ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ብፅዕና ናይ ክርስቲያን እውነተይና ኣገባብ ሕይወት እዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ብፅዕና ናይ ክርስቲያን እውነተይና ኣገባብ ሕይወት እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ብፅዕና ናይ ክርስቲያን እውነተይና ኣገባብ ሕይወት እዩ

ር.ሊ.ጳ.፥ ግሩም ክርስቲያን ንምዃ ሓድሽ ምግባር ክህልወና ይግባእ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ትምህርቲ ብፅዕና ናይ ሕይወት ኣገባብ ገርካ ምንባር ዝሓትት እዩ

ክርስትያናዊ ጠባይ ዘይብልካ ንገዛእ ርእስኻ ከም ከቅኑዕ ካቶሊክ ገርካ ምሕሳብ ዝከኣል ኰይኑ ኣሎ፡ ናይ ሓደ ክርስቲያን እውነተይና ናይ ሕይወት ኣገባብ እቲ ኣብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ብፅዕና ተዘርዚሩ ዘሎ እዩ እንክብሉ ነቲ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 18-22 ዝተወስደ ቃል ወንጌል ኣደጊፎም፡ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓደስቲ ኣሕብርቲ ንዝብል ሓሳብ ተንቲኖም የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ

         ናብ ዕብራውያን ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1-10

         ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 18-22

ዝተወስዱ ምንባባት ኣማእኪሎም፡ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ሓድሽ ወይኒ ይዛረብ፡ ሓድሽ ወይኒ እቲ ዝተጸገወና ቃል ጐይታ እዩ፡ ግሩም ክርስቲያን ንምዃ ሓድሽ ምግባር ክህልወና ይግባእ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ትምህርቲ ብፅዕና ናይ ሕይወት ኣገባብ ገርካ ምንባር ዝሓትት ምዃኑ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ናይ ሎሚ ምንባቡ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ሓደስቲ ኣሕብርቲ ብዝብል መፍትሓዊ ቃል ይገልጸልና፡

ንኻልኦት እናኸሰስካ ምንባር ክርስትያናዊ ኣይኰነ

ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት ንምስትውዓል፡ ነቲ እንነብሮ ክርስቲያናውነት ዘይኰነስ ኣገባብ ሕይወትና ምምርማር የድሊ፡ እቲ ዘይክርስትያናዊ ኣገባብ፡ ዓለማውነት ካልእ ምውቃስን ንኣይነትን (ኢጐነታዊ) ኣገባብ ሕይወት ዝብሉ ዘርዚሮም፡

ከሳስነት ኣገባብ፡ እቶም ንኻልኦት ኣብ ምኽሳስ ሕይወቶም ዘሕልፉ ክርስቲያን ኢና በሃልቲ፡ እዚ ቅኑዕ ኣይኰነ፡ ኣገባብ ሕይወት ክርስትና ኣይኰነን፡ ካልእ ንምስጓግን ንምፍራድን፡ ናይ ጐደሎ ፍትሒ ዘነቃቕሕ ክርስቲያን፡ ግዛእ ርእሶም ዘይርእዩ፡ ንምውቃስን ንምንቃፍን ኰለንተናኦም ዘቕልጥፉ፡ እዚ ግና ዲያብሎሳዊ ኣገባብ ሕይወት ምዃኑ ስለ ዘይፈልጡ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሰይጣን እቲ ዓቢይ ከሳሲ (ወካሲ) ብዝብል ቃል ዝግለጽ፡ ወትሩ ካልኦት ዝኸስስ!

እዚ ዓይነት ኣገባብ ሕይወት’ዚ ብዙሕ ጊዜ ኣብ መንጐና ዝርአይን እንነብሮን እዩ፡ ኣብ እዋን ኢየሱስ እውን ዝነበረ እዩ፡ ደጋጊሞም ነቶም ከሰስቲ ገዛእ ርእሶም ክኸሱ ቢሉ እውን ይገንሖም ነበረ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ካባኻትኵም እታ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርብይ፡ ቃል ኢየሱስ እዩ፡ ካልኦት ብምኽሳስን ናይ ካልኦት ኣበር ኣብ ምድላይ ምንባር ክርስትያናዊ ሕይወት ኣይኰነን።

ዓለማውነት ናይ ብዙሓት ሕይወት የዕንው

ናይ ዓለም ኰይንካ ምንባር፡ ብዙሓት ደጋምያን ጸሎተ ሓይማኖት ግና ብብኵንነትን ብትዕቢትን ኣብ ሃብቲ ገንዘብ ተጣቢቖም ንገዛእ ርእሶም ብቑዓት ገይሮም ዝሓስቡ፡

ጐይታ ሓድሽ ወይኒ ኣወፍዩልካ እዩ፡ ንስኻ ግን ኣሕብርትኻ ኣይቀይርካን፡ ናይ ዓለም ምዃን ንብዙሓት ክርስቲያን ዘዕንው ዘሎ ኣገባብ ሕይወት እዩ! ቅኑዓት ግና ብብኵንነት ዝነብሩን ዕቡያትን ክረአዩ በሃልትን፡ ትሕትና ዘይብሎም፡ ትሕትካን ካብቶም ትሑታት ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ንመሃር ኣሕዋተይ።

ዘይተገዳስነት ክርስቲያናዊ ኣገባብ ሕይወት ኣይኰነን

እቲ ሳልሳይ ብዙሕ እዋን ኣብ ማሕበረሰብና እንርእዮ ዘይ-ክርስትያናዊ ኣገባብ ሕይወት ከኣ፡ ኢጐነትን ዘይተገዳስነት ሕይወት እዩ፡ ሓደ ቅኑዕ ካቶሊክ ግቡአይ እፍጽም ብዛዕባ ካልኦት ግና ጉዳየይ ኣኰነን ዝብል፡ ብዛዕባ ውግእን ሕማማትን ብዛዕባ እቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ጉዳየይ ኣይኰነን፡ ኣይምልከተንን እዩ፡ ናይ ጐረቤተይ ዘገድሰኒ ኣይኰነ ዝብል፡ ብዙሕ ግዜ ኢየሱስ ነቶም ናይ ሕጊ መምሃራንን ጸሓፍትን ምስሉያት እንክብል ይግስጾም፡ ምስሉይነት ክርስቲያናዊ ኣገባብ ሕይወት ኣይኰነን፡ ሓቀይና ኣገባብ ሕይወት ክርስትያን እንታይ እዩ?

ኣገባብ ሕይወት ክርስትና ትምህርቲ ብፅዕና እዩ፡ ምእዙዝነትን ትሕትናን ኣብ ስቓይ ዕጉስን፡ ኣፍቃሪ ፍትሕን፡ ተጻዋርነት ስደትን መከራን ንኻልኦት ዘይምፍራድን … ዝብሉ እያቶም፡ ኣገባብ ሕይወት ክርስቲያን እንታይን ከመይን ምዃኑ ክትፈልጥ ትደልይ እንተድኣ ኲይንካ ኣብቲ ከሳሲ መንፈስ ዘይምእማንን ኣብቲ ዓለማውነትን ንኣይነት ዝብል ኣገባብ ዘይምእማን እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዕና ኣንብብ፡ እዚ እዩ ናትና ናይ ሕይወት ኣገባብ ክኸውን ዘለዎ፡ እቲ ትምህርቲ ብፅዕና እዩ ሓደስቲ ኣሕብርታትና፡ ግሩም ክርስቲያን ንምዃን ጸሎተ ሃይማኖት ብልቢ ናይ ምድጋም ብቕዓት ክህልወካ ኣለዎ፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት እውን ብልቢ ናይ ምጽላይ ብቕዓት ክህልወካ ኣለዎ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

 

21 January 2019, 17:41
ንኩሉ ኣንብብ >