ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (ANSA)

ክርስትያን ዘቦኡ ዝተቀናጀወት ነፍሲ ሒዙ ግብዝ ካብ ምዃን ይተሓሎ! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 8 መጋቢት 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ኢሳያስ ነቢይ ኣነ ዝደልዮ ጾም ኢሉ ዝዛረብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም እቲ ኣብ ሕይወትና ዘሎ ፍልልይ ናይ ኣምሰሉነት ግብዝናን ሓቀኛ ሕይወትን እዩ በዚ ከኣ ንግብዝና ብዝኾነ መልክዑ ወጊድ ንበሎ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ “እቲ አነ ዝፈትዎ ጾምስ እዚ ዝስዕብ እዩ፥ ንመእሰር እከይ ምፍታሕ፥ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ። ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ፥ አርዑት ባርነት ዘበለ ኹሉ ምስባር፥ እንገራኹም ንትሙይ ምምቃል፥ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት አብ ቤትኩም ምቕባል፥ ዕሩቕ እንተ ረአኹም ምኽዳን፥ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምኅባእ እዩ።(ኢሳ 58:6-10) እንክብል ንዘዘኻኽሮ መንቀሊ ብምግባር ‘ብዙሕ ግዜ ብደገ እነርእዮ ወይ ክንኮኖ እንፍትኖ ናይቲ ሓቀኛ ነገር መግለጺ እዩ ኮይኑ ግን ክልቲኡ እቲ ሓቀኛ ኩነትን እቲ መግለጽን ብሓባር ክጐዓዙ ኣለዎም እንተዘየለ ኣብ ምስትምሳልን ግብዝነትን ንወድቅ። ሓቂ ዘይብሉ ሕይወት ከኣ ምስ ልብና ይገራጮ። ክንሓብእን ክንሸፋፍንን እናጸዓርና ምስ ልብና ዘየሳኒ ናይ ግብዝና ህይወት ንነብር` ኢሎም። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎ ከምንጸውም ንካልኦት ክነፍልጥ ምጽዓር ዘይኮነስ ሕጉሳት ኰና ንስሓ ንግበር ኢሎም።

ሕጉሳት ምዃና ብምግላጽ ንስሓ ምግባር!

ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መልእኽቲ ብቀሊሉ ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ብጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ክንገብሮ ንኽእል ዝበሉ ቅዱስነቶም ክርስትያን ዘቦኡ ንስሓ ይገብር ከምዘሎ ንከፍልጥ ገጹ ከየመጽለው ብፍሕሽው ገጽ ክገብሮ ምስቶም ጽጉማት ከአ ኣብ ቅድሚኡ መለኸት ከይነፍሐ ለጋስ ብምዃን ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ከኣ ብሕቡእ ብምጽላይ ካብ ካልኦት ኣድናቆት ከይተጸበየ ክገብሮ ኣለዎ ኢሎም፣ ናብ ዘመን ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ ብሩህ ኣብነት ዝነበረ እቲ ኣብ ወንጌል ተጠቂሱ ዘሎ ናይ ፈሪሳውን መጸበሓውን ናይ ኣጸላልያ ኣገባብ እዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ካቶሊካውያን ዝጸደቁ ይመስሎም ከመይ ናይ ሓንቲ ማሕበር ኣባላት ብምዃኖም ሰንበት ሰንበት ቤተክርስትያን ምኻዶም ከምቶም ካልኦት መሳኺንን ምንም ዘይርድኦምን ኣይኮናን ኢሎም ዝሓስቡ ኣይሰኣኑን።

“እቶም መሲሎም ኪረኣዩ ዝደልዩ ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ብምንም ተኣምር ኣይቅበሉን። ምናልባት ከም ገለ ኢልካ ‘ንስኻውን ሓጢኣተኛ ኢኻ’ እንተኢልካዮም ‘እወ ሓጢኣት ደኣ ኩልና ኣሎና’ ይብሉኻ እሞ ንኩሉ ኣዛሚዶም ገና ዝጸደቁ ምዃኖም ይገልጹ። ወላ ገጾም ከይተረፈ ናይ ሓደ ቅዱስ ስእሊ ኪመስሉ ሒዅ ይብሉ። በቃ ኣብ ኩሉ መሲልካ ክትርኤ እዩ እቲ ቃልሲ። መንጎ ሓቀኛ ኩነትን መሲልካ እትረኣዮን ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ምስ ዚህሉ ጐይታ ኣታ ግብዝ ትብል ቅጽል ይጥቀም። እንክብሉ ካብ ግብዝነት ነጻ ክንከውን ዓዲሞም።”

08 March 2019, 17:25
ንኩሉ ኣንብብ >