ድለ

2018.12.20 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.12.20 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ብሥራተ ገብርኤል ንታሪኽ ካብ ሱር መሠረቱ ይልውጥ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንልደት ኣብ ዝሰናደውሉ ንባባት ካብ ኦሪትስ ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነቢያትን መሳፍንትን ብሥራት ልደቶምን እንክዘንቱ እቲ ናይ ኩሉ ጠቅላሊ ዝኾነን ንታሪኽ ወዲሰብ ካብ ሱርመሠረቱ ዝለወጠን ግን ብሥራት እኖና ድንግል ማርያም ምዃኑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀርብ ቀንጌል ሉቃ 1.26-38 ኮይኑ ብሻድሻይ ወርሒ ገብርኤል ንማርያም ከብስራ እንከሎ ዝገልጽ እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ‘ንክትሰብኮ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ’ ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ግዜ ብሃንደበት ብዘይሓሰብናዮ መንገዲ ሓልዮቱ ዝገልጽ ኣምላኽ በዚ ፍጻሜ እዚ ንምሉእ ታሪኽ ዘመደኣዳም ካብ ሱርመሠረቱ ለዊጥዎ ኢሎም።

“ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ ኣብ ታሪኽ ደቂሰብ ወሳኒ ዝኾነ ፍጻሜ ሰውራዊ ብዝኾነ መንገዲ ይገልጽ። ሓያል ሁመት እዩ! ከመይ ኩሉ ይቅየር ታሪኽ ይግምጠል። ብዛዕባ እዚ ክፍሊ እዚ ምስባኽ ከቢድ እዩ። ኣብ ዘመነ ልደት ከምኡ እውን ኣብ በዓል ብሥራተ ገብርኤል ጸሎተ ሃይማኖት እንክንደግም ነታ ነዚ ክፍሊ እትገልጽ ክንብል እንከሎና ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ንምብርከኽ። ከመይ ኩሉ ካብ ሱርመሠረቱ ዝልወጠሉ ግዜ ስለዝኾነ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ምልጣል ካብ ሡር እሰይ ዝጨብጨበ ዝውለድ ይብል። እግዚአብሔር ትህት ይብል ኣብ ታሪኽና ይኣቱ ነዚ ከኣ በቲ ሃንደበታዊ ዝኾነ ኣገባቡ ይገብሮ። ማንም ብዘይተጸበዮ መንገዲ ዓቢ ነገር ይገብር። ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ወትሩ ከምዝገብሮ ኣብዚእውን ብዘይተሓስበ መንገዲ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ይገልጸልና።”

ቅዱስነቶም ነቲ ክፍሊ ወንጌል ሃዲኦም ቀስ ኢሎም ኩሎም ብምስትውዓል ንክሰምዕዎ ዳግም ኣንቢቦሞ።

“መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌኺ ክወርድ እዩ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ከጽልለኪ እዩ። እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ክኸውን እዩ፡ ወልደ እግዚአብሔር እውን ክበሃል እዩ። እነሆ እታ መኻን ትበሃል ዝነበረት ዘመድኪ ኤልሳቤጥ ኣብ ሽምግልናኣ ወዲ ጸኒሳ ኣላ እዚ ወአርሒ እዚ ከኣ ሻድሻይ ወርሓ እዩ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የልቦን። ማርያም ከኣ እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካለይ ይኹነለይ በለት። እቲ መልኣኽ ከኣ ካብኣ ከደ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

2018-12-20 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ
20 December 2018, 19:35
ንኩሉ ኣንብብ >