ድለ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ፥ ጭቡጥነት መምዘኒ ክርስትና እዩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ፥ ጭቡጥነት መምዘኒ ክርስትና እዩ  (Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ፥ ጭቡጥነት መምዘኒ ክርስትና እዩ

ናብ እግዚኣብሔር ዘእትው በሪ፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ከምዝምዕዶ፡ ብሓደ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ንሓድ ሕድና ምፍቓርን ዝብል መፍትሕ ዝኽፈት እዩ፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ

ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 3 ፍቕዲ 22, ምዕ. 4 ፍቕዲ 6

ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 12-17, ካብ ፍቕዲ 23-25 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዛት፥ ጭቡጥ እዩ፡ ናይ ክርስትና መምዘኒ እምበር ናይ ምጩውን ሙርን ቃላት መምዘኒ ኣይኰነን፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ኣብ ናይ 2019 ዓ.ም. ናይ ፈለማ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝለገስዎ ስብከተ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱሳት ናይ ጭቡጥነት ተግባር ጽሉላት እያቶም ክበሃል ይከኣል፡ ናብቲ ዝመጽእ ጐይታ ብጭቡጥ ከይዲ ዝድግፉን ዘሰንዩን ልልይ ዝገብሩን እያቶም፡ ከምቶም ናይ ሓሶት ነቢያት ምድናጋራትን ፋንጣዝያን ዝነዝሑ ኣይኰኑን እንክብሉ ኣብታ ቀዳመይቲ ምንባብ ኣደጊፎም፡ እቲ ንእግዚኣብሔር እንሓቶ ካብ እግዚኣብሔር ንቕበሎ፡ እዚ ግና ትእዛዙ ምፍጻምን ንኣኡ ደስ ዘብኦ ምፍጻምን ዝብል ቅድመ ኵነት ዝሓትት፡ “ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና”

ክፉት ማዕጾ

ናብ እግዚኣብሔር ዘእትው በሪ፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ከምዝምዕዶ፡ ብሓደ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ንሓድ ሕድና ምፍቓርን ዝብል መፍትሕ ዝኽፈት እዩ፡ እዚ ምስ እንፍጽም ጥራሕ እዩ ብትብዓት ቃሕ ዝብለና ንእግዚኣሔር ክንሓትት እንኽእል፡

ኢየሱስ ዝተሰግወ እግዚኣብሔር ወልደ እግዚኣብሔር ምዃኑን ሓደ ከማና ኰይኑ ከምዝመጸ ምእማን፡ እዚ እዩ እምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር ማለት፡ ጭቡጥ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ማሕጸን ማርያም ዝተጸንሰ፡ ኣብ ቤተልሄም ዝተወልደ ከም ማንም ሕጻን ኰይኑ ዝዓበየን ንግብጺ ዝተሰደን፡ ናብ ናዝሬት ተመሊሱ ካብ ኣቡኡ ሕጊ እግዚኣብሔርን ዕዮን ዝተመሃረን … ዝሰበኸን -  ብግብሪ ዘስተምሃረን እዩ፡ እግዚኣብሔርን - ሰብን፡ ሰብ ተመሲሉ ዘይኰነስ ሰብ ኰይኑ ዝመጸ፡ ንኣኡ ምፍቃር፡ እዚ እዩ እቲ ጭቡጥ ትእዛዝ። እቲ ካልኣይ ትእዛዝ፡ ፍቕሪ ዝብል ኰይኑ ኣብ ንሓድ ሕድ ምፍቓር ዝንበር ፍቕሪ እዩ፡ ጭቡጥ ፍቕሪ እምበር ፋንጣዝያ ዘይኰነ ፍቕሪ፡ ጽቡቕካ እደልይ እፈትወካን እየ፡ ድሓር ግና ብድሕሪት ኰይነ ብመልሓሰይ እሓምየካን ክፋእካ እዛረብን፡ እዚ ፍቕሪ ኣይኰነ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ጭቡጥ እዩ፡ ናይ ክርስትና መምዘኒ ድማ እዩ፡ ሓሳብን ፍካሬን ምቁር ቃላት ዘይኰነ ጭቡጥ ቃል እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ብድሆ።

መንፈሳዊ ንቕሓት

እቲ ብትስብእቲ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ዝተማርከ ሓዋርያ ዮሓንስ፡ ቃል ኢየሱስ ከመይን ብኸመይን ናብ ሕዝቢ ከምዝመጽእ ይገልጽ፡ እምነት ክርስትና ጭቡጥ እምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ሕድ ሕዳዊ ፍቕርን እውን እንተዀነ መንፍሳዊ ንቕሓት ዝሓትት እዩ።

… እምነት ክርስትና ቃልሲ እውን እዩ፡ ስለምንታይ ኣልቦ ሓላፍነት ዝዀነ ልምሉም ኢየሱስ ዘቕርቡ ናይ ሓሶት ነቢያት ዝንዝሕዎ ሓሳብ ስለ ዘሎ፡ ኣልቦ ኣካል ዝዀነን ኣብ ንሓድ ሕድካ ዘይንብር ፍቕሪ ዓይነት እግዚኣብሔር ምንባር ዝሕብር ተዛማዲ ሓሳብ የቕርቡ፡ እቲ ካባይ ወገን እዩ እቲ ወገነይ ኣይኰነ ቢልካ ንኽትፈርድ ዝድርክ ተዛማዲ ሓሳብ ዘቕርቡ ስለ ዘለዉ፡

ናይ ሓሶት ነቢያት

ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ማለት፥ ኣብቲ ስጋ ለቢሱ ዝመጸ እግዚኣብሔር ኣሜን ምባል ማለት እዩ፡ ኣብቲ ጭቡጥ ፍቕሪ ምእማን ማለት እዩ፡ ልልያ ምግባር ማለት እዩ፡ ተሰግወ - ጭቡጥ ፍቕሪ፡ ኣስተንፍሶታት ብሓቂ ካብ እግዚኣብሔር ድዩ ወይ ካብ መናፍስትቲ ሓሶት ድዩ ዝመጽእ ምልላይ የድሊ፡ ስለምንታይ ናይ ሓሶት ነቢያት ናብ ዓለም መጺኦም እዮም፡ ዲያብሎስ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ካብ ኢየሱስ ከርሕቐናን ኣብ ኢየሱስ ንኸይንተርፍ ክድርኸና ወትሩ ክቀላቕል እዩ፡ ምእንቲዚ መንፍሳዊ ንቕሓት ወትሩ ኣገዳሲ እዩ፡ ሓደ ክርስቲያን ቅድሚ ናብ ምድቃሱ ምኻድ፡ ንሰለስተ ወይ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ብጽሞና፡ እቲ ኣብ ልቡ ዝዀነ ኵሉ ምስሊ ቢሉ ክምርምር ኣለዎ፡ ናብ እግዚኣብሔር ዝመረሖን ዘይመረሖን ምኻኑ ከለልይ መታን .. ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብቲ ቅዳሴ ዝሓበሩ ልኡከ ወንጌል ኰይኖም ኣብ ብራዚል ብሕማም ደውየ ንዝተጠቕዑ ብምእላይ ነርበዓ ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያውን ከምኡ እውን ቅድስቲ ፍራቸስካ ካብሪኒን እውን ዘኪሮም፥ ስደተይናታት ንምክንኻን ወትሩ ኣብ ጉዕዞ፡ ልልያ ንምግባር ዘይምፍራሕ ከምዘድልይ እንክምዕዱ፡

ልልያ ንኽገብር ዝሕግዘኒ መን እዩ? ሕዝበ ኣግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣነጺርና ብግልጺ ንኽንርእይ ዝድግፉና እያቶም፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ፡ ናብ ር.ሊ.ጳ. ወይ ከኣ ናብ ጳጳስ ምኻድ ግድን ኣይኰነን፡ ብዙሓት ካህናትን ብዙሓት ምእመናን ገዳማውያንን ንኽድግፉና ብቝዓት ዝዀኑ ብዙሓት ኣለዉ፡ … ዲያብሎስ ንኢየሱ ኣብ ምድረ በዳ እንክፍትኖ፡ ሰለስተ ነገራት የቕርበሉ፡ እቲ ዘቕርበሉ ዝነበረ ነገር ኵሉ ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዘይነበረ፡ ንዲያብሎስ ይግስጾ፡ ብኸመይ ገይሩ እንተበልና ብቓል እግዚኣሔር ኣቢሉ፡ ንኢየሱስ ፈተና ካብ ኣጋጠመ ንኣና እውን ከምኡ፡ ግና  ዘይምፍራሕ!

ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ስርዓት

ኢየሱስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እንተዀነ፡ ጽቡቕ ድላይ ዝነበሮም ብዙሓት ነይሮም እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር መገዲ እግዚኣብሔር ብኻልእ ኣገባብ ዝተረድኦም እዮም ዝነበሩ፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውንን ባሕታውያንን ቀናእተይናታትን እዚኣቶም ኵሎም ሕጊ ኣብ ኢዶም ዝነበሮም እያቶም፡ ይዅን ደኣ እምበርት እቲ ብሉጽ መገዲ ዘየለለዩ እያቶም ዝነበሩ፡ ንሕያውነት ተኣዝዞ ምውካስ ይድልይ፡ ምእንቲ’ዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ወትሩ ብጭቡጥ ብምንባር ይሓልፎም ኔሩ፡ ኣብ ፍቕርን ኣብ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ምንባር፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ስርዓት ጭቡጥ እዩ፡ ናይ ፈሪሳውያንን ሰደቓውያንን ፍልስፍና ዘይስዕብ ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት፥ እግዚኣብሔር ካብ ሓንቲ ኣደ ዝተወለደ ካብ ጭቡጥን ኣብ ጭቡጥን ኩነት ተወልደ፡ ጭቡሕ ኩነት ሕይወት ነበረ፡ ጭቡጥ ሞት ሞተ፡ ንሓድ ሕድኩም ተፋቐሩ በለ፡ ጭቡጥ ፍቕሪ፡ ዋላ’ኳ ንገለ ገለ ሰባት ምፍቃሮም ከቢድ እንተዀነ፡ እንክብሉ ዛዚሞም።

07 January 2019, 17:53
ንኩሉ ኣንብብ >