ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ኣረመን ዝነብር ክርስቲያዊ ስልጣነ በራሲ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ኣረመን ዝነብር ክርስቲያዊ ስልጣነ በራሲ እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ኣረመን ዝነብር ክርስቲያዊ ስልጣነ በራሲ እዩ

ድምጺ ጐይታ ክስማዕ እዩ፡ ድሕሪ ዕንወት ድሕነት ኣሎ፡ እቲ መልኣኽ ድማ በለ፥ እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መርዓ ዝተዓደምኵም ብፁዓን ንዑ፡ እዚ እዩ እቲ እውነተይናን ዓቢይን በዓል!

ዕለት 29 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልዀ፥

ካብ ራእይ ዮሓንስ ምዕ. 18፡ 1-2, 21-23፥ ምዕ. 19፡ 1-3, 9

     ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 21፡ 20-28

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡ ዕንወትን ኣመኔታን ስዕረትን ዓወትን ኣብ ሕይወት ክርስትና ተንቲኖም፡ ሕይወት ክርስትናን ሕይወት ናይ ዓለም ኰይንካ ምንባርን ዝብል ዓይነት ዝብል ሕይወት ኣፋቲኻን ኣዋዲድካን ምንባር ዘይከኣል እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይዚ ሰሙን ሊጡርጊያ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ናይ ነፍሲ ወከፍና ፍጻሜ ይዛረብ፡ ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ዝተነበ ቀዳማይ ምንባብን ወንጌልን እውን፡ ራእይ ዮሓንስ ብዛዕባ ዕንወት እታ ጽብቕቲ ናይዚ ዓለም ምዃንን ናይ ጣዕምን ርእሰ ብቕዓትን ናይዚ ዓለም ስልጣንን ትእምርቲ ዝዀነት ከተማ ባቢሎን ይዛረብ፡ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ እውን ናይታ ቅድስቲ ከተማ ውድመት ይዛረብ።

ዕንወት ናይታ ምግባረ ብልሽውቲ ከተማ ባቢሎን

ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ባቢሎን ብዓውታ ዓወት ክትባድም እያ፡ እታ ኣመንዝራ ዝዀነት ከተማ ብጐይታ ዝተረግመት ጐይታ ብዛዕባ እቲ ዝዀነቶ ምዃን፥ መሕብእን ማሕደርን ዲያብሎስን መዕቆብ ርዅሳን መናፍስትን፡ ድሕሪ እቲ ዘደንቕ መልክዓ ምግባረ ብልሽውናኣ ተርእይ፡ በዓላታ ኵሉ ነቲ ናይ ሓሶት ሓሴት ይመስል፡ ዕንወታ ብርቱዕ እዩ ዝኽወን፡ ከቶ ኣይክትርከብን እያ ቢሉ ይዛረብ።

ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብይና ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ብዙሓት ተዋሲቦም ዝነብሩላ ግናኸ ፍቕሪ ዘይረኣየላ ከተማ፡ እቲ ዕንወት ካብ ውሳጤኣ ይጅምር እሞ ጐይታ ደጊምሲ ይኣክል ምስ በለ ኩሉ ይድምደም፡ ናይዚ ዓለም ደጋዊ ክስተት በቃ  ይእኸል ምስ ዝብል፡ እዚ እዩ እቲ እውነተይና ዕንወት ናይቲ ዝሕበን ዝነበረን ብቑዕነቱ ዝተኣማምኖን መላኽን ስልጣነ፡ ፍጻሜኡ ዝኸፍአ ልክዕ ከም ባቢሎን እዩ ዝኸውን።

ኢየሩሳሌም በራታ ንኣረመን ኣርሀወት

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኢየሩሳሌም ይብሉ፡ ብኻልእ ዓይነት ምግባረ ብልሽውናታት ምኽንያት እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ዕንወት ክጋጥማ እዩ፡ ምግባረ ብልሽውናኣ ንፍቕሪ ዘይእምንቲ ኰይና ካብ ዘይምርኻባ ዝነቐለ እዩ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብቲ ወልደ እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ዘይብቕዕቲ፡ እታ ቅድስቲ ከተማ መራግጽ ኣረመን ኰነት፡ ብጐይታ ተቐጽዔት፡ ስለምንታይ በራት ልባታ ንኣረመን ስለ ዝኸፈተት።

ንጉዳይ ክርስቲያን ምዃንና እንተረኣና ናይ ሕይወት ኣረመኔነት ነስተውዕል፡ ከም ክርስቲያን ዶ ንነብር? ይመስል ይኸውን፡ ብሓቂ እንተረኣናዮ ግና ሕይወትና ሕይወት ኣረመን እዩ ዝመስል፡ ምምራኽ ብባቢሎም ክህሉ እንከሎን፡ ኢየሩሳሌም ከም ባቢሎን ክትነብር እንከላ። ክኸውን ዘይኽእል ጽማሬ ንምግባር ምፍታን እዩ ዝኸውን፡ ክልቴኣተን ከተማታት ዝተረግማ ክዀና እየን፡ ንስኻ ክርስቲያን ዲኻ? ከም ክርስቲያን ንበር። ማይን ዘይትን ሓዋዊስካ ምንባር ዘይኣከኣል እዩ፡ ኣብ ሓደ እውን እንተለዉ ተፈላልዮም እዮም ዝነብሩ። ናይ ሓደ ስልጣኔ ተጋራጫውነት እምበኣርከስ ክርስቲያን እየ እናበለ ከም ኣረመን ምንባር እዩ።

ድሕነት ነቲ ትስፍው ኣብ ጐይታ እዩ

ቅዱስነቶም ነቶም ክልተ ምንባባት ዘቕርብዎ ታሪኽ ምልስ ቢሎም ብምስትውዓል፡ ድሕሪ ፍርዲ ዕንወት እተን ክልተ ከተማታት፡ ድምጺ ጐይታ ክስማዕ እዩ፡ ድሕሪ ዕንወት ድሕነት ኣሎ፡ እቲ መልኣኽ ድማ በለ፥ እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መርዓ ዝተዓደምኵም ብፁዓን ንዑ፡ እዚ እዩ እቲ እውነተይናን ዓቢይን በዓል!

ዓቢይ ዘሕዝን ክስተት ኣሎ፡ ኣብ ሕይወትና እውን እንተዀነ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ዘሕዝን ክስተት ክንየው ደረት ተመክሮ ምጥማት፡ ስለምንታይ ብጐይታ ስለ ዝደሓናን ከድሕነና ክመጽእ እውን ስለ ዝዀነ! እዚ ኣብቲ ዘጋጥም ፈተና ዓለም ከመይ ክንነብር ከምዘሎና ዝሓንጸና እዩ፡ ምስቲ ናብ ዕንወት ዝወስደና ዓለምነትን ኣረመነነትን ቃል ኪዳን ብምእታው ዘይኰነስ፡ ካብቲ ዘስሕት ዓለምነትን ኣረመነነትን ገዛእ ርእስኻ ኣርሒቕካ  ደረት ትርኢት እናማዕደኻ ኣብ ክርስቶስ ጐይታ ተስፋ ኣንቢርካ ብተስፋ ምንባር ዝብል እዩ፡ ሓይልና ተስፋ እዩ፡ ንቕድሚት ንበል፡ ምእንቲ’ዚ ንመንፈስ ቅዱስ ክንልምኖ ይግብኣና።

ኵሉ ክበርስ እዩ፡ ጸኒዖም ዝተርፉ እቶም ትሑታት እያቶም

ቅዱስ ኣቦና ናይ እዋንና ባቢሎናት ንሕሰብ፡ ብዙሓት ሓያላት ስርዓተ መንግስታት፡ ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበሩ፡ ኵሎም ወዲቖም እዮም፡ ልክዕ ከምኡ ኸኣ ናይ እዋንና ከተማታት ክዓንዋ እያተን ብናይ ኣረመንነት ጐዳና ንመላለስ እንተድኣ ከይንና ሕይወትና እውን ክዓርብ እዩ፡ ዝተርፉ እቶም ተስፋኦም ኣብ ጐይታ ዘንብሩ እያቶም። ምእንቲ’ዚ ካብ ኣረመናውነት ሕይወት ንርሓቕ ልብና ንተስፋ ነርህው ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

29 November 2018, 17:53
ንኩሉ ኣንብብ >