ድለ

2018.12.10 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.12.10 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ብተባዕ እምነት ንበዓለ ልደት ክንሰናዶ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 10 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዛ ድሮ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ጀሚርናዮ ዘሎና ካልኣይቲ ሶሙን ዘመነ ምጽኣት ንበዓለ ልደት ብዝግባእ ክንሰናዶ ጸጋኻ ክህበና እናተማህለልና ምናዳ ከኣ እምነትካ ምሕላውን እምነትካ ምክልኻልን ከቢድ ስለዝኾነ ሓገዝ ጐይታ ንለምን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል  - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ካብ ሉቃ 5.17 ኮይኑ ብዛዕባ ሓደ መጻጉዕ በርባዕተ ሰብ ተጸሩ አብ ናሕሲ አደይቦም ነቲ ጡብ ከፊቶም ከም ዘውረድዎ ዝነግር፥ በዚ ኸአ ናይ እቶም ዝጾርዎ ብርቱዕ እምነት ይገልጽ። አብ ቅዲሚ ኢየሱስ ተጋዲሙ ምሕረት እናተጸበየ ተንሥእ ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ እዩ ዝብል ሰሚዑ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንሕና እውን ምሰንበድና እቲ ልሙስ ነዚ ምስ ሰምዐ እንታይኮን ሓሲቡ ይኸውን። ምኽንያቱ ዘምጽኦ ካብ ምልማሱ ክሓዊ እምበር ሕድገት ኃጢአት ደልዩ አይኮነን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ቀሪቡ። ከምኡ እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እውን በዚ ዘረባ ብዝያዳ ተገረሙ። እዚ ንእግዚአብሔር ዝጸርፍ ዘሎ መን እዩ ብዘይካ አምላኽ በይኑኸ ኃጢአት ክኃድግ ዚኽእል መን እዩ፥ እናበሉ ከጉረምርሙ ጀሚሮም፣ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ እምነት ናይቶም ጸሮሞ ዝኸዱ ብምትኳር ጽንዓት እምነቶም ንልቢ ኢየሱስ እውን ከይተረፈ ከምዝተንከፈ ገሊጾም።

“ኣብ ጸሎትና ኣብ ምሥጢረ እቲ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር እምነት ክህልወና ለሚና። ሎሚ እውን እንተኾነ ከምቲ ኣብ ወንጌል ክንበብ ዝሰማዕናዮ ንልቢ ኢየሱስ ዝትንክፍ ብዙሕ እምነት ኣሎ። ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ምሉእ ወንጌል ተተመላሊሱ ብዛዕባ እምነት እዩ ዝምህሮም ዝነበረ። ወትሩ ከኣ ‘ኣምነቶም ርእዩ’ ከኣ ኢየሱስ ከምዚ ገበረ ዝብል ኣብ ወንጌል ብዙሕ ጥቅስታት ንረክብ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ተጠቂሱ ዘሎ ተኣምር ከኣ ኢየሱስ ብርታዔ እምነቶም ክሳብ ብልዕሊ ናሕሲ ደዪቦም ነቲ ናሕሲ በሲዖም ነቲ ሕሙም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ንከንበርዎ ክሳብ ክንደየናይ ትብዓት ከምዝነበሮም ርእዩ። እዚ ትብዓት ናይዞም ሰባት ካብቲ ዝነበሮም እምነት እዩ ዝፍልፍል። ከመይ እቲ ሕሙም ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ እንተበጺሑ ከምዝሓዊ ጽኑዕ እምነት ነርዎም። ስለዚኸስ እምነት የድሊ። ልደት ከኣ በዓል እምነት ስለዝኾነ ብእምነትን ትብዓትን እምበር ብዓለማዊ መንፈስ ተዓብሊሉ ኣይኮነን ዝበዓል።”

በዓለ ልደት ብዓለማዊ መንፈስ ተዓብሊሉ ኣይኮነን ዝበዓል!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ኣድናቆት ኣብ ልዕሊ እምነት እቶም ነቲ መጻጒዕ ተሸኪሞም ዝመጹ ምልስ ይብሉ እሞ ምስቲ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ ወንጌል ዘሎ ናይ ሓደ ሓለቃ ሚእቲ ኣብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብኣንን እዩ ኣብኡ እንከሎኻ ጥራይ ሓንቲ ቃል ተዛረብ ዝበለን ሲሮፈኖቃዊት ሰበይቲ ጓላ ሓሚማታ እናተሰጐት ጸኒዓ ዝለመት ከምኡ እውን እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ብምጥቃስ ከምዚ ዓይነት እምነት ከምዘድልየናን እቲ ኢየሱስ ቅ.ጴጥሮስ ክጠራጠር ምስ ረኣየ ዝበሎ `ኣታ በዓል ውሑድ እምነት` ኣባና ከይድገም ንጠቀቅ ኢሎም ከማይ ብእምነት ኩሉ ከምዝከኣል ርኢና ኢና።

“ኣብዛ ካልኣይቲ ሶሙን ዘመን ምጽኣት ንበዓለ ልደት ብግቡእ ንክንሰናዶ ሎሚ ነዛ ጸጋ እዚኣ ንልምን ኣሎና። ርግጽ እዩ ብዙሕ ግዜ ልደት ብዓቢ እምነት ከምዘይዝከር ኩልና ንርእዮ ዘሎና ጸገም እዩ ከመይ ብዓለማዊ መንፈስ ተዓብሊሉ ብህያባት ምቅባልን ምሃብን ዳርጋ ብገንዘብ ክትብሎ ዘድፍር ይኸውን ኣሎ። ኮይኑ ግን ጐይታ ብእምነት ክንገብሮ ይሓተና ኣሎ። ኣብዛ ሶሙን እዚኣ እምበአር ነጻ ጸጋ እዚኣ ንሕተት ንልደት ኢየሱስ ብእምነት ክነብዕሎ። ርግጽ እምነት ምዕቃብ ቀሊል ኣይኮነን! እምነትካ ምክልኻል እውን ከምኡ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ብልብና ናይ እምነት ሥራሕ ንድገም።”

ናይ እምነት ሥራሕ ብልቢ እዩ ዝግበር!

ቅዱስነቶም ካልእ ኣብነት ናይ ምሕዋይ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ይጥቅሱ እሞ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 9ይ ምዕራፍ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ኢየሱስ ብከመይ ከምዘሕወዮን እቲ ፍጻሜ ብሓቂ ምሃሪ ምዃኑን ብምጥቃስ እዮም ስብከቶም ክዛዝሙ ደልዮም።

“ሎሚ ከምኡ እውን ጽባሕ ንወንጌለ ዮሓንስ ወሲድናዮ ንታሽዓይ ምዕራፍ ብምሏኡ እንተኣንበብናዮ ጥዕና ነፍሲ ክህበና እዩ። ነዚ ኢየሱስ ብምጥማት ጥራይ ቅድሚ ኣዕይቱ ልቡ ዘብርሃሉ ብዕውሩ ናይ ዝተወልደ ተኣምር ተረዲእና ብልብና ናይ እምነት ሥራሕ ንድገም። ኦጐይታ ነዛ ንእሽቶ እምነተይ ሓግዛ። ንእምነተይ ካብ መንፈስ ዓለማውነትን ካብ ጥንቆላን ናይ እምነት ጉዳያት ካብ ዘይኮኑን ሓልዋ። ኣብ ሓሳባዊ እምነት ጥራይ ከይወድቅ ኣድሕነኒ፣ ኣባኻ ሓቀኛ እምነት ከምዝህልወኒ ግበር።”

ኢልና ንለምን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።   

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
10 December 2018, 20:36
ንኩሉ ኣንብብ >