሰላም ክርስቶስ ሃሰስ ንበል። ከመይ ሰላም መለኮታዊ ትዕድልቲ ኰይኑ ንልቢ የረስርስ።

መለኮታዊ ትዕድልቲ ሰላም ንልቢ የረስርስ!

ነዚ ኢየሱስ ዝዕድሎ ሰላም ዝቅበል ኩሉ ንዘመጸ ጸገም ክብድህ ጸገም የብሉን። እንተ እቲ ናይ ዓለም ሰላም ዝደሊ ግን ዘይረዊ ጽምኢ ሒዝዎ ኣይሃድእ ኣይተሃድእ።

“ነዛ ሰላም እዚኣ ኣብ ልቡ ዘንገሠ ሰብ ካብ ምውዛይ ኣይዓርፍን። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከይትረፈ ይስሕቅ ብዛዕባ ካልኦትን ንካልኦትን የስሕቅ። እዚ ምውዛይ እዚ ብዙሕ ግዜ ጥቃ ጸጋ እግዚኣአብሔር ከምዘሎኻ ምልክት እዩ። እዚ ከኣ ሰላም ኢየሱስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ኣሎ ማለት እዩ ጭንቅን መከራን እንተኣጋጠመ እውን እዛ ዋዛ እዚኣ ብዙሕ ክተፋኲስ ትኽእል። ጐይታ ነዚ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ ሰላም ይዓድለና። እዛ ካብ ጐይታ ትመጽእ ሰላም ጥራይ እያ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንዘጓንፉና ጸገማት ተጻዊርና ንቅድሚት ንክንስጉም እተኽእለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
21 May 2019, 17:34
ንኩሉ ኣንብብ >