ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅ. ማርታ፥ ዘይተገዳስነት ባህሊ ተጻይ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅ. ማርታ፥ ዘይተገዳስነት ባህሊ ተጻይ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅ. ማርታ፥ ዘይተገዳስነት ባህሊ ተጻይ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ

“ንሓድሕድና ንፋቐር” ፍቕሪ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ዝመጽእ፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ ናይ ሎሚ መእኽቲ፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንኣናን ኣባናን ብኸመይ ክምዝግለጽ የብርሃልና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.  ዕለት 8 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 4. ካብ ፍቕዲ 7 - 10

ወንጌል ማርቆስ ካብ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 34 – 44

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ እግዚኣሔር እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ዝፍጽም እዩ፡ ሓላይን መሓርን ስለ ዝዀነ የፍቅረና እዩ፡ ዋላ’ኳ ቅኑዓት እንተዀንና ብዙሕ እዋን ካልኦት ንዘድልዮም ዘይነስተውዕልን ዘይግደሱን ኰይንና ንርከብ፡ ምናልባት ናይ እግዚኣሔር ፍቕሪ ኣብ ልባትና ስለ ዘይበጽሔ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናብቲ ዘፍቅሮ ግና ንምፍቃሩ ዝተሰኣኖ ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምባል ቀዳማይ ስጉምቲ ካብ እግዚኣብሔ እዩ፡ ንሱ ለዋህን ምሕረትን እዩ፡ ኣንሕና ግና ንፍቕሪ ኣብ ልብና ስለ ዘየእተናዮ ካልኦት ዘድልዮም ኣይነስተውዕልን ዘይንግደሱን እውን ንኸውን፡ ቢሎም ኦስትሪያዊ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጂርጅ ዙር ዕለት ዕለት 7 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ገሊጾም፡ ምእንታኦም ንጸልይ ቢሎም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣብ እግዚኣብሔር እውን ተመንዮምን ጸልዮምን፡ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብ፥ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 4. ካብ ፍቕዲ 7 - 10

ብቐዳምነት ዘፍቀረናን ስጉምቱ ናባና ዝገበረ እግዚኣብሔር እዩ

 “ንሓድሕድና ንፋቐር” ፍቕሪ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ዝመጽእ፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ ናይ ሎሚ መእኽቲ፡ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንኣናን ኣባናን ብኸመይ ክምዝግለጽ የብርሃልና፡ ኣምላኽ ብኣኡ ምእንቲ ብሕይወት ክንነብር ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣዀ፡ እዚ እቲ ዓቢይ ናይ ፍቕሪ ምስጢር እዩ፡ ኣቐዲሙ ዘፍቀረና እግዚኣብሔር እዩ፡ ቀዳማይ ናባና ናቱ ስጉምቲ እዩ፡ ኣብ ምፍቃርና ቀዳመይቲ ስጉምቲ ናባና ዘበል ንሱ እዩ፡ ናብቲ ምፍቓር ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ፍጥረት ብቐዳምነት እግሩ ዘንቅል እግዚኣብሔ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እግዚኣብሔር ድማ ሓደ ወዲ እዩ፡ ንኸድሕነናን ንሕይወት ትርጉም ክህብን ሓደስቲ ፍጥረት ንኽገብረናን ቢሉ።

ኣብ ጥብርያዶስ ኢየሱስ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ራሕርሓሉ

ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ማርቆስ፡ ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ከምዝመገበ ነስተውዕል፡ እግዚኣብሔር ስለምንታይ እዩ ነዚ ዝፈጸመ? ስለ ዝርሕርሕን ሓላይ ስለ ዝዀነ እዩ፡ ካብታ ኣብ ቀላይ ጥብርያዶስ ዝነበረላ ጀልባ ኣናወረደ ነቲ ሓላዊ ኸም
ዜይብለን ኣባጊዕ ዝነበሩ ሕዝቢ ረኣዮን ደንገጸሉን፡ ጓሳ ከምዘይብለን ኣሓ፡

ናይ እግዚኣብሔር ልቢ፡ ናይ ኢየሱስ ልቢ ራሕራሓሎም፡ ሸለል ክብሎም ዘይከኣሎ እዩ፡ ፍቕሪ የጨንቖ፡ ፍቕሪ ዘይተገዳስነት ዝጻወር ኣይኰነን፡ ፍቕሪ ሓላይ እዩ፡ ሓላይ ማለት ልብኻ ምቕዳምን ምሕረትን ማለት እዩ፡ እዚ ፍቕሪ እዩ፡ ምእንቲ ካልኦት ልብኻ ምቕዳምን ምሃብን።

ደቀ መዝሙር፥ ዘድልዮም ባዕሎም ከናድዩ ኣፋንዎም ዝብሉ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘቕርቦ፡ ህዝብን ሰዓብቱን ዝብሉ ክልተ ቃላት ንረክብ፡ ሰዓብቱ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነት የስልክዮም፡ ኢየሱስ ዘስተምህሮ ዝደጋግመሎም ብዝተፈላለየ መገዲ ዝደጋገም ስለ ዝዀኖም ይስልክዮም ንሱ ብዛዕባ ፍቕሪ ክዛረብ እንከሎ ምናልባት ንሓሕዶም የዕልሉ ዝነበሩ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ኣብ መውዳእታ እውን ሰዓቶም ዝርእዩ እዮም ዝመስሉ፡ መስዩ እዩ እሞ ኣፋንዎም ይብሉ፡ እቲ ስፍራ ምድረ በዳ እዩ እሞ ኣፋንዎም፡ ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ዝሓልፉለን ቑሸታት ድማ ዝብላዕ መታን ክዕድጉ፡ ብሓጺሩ ብዛዕባኦም ባዕሎም ዳርጋ ይሕሰቡ፡ ዝብሉ እዮም ዝመስሉ፡ ንሳቶም ዝባላዕ ከምዝነበሮም ዘረጋገጹ እያቶም ዝነበሩ፡ እቲ ዘለዎም ንኣኦም፡ እቲ ዘሎኒ ንኣይ ዘይተገዳስነት፡ ንኻልእይ ዘይምግዳስ ማለት እዩ፡

ሓዋርያት ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኣይገደሶሞን፡ ዘገድሶም ኢየሱስ ጥራሕ እዩ፡ ክፉኣት ኣይነበሩን፡ እንታይ ደኣ ዘይተገደስነት፡ ፍቕርን ሓልዮትን ዘይተገዳስነትን ምሕረትን እውን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘይፈልጡ፡ ኢየሱስ ውሽጥኻ ዝጠብሕ መልሲ እዩ፡ “ዝብላዕ ንስኻኩም ሃብዎም” እንክብል ይምልሰሎም፡ ናይቲ ሕዝቢ ጸገም ናትኩም ግበሩ፡ እዚ እዩ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ኢየሱስ ርህራሄን ዘይግምዳስን ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ ታሪኽ ዝደጋገም ዘይተገዳስነ፡ ብዙሓት ቅኑዓት እያቶም ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ካልእ ዘድልዮ ዘየስተውዕሉ እያቶም። ናይ ሓልዮት ብቕዓት ዘይብሎም፡ ቅኑዓት ግና ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ናብ ውሽጢ ልቦም ዘይበጽሔ፡

ግዳም ሓደር ሕዝቢ እናረኣዮም ከምዘይረኣዮም ኰይኑ ዝሓልፍ

ሓደ ዳኒየለ ጋራፋኒ ሎሚ ናይቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮምኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሰኣላይን ሰናድ ኣሳእልን ናይ ስነ ስእሊ ሙያተይና ሮማዊ መንእሰይ ንናይ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ንብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ፡ ግዳም ሓደር ኣሕዋት ኣብ ጐደና እንጌራ ክዕደል እንከሎል ብፁዕነቶም ዝተሳተፉሉን እዋኑ ቁርን ኣስሓይታን እዩ ዝነበረ ሓደ ግዳም ሓደር ኣብ ባይታ ደቂሱ ብቑሩ ይብላዕ፡ ብዙሓት ከኣ ካብ ቁሩ ዝከላኸልሉ ጃኬትን ካባን ተሸፊኖም ብጥቕኡ ክሓልፉ እንከለዉ ዘርእይ ዝሃቦም ስእሊ ፣ ማንም ቍልሕ ዝብሎ ዘይብሉ፡ ኵኩ እናረኣየ ከምዘይረኣዮ ኰይኑ ዝሓልፍ፡ እዚ ናይ ዘይተገዳስነት ባህሊ’ዚ፡ ከምቲ ሓዋርያት ዝበልዎ፡ ካብዚ ዘይከዱ … ባዕሎም ጸገሞም ይፍትሑ .. “ናኣና ሓሙሽተ ሕብስትን ክልተ ዓሳን ኣሎና፡ ይኣኸለና እዩ፡ ዕለታዊ እንጌራኦም ዘውሓሱ”።

ተጻይ ፍቕሪ ጽልእ ኣይኰነ ኣንታይ ደኣ ዘይተገዳስነት እዩ፥ ጸረ ፍቕሪ ዘይምግዳስን ሸለል ምባልን እዩ

“ፍቕሪ እግዚኣብሔር ቀዲሙ ዝብገስ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፡ ፍቕሪ ሓልዮትን ምሕረትን” ናይ ፍቕሪ ተጻይ ጽልእ ዘይኰነስ ዘይተገዳስነት እዩ፡ ሸለልተይናነት፡ እዚ ኸኣ ዘይስትውዓል ጽልእ ይበሃል ዘይምጋዳስ ማለት ዘይተስተውዕሎ ጽልእ ማለት እዩ፡ ኣብ ብዙሓት ዝስተውዓል ጽልእ የሎን፡

ዕለታዊ ጸረ ፍቕርን ሓልዮት ምሕረትን እግዚኣሔር ዘይተገዳስነትን ሸለል ምባልን እዩ፡ ኣነ ርዉይ እየ፡ ዝኣኸልንን ዘድልየንን ኣሎኒ፡ ዝጐድለኒ ሓደ’ኳ የብለይን፡ ኣብ ሕይወተይ ኩሉ ዘለኣለማውነት እውን ከይተረፈ፡ ስለምንታይ ነፍሲ ወከፍ ዕለተ ሰበት አቐድስ ቤተ ክርስቲያን እመላለስ፡ ቅኑዕ ቅርስትያን እየ፡ ካብ ቤተ ብልዒ ክወጽእ ኣንከለዅ ነቲ ኣብ ግዳም ተደርቢዩ ዘሎ ከምዘይረኣኽዎ ኰይነ እሓልፍ፡ ኣብ ፍቕሪ ቀዳማይ ስጉምቲ ካብ እግዚኣሔር ምዃኑ ሕስብ ነብል፡ ሓላይን መሓርን፡ እቲ ናትና ተግባር ግና ዘይምግዳስ፡ እግዚኣብሔር መላእ ዘርኢ ሰብ ካባና ጀሚሩ፡ ክፍውስ ንለምኖ፡ ልበይ ካብቲ ዘይምግዳስ ዝብል ሕማም  ፈውሰኒ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ምስ ዛዘሙ

ብሓርያዊ ቅንኣት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘገልግሉ ኪኮ

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ዕለት 8 ጥሪ ናይ ማሕበረ ንኡሳን ክርስቲያን ምንቅስቓስ መስራቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ሓዋርያዊ ቅንኣት ዘገልግሉ ኪኮ ኣርጒወሎ ዝተወልድሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ እንቋዕ ንሰማንያ ዓመት እድመኹም ኣብጽሓኩም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅ. ማርታ፥ ዘይተገዳስነት ባህሊ ተጻይ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ
08 January 2019, 17:13
ንኩሉ ኣንብብ >