ድለ

2019.02.07 መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2019.02.07 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ልብና ንካልኦት ንምኽፋት ትሕትናን የዋህነትን የድልዩና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 7 ለካቲት ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ንስሓን ለውጥን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ‘እዚ ለውጢ ወይውን ንስሓ እዚ ዘሕዊ ኮይኑ ንኲልና ብግዲ የድልየና እዩ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሎሚ’ውን ኣብተን ሕመረት መንገዲ ብፅዕና ዝኾና ሓይልታት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንልቢ ካልኦት ንምክፋትን ናብ ለውጥን ንስሓን ንምዕዳሞምን ግድን ኣሰር ክርስቶስ ብምኽታል የውሃነት ትሕትናን ድኽነትን የድሊ። እንተዘልየሎ ካብ ካልኦት ዝበልጸካን ዝሓሽካን ገለ ሰብኣዊ ጥቅሚ ንክትረክብን ቅርብ ቅርብ ምባል ኣየዐውትን` እንክብሉ ነቲ ንዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ 6.7-13 ዝቀረበ ቃል ኣምላኽ ተንቲኖም። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ በብክልት ዝለኣኾምን ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ብምሕባር ንሕሙማት ክፍውሱ ዝለኣኾም እንከመልክት ነዚ ንምግባር ከኣ ልቢ እቶም ዝቅበልዎ ክፉት ክኸውን እንተዘየለ ልቢ እንተደኣ ተዓጽዩ ኩሉ ብደገ ከም እትለኽዮ ሕብሪ እዩ ኢሎም።

ኢየሱስ ንአርድእቲ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ክገብሩ ማለት ሕሙማት ከሕውዩ ነቲ ሱር ሓጢኣትና ዝኾነ ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ካባና ከርሕቁን ከሕውዩናን ለኣኾም። እዚ ምሕዋይ እዚ ዳግም ምፍጣር እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም `ኢየሱስ ካብ ሱርመሠረትና ጀሚሩ እዩ ዳግም ፈጢሩና ካብኡ ብምቅጻል ከኣ በቲ ዝፍውስን ዘድሕንን ትምህርቱ  ገሩ ንቅድሚት ከም እንስጉም ገሩና፣ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ግን ንለውጢ ዝዕድሞ ንንሥሓ ዘቅርቦ ትእዛዝ እዩ።

“‘ኣብ መሥርሕ ለውጢ እቲ ቀዳማይ ምሕዋይ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ምእንቲ ኪኣቱ ልብኻ ምኽፋት እዩ። ለውጢ ወይውን ንስሓ ካብ ፍልይ ዝበለ ቦታ ምዕዛብን ናብቲ ካልእ ዝሓሸ ስግር ምሕላፍን እዩ። እዚ ከኣ ንልብና ከምእንኸፍት ይገብረና ንነገራት ብካልእ መልክዕ ከምእንርኢ ይገብረና። ልብና ዕጽው እንተኾይኑ ግን ክንሓዊ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ‘ተነስሑ ተለውጡ ልብኹም ክፈቱ’ ዝብሎም ዝነበረ። ንሕና ክርስትያን እንበሃል እውን ሽሕ’ኳ ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት እንተገበርና ልብና ግን ዕጽው እንተኾይኑ ብደገ ጥራይ ዝተለቅለቅና ኢና። ስለዚ ነፍሲወከፍና ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ሕልናና ንመላልሳ ‘ኣነስ ብሓቂዶ ነዚ ጻውዒት ለውጥን ንስሓን እሰምዖ ኣሎኹ! ንክሓዊ ልበይ እኸፍቶዶ ኣሎኹ! ንጐይታ ክረክብ ንቅድሚት ንክግስግስ ልበይ ከፊተዮዶ ኣሎኹ! እናበልና ነስተንትን ኢሎም።”

ጸባ መጓሲኡ ጥራይ ዘይደሊ ጓሳ

ንሕዝቢ ናብ ንስሓን ለውጥን ንክትዕድም ሥልጣን የድልየካ። ኢየሱስ ነቶም ዝልእኾም ዝነበረ ‘ንመንገዲ እንትሮፎ በትሪ ለቘታ ኮነ እንጌራ ወይ ገንዘብ ኣብ ዕጣቆም ሓንቲ እኳ ከይማልኡ ኣዘዞም።’ ብካልእ ኣዘራርባ ሓዋርያ ክኸውን ዝደሊ ጓሳ ክኸውን ዝደሊ እንትርፊ ድኽነት ካብተን ኣባጊዑ ጸባአን ወይውን ቆርበተን ንጥቅሙ ክ ወስድ የብሉን፣ ሃረር እውን ክብሎ የብሉን።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ`ዚ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዘጠንቅቆ ይጠቅሱ እሞ ካብ መጓሲኡ ሰልድስ ይኹን ካልእ ከንቱ ነገራት ዝደሊ ጓሳ ንክርስቶስ ዝግባእ ኣይኮነን። ሥልጣኑን ጥራሕ እዩ ዘገድሶ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም። በዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ሥልጣን ጥራይ ሃሰው ዝብሉ ጓሶት ንማንም ከሕውዩ ኣይክእሉን ኢሎም።

ቅዱስነቶም ነዙይ ኩሉ ንምሽናፍ ሓደ ጓሳ ኣሰር ክርስቶስ ተኸቲሉ ድኽነትን ትሕትናን የውሃትን ክለብስ ኣለዎ። ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ከኣ በዚ መንገዲ እዚ መጺእካዮም ንዘይቅበሉኻ ደሮና እግርኻ ነገፍካ ምኻድ እዩ።

“ምናልባት ሓደ ሓዋርያ ሓደ ልኡኽ ወላውን ሓደ ካብዞም ኣብዚ ዘሎና ኣፍንጫኡ ኣንዊሑ ክንዲ ስብከተወንጌልን ትሕትናን ካልእ ነገራት ሥልጣንን ጥቅምን ንክደሊ ብመንገዲ ትዕቢት ቀሪቡ ልቢ ማንም ክኸፍት ኣይክእልን ሕወየት የለ ድሕነት የለ። ሥልጣን ካብ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዝርከብ ምናዳ ሥልጣን ናይ ሓዋርያ። ኣየኖት ከ እዮም መንገዲ ክርስቶስ እንተበልና ድኽነት ኣምላኽ ክንሱ ሰብ ዝኾነሉ ትሕትና የወሃነት እዮም። ኢየሱስ ብትሕትናኡን የወሃቱን እዩ ናይ ምሕዋይ ተኣምር ዝገብር ዝነበረ። እዘን ሃብታት እዚአን እንተልየን ተነስሑ ተለወጡ ኢልካ ክትእውጅ እውን ሥልጣን ይወሃበካ እዩ። ሥልጣን ዝወሃበካኸስ ንካልኦት ኣብ ዘሎካ ተገዳስነት ተመርኲሱ እዩ። በዚ ሥልጣን ትሕትና ከኣ ኣጋንንቲ ይባረሩ ሕሙማት ይፍወሱ። ንሕና ኩልና ትዕግሥቲ ተኣንጊብና ሠናይ ቃላት ጐይታ ብምድጋም ነንሕድሕድና ክነሐዊ ንኽእል። ኩልና ክንሓዊ ንደሊ ኢና እሞ ሃየ ነዚ ንምግባር ኣይንሰልኪ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
07 February 2019, 14:00
ንኩሉ ኣንብብ >