ብሥራተ ገብርኤል ንታሪኽ ካብ ሱር መሠረቱ ይልውጥ! ር.ሊ.ጳ
ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንልደት ኣብ ዝሰናደውሉ ንባባት ካብ ኦሪትስ ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነቢያትን መሳፍንትን ብሥራት ልደቶምን እንክዘንቱ እቲ ናይ ኩሉ ጠቅላሊ ዝኾነን ንታሪኽ ወዲሰብ ካብ ሱርመሠረቱ ዝለወጠን ግን ብሥራት እኖና ድንግል ማርያም ምዃኑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዘኻኺሮም።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ብግጽዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀርብ ቀንጌል ሉቃ 1.26-38 ኮይኑ ብሻድሻይ ወርሒ ገብርኤል ንማርያም ከብስራ እንከሎ ዝገልጽ እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል ‘ንክትሰብኮ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ’ ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ግዜ ብሃንደበት ብዘይሓሰብናዮ መንገዲ ሓልዮቱ ዝገልጽ ኣምላኽ በዚ ፍጻሜ እዚ ንምሉእ ታሪኽ ዘመደኣዳም ካብ ሱርመሠረቱ ለዊጥዎ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ነቲ ክፍሊ ወንጌል ሃዲኦም ቀስ ኢሎም ኩሎም ብምስትውዓል ንክሰምዕዎ ዳግም ኣንቢቦሞ።
20 December 2018, 19:35