ድለ

2019.02.28 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.02.28 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ምሕረት እግዚአብሔር ወትሩ ኣሎ ኮይኑ ግን ቚጠዓኡን ኣሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 28 ለካቲት 2019ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ብፈተና ስምዒታትካ ኣይትሸነፍ ልብኻ ናብ እግዚአብሔር ንምምላስ ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ` እንክብሉ ዕለት ዕለት ሕልናና እንምርምረሉ ግዜ ወሲና ነስተንትን ናይ ኩሉ ተግባራትና ሚዛን ንግበር `ከመይ ካባና ዋላ ሓደ ብኸመይ ሕይወቱ ከምትውዳእ ርግጽነት የብልናን` ብማለት ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካብ ጥበብ ሲራክ 5 ኮይኑ ‘እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓዪ እዩ ኣሞ፥ ‘ሓጢኣት ገይረ ዝበጽሓኒ ጒድኣት የልቦን’ ኣይትበል። ‘ሕድገት ሓጢኣት ክረክብ እየ’ ኢልካ ብምትእምማን፥ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ሓጢኣት ኣይትወስኽ። ‘ምሕረት እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ፥ ስለዚ ሓጢኣት እኳ እንተኣብዛሕኩ ኪሓድገለይ እዩ’ ኣይትበል። ከመይ መዓትን ምሕረትን ክልቲኡ ምስኡ እዩ፥ ቚጥዓኡ ድማ ኣብ ርእሲ ሓጥኣን እዩ ዚዓርፍ። ናብ እግዚአብሔር ምምላስ ኣይትደንጒ፥ ሎሚ ጽባ እናበልካ እውን ኣይተድሓርሓር። ከመይ መዓት እግዚአብሔር ሃንደበት ኪፍኖ እዩ። ብመዓልቲ መቕጻዕቲ ድማ ክትድምሰስ ኢኻ።’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነዚ ቃል ኣምላኽ መንቀሊ ብምግባር እዮም ‘እስኪ ሓንሳእ ደው በል’ ኣበይ ኣሎኹ በል ሕልናኻ መርምር ተግባራትካ ኣብ ቅድሜኻ ሥርዓዮም እሞ ምዘኖም መወዳእታኻ ካብ ሕጂ ሕጂ ክኸውን ይከኣል እናበልካ ምሕሳብን ምስንዳውን ልቦና እዩ። ምሕረት እግዚአብሔር መወዳእታ የብሉን ኢልካ ሓጢኣት ክትደጋግም ምንባር ጽቡቅ ኣይኮነን። እዚ ዝሰማዕናዮ ምኽሪ ሲራክ ናብ ጐይታ ክንምለስ ልብና ክንልውጥ ዝሕግዘና እዩ እሞ ግዜ ከሎና ግዜ ኣይንጸበ ኢሎም። እቲ ቀንዲ ጸገም ስምዒታትና ስለዝኾነ ንስምዒታትና ክንቆጻጸሮም ክንክእል ኣሎና።

ስምዒታትካ ምቑጽጻር!

ጥበብ ይብሉ ቅዱስነቶም ጥበብ ናይ ዕለት ዕለት ጉዳይ ኮይኑ ሓንሳእ ደው ኢልካ ህድእ ኢልካ ሕይወትካ ከመይ ከምዘላ ከመይ ከምዘሕለፍካያ ኣብ ምስትንታን ይርከብ። ከምዚ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ዝህቦ ማዕዳ ንዝመስል ጥበበ ሲራክ ንዝህቦ ምኽሪ ጽን ኢልካ ምስማዕ ብጣዕሚ ሓጋዚ እዩ።

“ስምዒታት ልብኻ ተመርኲሱ ኣእምሮኻ ሕሹዅ ንዝብለካስ ይኹን ሓይልኻ ዘደናድነካ ነገራት ኣይትከተል ኣይትግበር። ኩልና ስሚዒታት ኣሎና። ምጥንቃቅ የድሊ ንስሚዒታትና ክንቈጻጸሮም ክንክእል ኣሎና። ኣብ ኢድካ ሓዞም ኩሎም ስምዒታት ሕማቅ እዮም ማለት ኣይኮነን ዳርጋ ከም ደም ኰይኖም ንብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ንቅድሚት ዘሰጒሙ ኣለው ኮይኑ ግን ንስኻ ክትቈጻጸሮም እንተዘይክኢልካ ንሶም ክቘጻጸሩኻ እዮም እሞ ሓንሳእ ደው በል እሞ ኣስተንትን ኢሎም።”

ንለውጢ ብሎሚ ጽባሕ ኣይተሕልፎ!

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ዳዊት ኩሉ ሓላፊ ምዃኑ ንምግላጽ `ትማሊ በዚ ሓሊፈ ሓደ ሰብኣይ ኣብዚ ነሩ ሎሚ ምስ ተመለስኩ ግን ኣይጸንሓንን` ንዝብል ይጠቅሱ እሞ `ዘለዓለማውያን ኣይኮናን ወትሩ ፊን ዝበለና ነገራት እናገበርና ክንነብር ኢልና ኣይንሕሰብ።

“ክሳብ ሕጂ ካብ ተዋጻእኩ ንብድሕሪ ሕጂ እውን ክወጻ እየ እናበልካ ኣብ ዘሎኻ ደሪቅካ ኣይትንበር። ኣይፋል እብለካ ምናልባት ክሳብ ሕጂ ተዋጺእካ ኣሎኻ ንብድሕሪ ሕጂ ግን እንድዒኸ ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ‘‘ምሕረት እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ፥ ስለዚ ሓጢኣት እኳ እንተኣብዛሕኩ ኪሓድገለይ እዩ’ ኣይትበል። ከመይ መዓትን ምሕረትን ክልቲኡ ምስኡ እዩ፥ ቚጥዓኡ ድማ ኣብ ርእሲ ሓጥኣን እዩ ዚዓርፍ።’ስለዚ እስከ እንተወሓደ ሓሙሽተ ደቂቅ ንልብኻ ክትልውጥ ደው በል።”

5 ደቂቅ ልብኻ ንምልዋጥ!

ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ ምናዳ ንንስሓን ለውጥን ክብሉ ዝዓደሙ ቅዱስነቶም እንተወሓደ ንሓሙሽተ ደቂቅ ርግእ ኢልካ ነቲ ውድቀታትካ ክትፍትሾ ፈትን በይንኻ ኣይኮንካን ኩልና ወደቅቲ ኢና እቲ ቀንዲ ሃሰስ ክትብሎ ዘሎካ ብቀሊሉን ብተደጋግምን እትወድቀሉን ምኽንያቱን እዩ።

“ናብ ጐይታ ንክንምለስከስ ነዛ ንእሽቶ መርመራ ሕልና እዚኣ ዕለት ዕለት ንግበራ። ምናልባት ደሓን ጽባሕ ክገብሮ ክፍትን እየ ክትብል ትኽእል ኮይኑ ግን ጽባሕ ምናልባት ክትህሉ ትኽእል ክትገብሮ ትኽእል እንድዒኸ! ንገዛእ ርእስኻ ክትገዝእ ክትገትእ ስምዒታትካ ክትቘጻጸር እንተዘይክኢልካ ስምዒታትካ ክመልኩኻን ክገዝኡኻን እዮም ፣ ካባና ሕይወቱ ብከመይን መኣስን ትውድእ ዝፈልጥ የልቦን እሞ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ዕለት ነዘን ዝበልናየን ሓሙሽተ ደቂቅ ናይ ሕልና መርመራ እንተገበርና ክሕግዘና እዩ። ንለውጥን ንስሓን የርከበሉ ንዝብል ሕማም ክኣልያልና እየን በዚ ከኣ ናብ ጐይታ ክንምለስ ኢና። ነዚ መንገዲ እዚ ንምስዓብ ጐይታ ብጥበቡ ይምሃረና። እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
28 February 2019, 14:14
ንኩሉ ኣንብብ >