ምሕረት እግዚአብሔር ወትሩ ኣሎ ኮይኑ ግን ቚጠዓኡን ኣሎ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካብ ጥበብ ሲራክ 5 ኮይኑ ‘እግዚአብሔር ንዅራ ደንጓዪ እዩ ኣሞ፥ ‘ሓጢኣት ገይረ ዝበጽሓኒ ጒድኣት የልቦን’ ኣይትበል። ‘ሕድገት ሓጢኣት ክረክብ እየ’ ኢልካ ብምትእምማን፥ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ሓጢኣት ኣይትወስኽ። ‘ምሕረት እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ፥ ስለዚ ሓጢኣት እኳ እንተኣብዛሕኩ ኪሓድገለይ እዩ’ ኣይትበል። ከመይ መዓትን ምሕረትን ክልቲኡ ምስኡ እዩ፥ ቚጥዓኡ ድማ ኣብ ርእሲ ሓጥኣን እዩ ዚዓርፍ። ናብ እግዚአብሔር ምምላስ ኣይትደንጒ፥ ሎሚ ጽባ እናበልካ እውን ኣይተድሓርሓር። ከመይ መዓት እግዚአብሔር ሃንደበት ኪፍኖ እዩ። ብመዓልቲ መቕጻዕቲ ድማ ክትድምሰስ ኢኻ።’ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም ነዚ ቃል ኣምላኽ መንቀሊ ብምግባር እዮም ‘እስኪ ሓንሳእ ደው በል’ ኣበይ ኣሎኹ በል ሕልናኻ መርምር ተግባራትካ ኣብ ቅድሜኻ ሥርዓዮም እሞ ምዘኖም መወዳእታኻ ካብ ሕጂ ሕጂ ክኸውን ይከኣል እናበልካ ምሕሳብን ምስንዳውን ልቦና እዩ። ምሕረት እግዚአብሔር መወዳእታ የብሉን ኢልካ ሓጢኣት ክትደጋግም ምንባር ጽቡቅ ኣይኮነን። እዚ ዝሰማዕናዮ ምኽሪ ሲራክ ናብ ጐይታ ክንምለስ ልብና ክንልውጥ ዝሕግዘና እዩ እሞ ግዜ ከሎና ግዜ ኣይንጸበ ኢሎም። እቲ ቀንዲ ጸገም ስምዒታትና ስለዝኾነ ንስምዒታትና ክንቆጻጸሮም ክንክእል ኣሎና።
ስምዒታትካ ምቑጽጻር!
ጥበብ ይብሉ ቅዱስነቶም ጥበብ ናይ ዕለት ዕለት ጉዳይ ኮይኑ ሓንሳእ ደው ኢልካ ህድእ ኢልካ ሕይወትካ ከመይ ከምዘላ ከመይ ከምዘሕለፍካያ ኣብ ምስትንታን ይርከብ። ከምዚ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ዝህቦ ማዕዳ ንዝመስል ጥበበ ሲራክ ንዝህቦ ምኽሪ ጽን ኢልካ ምስማዕ ብጣዕሚ ሓጋዚ እዩ።
ንለውጢ ብሎሚ ጽባሕ ኣይተሕልፎ!
ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ዳዊት ኩሉ ሓላፊ ምዃኑ ንምግላጽ `ትማሊ በዚ ሓሊፈ ሓደ ሰብኣይ ኣብዚ ነሩ ሎሚ ምስ ተመለስኩ ግን ኣይጸንሓንን` ንዝብል ይጠቅሱ እሞ `ዘለዓለማውያን ኣይኮናን ወትሩ ፊን ዝበለና ነገራት እናገበርና ክንነብር ኢልና ኣይንሕሰብ።
5 ደቂቅ ልብኻ ንምልዋጥ!
ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ ምናዳ ንንስሓን ለውጥን ክብሉ ዝዓደሙ ቅዱስነቶም እንተወሓደ ንሓሙሽተ ደቂቅ ርግእ ኢልካ ነቲ ውድቀታትካ ክትፍትሾ ፈትን በይንኻ ኣይኮንካን ኩልና ወደቅቲ ኢና እቲ ቀንዲ ሃሰስ ክትብሎ ዘሎካ ብቀሊሉን ብተደጋግምን እትወድቀሉን ምኽንያቱን እዩ።