ልብና ንካልኦት ንምኽፋት ትሕትናን የዋህነትን የድልዩና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ሎሚ’ውን ኣብተን ሕመረት መንገዲ ብፅዕና ዝኾና ሓይልታት ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንልቢ ካልኦት ንምክፋትን ናብ ለውጥን ንስሓን ንምዕዳሞምን ግድን ኣሰር ክርስቶስ ብምኽታል የውሃነት ትሕትናን ድኽነትን የድሊ። እንተዘልየሎ ካብ ካልኦት ዝበልጸካን ዝሓሽካን ገለ ሰብኣዊ ጥቅሚ ንክትረክብን ቅርብ ቅርብ ምባል ኣየዐውትን` እንክብሉ ነቲ ንዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ 6.7-13 ዝቀረበ ቃል ኣምላኽ ተንቲኖም። ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ በብክልት ዝለኣኾምን ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ብምሕባር ንሕሙማት ክፍውሱ ዝለኣኾም እንከመልክት ነዚ ንምግባር ከኣ ልቢ እቶም ዝቅበልዎ ክፉት ክኸውን እንተዘየለ ልቢ እንተደኣ ተዓጽዩ ኩሉ ብደገ ከም እትለኽዮ ሕብሪ እዩ ኢሎም።
ኢየሱስ ንአርድእቲ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ክገብሩ ማለት ሕሙማት ከሕውዩ ነቲ ሱር ሓጢኣትና ዝኾነ ናይ ኣቦና ኣዳም ሓጢኣት ካባና ከርሕቁን ከሕውዩናን ለኣኾም። እዚ ምሕዋይ እዚ ዳግም ምፍጣር እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም `ኢየሱስ ካብ ሱርመሠረትና ጀሚሩ እዩ ዳግም ፈጢሩና ካብኡ ብምቅጻል ከኣ በቲ ዝፍውስን ዘድሕንን ትምህርቱ ገሩ ንቅድሚት ከም እንስጉም ገሩና፣ እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ግን ንለውጢ ዝዕድሞ ንንሥሓ ዘቅርቦ ትእዛዝ እዩ።
ጸባ መጓሲኡ ጥራይ ዘይደሊ ጓሳ
ንሕዝቢ ናብ ንስሓን ለውጥን ንክትዕድም ሥልጣን የድልየካ። ኢየሱስ ነቶም ዝልእኾም ዝነበረ ‘ንመንገዲ እንትሮፎ በትሪ ለቘታ ኮነ እንጌራ ወይ ገንዘብ ኣብ ዕጣቆም ሓንቲ እኳ ከይማልኡ ኣዘዞም።’ ብካልእ ኣዘራርባ ሓዋርያ ክኸውን ዝደሊ ጓሳ ክኸውን ዝደሊ እንትርፊ ድኽነት ካብተን ኣባጊዑ ጸባአን ወይውን ቆርበተን ንጥቅሙ ክ ወስድ የብሉን፣ ሃረር እውን ክብሎ የብሉን።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ`ዚ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዘጠንቅቆ ይጠቅሱ እሞ ካብ መጓሲኡ ሰልድስ ይኹን ካልእ ከንቱ ነገራት ዝደሊ ጓሳ ንክርስቶስ ዝግባእ ኣይኮነን። ሥልጣኑን ጥራሕ እዩ ዘገድሶ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም። በዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ሥልጣን ጥራይ ሃሰው ዝብሉ ጓሶት ንማንም ከሕውዩ ኣይክእሉን ኢሎም።
ቅዱስነቶም ነዙይ ኩሉ ንምሽናፍ ሓደ ጓሳ ኣሰር ክርስቶስ ተኸቲሉ ድኽነትን ትሕትናን የውሃትን ክለብስ ኣለዎ። ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ከኣ በዚ መንገዲ እዚ መጺእካዮም ንዘይቅበሉኻ ደሮና እግርኻ ነገፍካ ምኻድ እዩ።