ድለ

2019.02.08 መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.02.08 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ሕይወት ዋጋ ዝህልዋ ከም ሰማዕታት ስለካልኦት እንክነወፍያ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 8 ለካቲት 2019 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንሰማዕትነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ብምዝካር ኣብቲ ፍጻሜ ዝተሳተፉ አርባዕተ ሰባት ማለት እቲ ብኩሉ ኩሉ ተቈማጢዑ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ብልሽውና ዝበጽሔን ክውስን ዘይከአለን ንጉሥ ከምኡ እውን እታ ብጽልኢ ዝከሓነት ሄሮድያዳ ሠይጣናዊት ሰበይቲ ከምኡ እውን ከንቱነት ዘጥቅዓ ሕንቅቅቲ ሳዕሳዒት ጓላ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክሳዱ ዝተመትረን ንምስክርነት ሓቂ ድሕር ዘይበለን ዮሓንስ መጥምቅ ጠባያት በብሓደ ተንቲኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘቅረቦ ወንጌል ጐ.ኢ.ክ ስብከቱ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ገሊኦም ኤልያስ እዩ ገሊኦም ከአ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ ገሊኦም ከአ ሓደ ካብ ነቢያት እዩ እንክብሉ እቲ ብኩሉ ኩሉ ተቈማጢዑ ክውስን ዘይከአለ ንጉሥ ግን ዕረፍቲ ኅልና ብምስኣኑ እቲ ኣነ ክሳዱ ዘቚረጽክዎ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ ካብ ሙታን ተንሢኡ እናበለ ከምዝተሓቅየ ዝገልጽን ሰማዕትነት ዮሓንስ ብሰፊሑ ዝትንትንን ክፍሊ ነበረ።

“ናይቲ ባዕሉ ጐ.ኢ.ክ እንካብ ኣንስቲ ካብ ተወልዱ ካባኡ ዚዓቢ ዘየለ ኢሉ ዝመስከረሉ ሰማዕትነት ዓቢ ትምህርቲ ከምዘስተምህር ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቲ ቀንዲ ትምህርቲ ከአ ሕይወት ዋጋ ዝህልዋ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ሰማዕት ስለ ካልኦት እንክነወፍያ ስለፍቅሪ ስለሕይወት ስለስድራ እንክትውፈ ዓቢ ምስክነት ሂባ ንብርሃን ክርስቶስ ትዂልዕ ኢሎም።”

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኣንከሎ ብዘብራሃሉ! ንሱ በዚ ከምዚ መንገዲ ኪሃልፍን ኪትሕትን ከምዘይነበረ ክከውንን ከምዝነበሮ! እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግን ብድሕሪኡ ዝመጸ ጐይታ ልዕሎ ክብል ከምዝነሮ ይፈልጥ ነሩ እዩ። በዚ ከምዚኸስ ናብ`ቲ ዓቢ ብርሃን ንከብጽሕ በብቑሩብ እቲ ብርሃኑ ኣብ መጨረሻ ኣብ ቸላ ተዓጽዩ እናደብዘዘ ይኸይድ ብሰማዕትነት ከኣ ይቅህብም! በዚ ከኣ መንገዲ ጸሪጉ ካብቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ጀሚሩ በብሃደ ናብ ብርሃን ኢየሱስ መሪሑ ብምርካብ ምስክርነቱ ኣብ መወዳእታ ብሰማዕትነት ሃበ።

“ሰማዕትነከስ ኣገልግሎት ኮይኑ ሓደ ምሥጢር ሃደ ትዕድልቲ እዩ! ኮይኑ ግን ስለምንታይ ነቶም እሙናት ጐይታ እዚ ይበጽሖም እንተበልና ቅድሚ ዝኣገረ ሕይወት ሰማዕታት ንክተዘንትዎ ቀሊል ኣይኮነን ከመይ ሕይወት ሰማዕታት ምሥቲር እዩ ሓደ ዓቢይን ፍሉይን ህያብ ኮይኑ ስለ ካልኦት ዝዕደል ጸጋ እዩ። ኮይኑ ግን እንተስ ነዚ ሰኣን ምርዳእ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት በቶም ናትካ ዝኾኑ እዛ ንሰማዕትነት ዝተዓደለት ነፍሲ ሰፍ ብዘይብል ዓመጽ ትቊጸ። ኣብ ኩነታት ሄሮዱስ ምልስ እንተበልና መሽኪናይ ሽሕ`ኳ ንቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ የፍቅሮን ክሰምዖ እንከሎ ልቡ ይትንክፎን እንተነበረ መንገዲ ሕይወቱ ክቅይር ግን ትብዓት ኣይነበሮን። ዮሓንስ መጥምቅ ነቢይ ከምዝነበረን እናክሰምዖ ልቡ ይትንክፎ ከምዝነበረን ይርድኦ ነሩ ክሳብ ዝተኻእሎ እውን ይከላኸለሉን ይጥንቀቀሉን ነሩ። ሽሕ`ኳ ኣብ ቤትማእሰርቲ እንተኣንበሮ ተጠንቂቁ ይሕልዎ ነሩ። ኮይኑ እታ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዘጠንቅቆ ዝነበረ ሓጢኣት ማለት ሓቲት ዝሙት ንኣዕይንቱ ኣዕዊሩ ንልቡ ኣደንዚዙ ንእዝኑ ኣጽሚሙ ነቲ ብድምጺ ነቢይ ዝሰምዖ ዝነበረ መልእኽቲ እግዚአብሔር ንከይሰምዕ እሞ ናብ ንቡር ከይምለስ ዓንቂጽዎ። እዚ ኩነት እዚ ብዙሓት ናይ ዘመንና ዲፕሎማት ዝበሃሉ እስኪ ማእከላይ መንገዲ ሃሰስ ንበል ክብሉ ዝኸስርዎ እሞ መንጎ ሕይወትን ሞትን መንጎ ፍትሕን ዓመጽን ክፈልዩ ዝጽገሙ ዓይነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን እታ ሄሮድያዳ እትበሃል ሰበይቲ ሰይጣናዊ ዝኾነ መንፈስ ጽልኢ ኣዕዊርዋ ስለዝነበረ ቅድም ንሰብኣያ ብሓው ከምዝቅተል ገራ ደጊማ ከኣ ነቲ ነቢይ ናይ እግዚአብሔር ከምዝቅተል ገራ ከመይ ከምቲ ወንጌል ዘዘንትዎ ንዮሓንስ መጥምቅ ብጣዕሚ ትጸልኦ ስለዝነበረት ዝገበረ ገራ ከምዝምወት ክትገብሮ ነርዋ ገራቶ ከኣ። ንሕና እውን ነዚ ነገር እዚ ንፈልጦ ኢና! ጽልኢ ዓቢ ሓይሊ ኣለዎ! ንኩሉ ከፈጽም ይኽእል! ከመይ ጽልኢ እስትንፋ ሰይጣን እዩ! ሰይጣን ከፍቅር ኣይክእልን ንፍቅሪ እውን ኣይፈልጦን። ፍቅሩስ ቅርሕንትን ጽልእን እዩ። እዛ ሰበይቲ ከኣ ሰይጣናዊ መንፈስ ጽልኢ ስለዝወረራ ኣቅቲላቶ።”

ነታ ብከንቱነት ዝሰኸረት ጓል ሄሮድያዳ ሳሎመ ንጉሥ ሄሮዱስ ኩሉ ክህነበኪ እየ ይብላ እዚ ከኣ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ክፍትኖ እንከሎ ዝተጠቅሞ ቃላት ይደግሞ ንስኻ እንተደኣ ሰጊድካለይ ኩሉ መንግሥተይ ክህበካ እየ ይብሎ። ሄሮዱስ ግን ነዚ ከይፈለጠ ብሠይጣን ተሚሊኹ ይብሎ።

“ክንዮ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ወትሩ ሠይጣን ኣሎ። ኣብ ልቢ ሄሮድያዳ ጽልኢ ይዘርእ ኣብ ልቢ ጓላ ከንቱነት ይዘርእ ኣብ ልቢ ሄሮዱስ ብልሽውና ይዘርእ! እቲ ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ዘበሉ ዝዓበየ ከኣ ብኩሉ ተኻሒዱ በይኑ ይተርፍ! ኣብ ቸላ ይእሰር! ናይታ ሠይጣናዊት ሰበይቲ ጽልእን ናይቲ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ ዘይከኣል ብልሽው ንጉሥ ኩነትን ክሳዱ ከምዝምተር ይገብሮ። በዚ ከኣ ሕይወት ዮሓንስ መጥምቅ በብቊሩብ ንመሲሕ ቦታ እናገደፈ ኣብ መወዳእታ ብዘማእትነት ይሓልፍ። ከም ናይ ዘመንና ብዙሓት ሰማዕታት ከኣ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ቸላ ቤትማእሰርቲ ማንም ከየስተውዓለሉ ይመውት። ሕይወትከስ ንካልኦት ብምውፋያ ኣብ ፍቅርን ሓቅን ኣንክትውፈ ዋጋ ይህልዋ። ነዞም ኣርባዕተ ሰባት እናሓሰብና ልብና ንጐይታ ብምኽፋት ንክንምስክረሉ ንጽዓር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ`ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
08 February 2019, 18:11
ንኩሉ ኣንብብ >