ብተባዕ እምነት ንበዓለ ልደት ክንሰናዶ የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ካብ ሉቃ 5.17 ኮይኑ ብዛዕባ ሓደ መጻጉዕ በርባዕተ ሰብ ተጸሩ አብ ናሕሲ አደይቦም ነቲ ጡብ ከፊቶም ከም ዘውረድዎ ዝነግር፥ በዚ ኸአ ናይ እቶም ዝጾርዎ ብርቱዕ እምነት ይገልጽ። አብ ቅዲሚ ኢየሱስ ተጋዲሙ ምሕረት እናተጸበየ ተንሥእ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ እዩ ዝብል ሰሚዑ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንሕና እውን ምሰንበድና እቲ ልሙስ ነዚ ምስ ሰምዐ እንታይኮን ሓሲቡ ይኸውን። ምኽንያቱ ዘምጽኦ ካብ ምልማሱ ክሓዊ እምበር ሕድገት ኃጢአት ደልዩ አይኮነን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ቀሪቡ። ከምኡ እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እውን በዚ ዘረባ ብዝያዳ ተገረሙ። እዚ ንእግዚአብሔር ዝጸርፍ ዘሎ መን እዩ ብዘይካ አምላኽ በይኑኸ ኃጢአት ክኃድግ ዚኽእል መን እዩ፥ እናበሉ ከጉረምርሙ ጀሚሮም፣ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብቲ እምነት ናይቶም ጸሮሞ ዝኸዱ ብምትኳር ጽንዓት እምነቶም ንልቢ ኢየሱስ እውን ከይተረፈ ከምዝተንከፈ ገሊጾም።
በዓለ ልደት ብዓለማዊ መንፈስ ተዓብሊሉ ኣይኮነን ዝበዓል!
ቅዱስነቶም ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ኣድናቆት ኣብ ልዕሊ እምነት እቶም ነቲ መጻጒዕ ተሸኪሞም ዝመጹ ምልስ ይብሉ እሞ ምስቲ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ወንጌል ዘሎ ናይ ሓደ ሓለቃ ሚእቲ ኣብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብኣንን እዩ ኣብኡ እንከሎኻ ጥራይ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ዝበለን ሲሮፈኖቃዊት ሰበይቲ ጓላ ሓሚማታ እናተሰጐት ጸኒዓ ዝለመት ከምኡ እውን እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ብምጥቃስ ከምዚ ዓይነት እምነት ከምዘድልየናን እቲ ኢየሱስ ቅ.ጴጥሮስ ክጠራጠር ምስ ረኣየ ዝበሎ `ኣታ በዓል ውሑድ እምነት` ኣባና ከይድገም ንጠቀቅ ኢሎም ከማይ ብእምነት ኩሉ ከምዝከኣል ርኢና ኢና።
ናይ እምነት ሥራሕ ብልቢ እዩ ዝግበር!
ቅዱስነቶም ካልእ ኣብነት ናይ ምሕዋይ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ይጥቅሱ እሞ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 9ይ ምዕራፍ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ኢየሱስ ብከመይ ከምዘሕወዮን እቲ ፍጻሜ ብሓቂ ምሃሪ ምዃኑን ብምጥቃስ እዮም ስብከቶም ክዛዝሙ ደልዮም።
ኢልና ንለምን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።