ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክርስቶስ ምብሳር ሸመታ ዘይኰነስ ተቓድዎ ሕይወት እዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክርስቶስ ምብሳር ሸመታ ዘይኰነስ ተቓድዎ ሕይወት እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክርስቶስ ምብሳር ሸመታ ዘይኰነስ ተቓድዎ ሕይወት እዩ

ኣቅዋም ኣረኣእያናን ሓጢኣትናን ልምድታትናን፥ ነፍሲ ወከፍና እዞም ኣብ ውሳጤና ዘለዉ ሕድግ ኣቢልና ሕዝቢ ነቲ እነቕርበሉ ምስክርነት ክእምንን እቲ እነቕርቦ ምስክርነት ተኣማኒ መታን ክኸውን ብስሙር ሕይወት ኢየሱስ ምብሳር

ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልዀ ሎሚ ዝብዓል ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስን ምኽንያት ካብ

          መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም ምዕ. 10፡ 9-18

          ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 4፡ 18-22

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ኣቐዲሞም ሓዋርያ እንድሪያስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ምዃኑ ዘኪሮም ንቝስትንጥንያዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ በዓል ተመንዮም፡ ክርስቶስ ምምስካር ማለት ኣብ ሕይወትካ ክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ከም ሓዋርያ ጴጥሮስን እንድሪያስን ያዕቆብን ዮሓንስን፡ ኣብቲ ክርስቶስ ንምብሳር ጉዕዞና ዘሰናኽለና ኩሉ ሓዲግና ንጓዓዝ ቢሎም በዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤተ ክርስቲያን ቍስጥንጥንያ ምእንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብምጽላይ ዘሎና ቅርበት ንመስክር።

ክርስቶስ ኣብ ምብሳር ቅዱው ሕይወት

ኣቅዋም ኣረኣእያናን ሓጢኣትናን ልምድታትናን፥ ነፍሲ ወከፍና እዞም ኣብ ውሳጤና ዘለዉ ሕድግ ኣቢልና ሕዝቢ ነቲ እነቕርበሉ ምስክርነት ክእምንን እቲ እነቕርቦ ምስክርነት ተኣማኒ መታን ክኸውን ብስሙር ሕይወት ኢየሱስ ምብሳር ቢሎም ናይ ዕለቱ ኣብ በዓለ ቅዱስ እንድሪያስ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ካብ ምዕ. 10፡ 9-18 ዝተወስደ ምንባብ፡ እናስተውዓሉ፥ እምነት ካብ ምስማዕ እዩ ዝብገስ፡ ምስማዕ ክበሃል እንኰሎ ንቓል ክርስቶስ እዩ ዝምልከት፡ ስለዚህ ብስራት ቃለ ወንጌል፥ ኢየሱስ ሞይቱን ካብ ሙታን ተንሲኡ ኣድሒኑና ዝብል እዩ፡ እቲ ሞት ስዒሩ ዘተንስኤ ክርስቶስ ምብሳር ማለት ተራ ዜና ኣይኰነን፡ እንታይ ድኣ ዓቢይ እንኰን ጥዑምን ዜና እዩ፥

እዚ ግብረ ልልይን ምውዕዋዕ ምህርቲ ናብ መሸጣ እይኰነን፡ ሰናይ ዝዀነን ገባሬ ሰናይን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ዝፈወሰን ብዙሕ ሰናይ ነገር ዝመሃረና ሰብ ናይ ምልላይ ዕዩ ኣይኰነን፡ ግብረ ልልይ ኣይኰነን፡ ወይ ከኣ ካልኦት ንምስዳዕ ኣውን ኣይኰነን፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ምስ ዝነቅል ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኽን ካልኦት ካብ እምነቶም ንምስዳዕ ኣሚቱ ዝነቅል እንተድኣ ኰይኑ፡ እዚ ኢየሱስ ምብሳር ማለት ኣይኰነን፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ከም ማንም ተራ ዕዮ ይኸውን እሞ ናይ ሽመታ ዋቔዕ ዕዳጋ ዝኽተል ይኸውን፡ ክርስቶስ ምብሳር ማለት እንታይ ማለት እዩ? ኣስዳዕነት ወይ ከኣ ግብረ ሽመታን ልልይን ኣይኰን፡ ሰገር እዚ ዅሉ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ኸ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ? ቅድም ቀዳድም ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡

ገዛእ ርእስኻ ክርስቶስ ኣብ ምንባር ምውሳእ

ተልእዀ ወንጌል ልኡኽ ምዃን ይሓትት፡ ሕይወትካ ኣብ ተልእዀ ወንጌል ምንባርን ምውሳእን፡ ሓዋርያ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ብስራት ዘብጽሕ እዩ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ቃል ብስራት ሕይወቱ ብምውሳእ፡ ….

እዚ ጉዕዞ ናብ ተልእዀ ወንጌል ሕይወትካ ክሳብ ንሓደጋ ምቅላዕ፡ ሕይወትካ ብምልኣት ብምውሳእ፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዘለዎ እዩ፡ ናይ መምለሲ ትኬት መናፍቕነት ማለት እዩ፡ ክሕደት እምነት እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳር ብቃልን ሕይወት ምስክርነት ማለት እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ሕይወትካ ኣብ ዓውዲ ቃል ብስራት ክስራዕ ምግባር ማለት እዩ፡ እቲ ዝበሎ ኰይነ ዝነበር እየ፡ እቲ ዝብሎ ኰይንዎ ዝነበር ዘብል ምስክርነት፡ ስለዚህ

ሰማዕታት እውነተይና ቃል ብስራት ዝምከሩ እያቶም

ኣብሳሪ ዝብል ቃል፡ ምስክርነት ማለት እዩ፡ ዕንቅፋት ምዃን ማለት ክርስቲያን ዝዀንናዮ ቢሎም ይዛረቡ እሞ ደሓር ከም ኣረመን ዝነብሩ፡ ከም ዘይኣምኑ ኰይኖም ዝነብሩ፡ ኣብ ሕይወት ክርስትና ስሙርን ቕዱይ ሕይወት ኣገዳሲ እዩ፡ እትብሎን እተበስሮን ሕይወትካን ዝተጣመረን ስኑይን ክኸውን ኣለዎ፡ … ኣብነት ምዃን፡ ኣብ ዓውዲ ተልእዀ ወንጌል መላእ ሕይወቱ ዝሰርዕ፡ ክሳብ ሰማዕትነት፡ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንኸፍልጠና ሓደ ወዱ ለኣዀ፡ ቃል ስጋ ኰነ፡ ክሳብ ሕይወቱ ንሓደጋ ዝቃላዕ፡ ሓደ ከማናን ካባናን ኰነ፡ እዚ ዕንቅፋት ኰይኑ እዩ ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ናይ መኼዲ ትኬት ጥራሕ ዝቑረጸ እዩ፡

ኢየሱስ ካልእ መገዲ መታን ክስዕብ ዲያብሎስ ንኸእምኖን መገዱ ክቐይሮን ፈቲኑ እዩ፡ ንሱ ግና ኣይደለየን፡ ክሳብ ፍጻሜ ፍቓድ ኣቡኡ ፈጸመ፡ ንኣኡ ምብሳር ከስ ልክዕ በዚ መገዲ ኢየሱስ ምኻድ እዩ፡ ብቃልን ብስጋን ኣበሰረ፡ ዝብሎን ዝዀኖን ሓደ፡ ጥሙር፡ እዚ እዩ ብስራተ ክርስቶስ፡ ሰማዕታት እቲ ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ ዘበስሩ እያቶም፡ … ሕይወት ብምኻፍል፡ ካልኦት እውን ብዙሓት ረኣዩለይ ስምዑለይ ከይበሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ሕብረተሰብን ኣባይቲ ስድራን ኰይኖም ብጽሞና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስክሩ ኣለዉ፡ እዚ ኸኣ ብሕይወቶም ክርስቶስ ዝነብሩ እያቶም፡ ምስ ዝብልዎ ቃል ስሙራት፡

ፍርያም ብስራት

ኵላትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብምስጢረ ጥምቀት ክርስቶስ ንምብሳር ልኡኻት ኰይና ኢና፡ እቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ከይንና ንኽንነብር ዝተጸዋዕና ክርስቶሳዊ ምዃንና መስከርቲ፡ ስሙር ሕይወት እዩ ፍርያም ዝኸውን፡ እንብሎን እንገብሮም ዝገራጭው ክኸውን የብሉን፡ ዝገራጨው እንተድኣ ኰይኑ ዕንቅፋት ይኸውን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እውን የሳቕይ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

30 November 2018, 17:57
ንኩሉ ኣንብብ >