ሕይወት ዋጋ ዝህልዋ ከም ሰማዕታት ስለካልኦት እንክነወፍያ እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘቅረቦ ወንጌል ጐ.ኢ.ክ ስብከቱ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ገሊኦም ኤልያስ እዩ ገሊኦም ከአ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ ገሊኦም ከአ ሓደ ካብ ነቢያት እዩ እንክብሉ እቲ ብኩሉ ኩሉ ተቈማጢዑ ክውስን ዘይከአለ ንጉሥ ግን ዕረፍቲ ኅልና ብምስኣኑ እቲ ኣነ ክሳዱ ዘቚረጽክዎ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ ካብ ሙታን ተንሢኡ እናበለ ከምዝተሓቅየ ዝገልጽን ሰማዕትነት ዮሓንስ ብሰፊሑ ዝትንትንን ክፍሊ ነበረ።
ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኣንከሎ ብዘብራሃሉ! ንሱ በዚ ከምዚ መንገዲ ኪሃልፍን ኪትሕትን ከምዘይነበረ ክከውንን ከምዝነበሮ! እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግን ብድሕሪኡ ዝመጸ ጐይታ ልዕሎ ክብል ከምዝነሮ ይፈልጥ ነሩ እዩ። በዚ ከምዚኸስ ናብ`ቲ ዓቢ ብርሃን ንከብጽሕ በብቑሩብ እቲ ብርሃኑ ኣብ መጨረሻ ኣብ ቸላ ተዓጽዩ እናደብዘዘ ይኸይድ ብሰማዕትነት ከኣ ይቅህብም! በዚ ከኣ መንገዲ ጸሪጉ ካብቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ጀሚሩ በብሃደ ናብ ብርሃን ኢየሱስ መሪሑ ብምርካብ ምስክርነቱ ኣብ መወዳእታ ብሰማዕትነት ሃበ።
ነታ ብከንቱነት ዝሰኸረት ጓል ሄሮድያዳ ሳሎመ ንጉሥ ሄሮዱስ ኩሉ ክህነበኪ እየ ይብላ እዚ ከኣ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ክፍትኖ እንከሎ ዝተጠቅሞ ቃላት ይደግሞ ንስኻ እንተደኣ ሰጊድካለይ ኩሉ መንግሥተይ ክህበካ እየ ይብሎ። ሄሮዱስ ግን ነዚ ከይፈለጠ ብሠይጣን ተሚሊኹ ይብሎ።