ድለ

Papa: መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ Papa: መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (ANSA)

ኢየሱስ ኣብ መአዲ መንግሥቱ ይዕድመና ኣሎ! ኣይፋል ንከይንብሎ ንጠንቀቅ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 6 ሕዳር 2018 ዓም ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር ኩሉ ግዜ ከም መኣዲ ይቀርበልና። ኢየሱስ ከኣ ምሳኡ በዓል ክንገብር ይዕድመና። ኮይኑ ግን ካብ’ዚ ዕድመ’ዚ ንምብኳር ብዙሕ ምኽኒት ንፈጥር! ኢየሱስ ግን ሕያዋይ ስለዝኾነ ይጽበየና ኮይኑ ግን ፍትሓዊ ምዃኑ እውን ዘይምዝንጋዕ’ እንክብሉ ሰበኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 14.15 ኮይኑ ‘ሓደ ኻብቶም ኣብ መኣዲ ምስኡ ተቐሚጦም ዘነበሩ፡ እዚ ምስ ሰምዔ ‘እቲ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር እንጌራ ዝበልዕስ ብፁዕ እዩ!’ በሎ። ኢየሱስ እንከ ‘ሓደ ሰብኣይ ዓቢይ ናይ ምሳሕ በዓል ኣሰናደው እሞ ንብዙኃት ዓደመ። ብግዜ ምሳሕ ነቶም ዕዱማት ‘ሄሲዚ ኵሉ ተሰናድዩ እዩ እሞ ንዑ!’ ኺብሎም ንኣገልጋሊኡ ልኣኸ’ ዝብል ነበረ። እንተኾነ እቶም ዝተዓደሙ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናምጽኡ በዀሩ። ሽዑ እቲ በዓል ውራይ ካብ ኩሉ ቀራናታት መንገዲ ሰባት ኣምጺኦም ነቲ ዳስ ክመልኡ ይነግሮም ከምኡ ከኣ ይገብሩ።

ድርብ እምቢታ!

ቅዱስነቶም ነታ መኽፈቲት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ‘ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝምገብ ብፁዕ እዩ’ ንዝብል መንቀሊ ብምግባር ጐይታ ዘቅርበልና ዕድመ ክንዲ ኣዎንታዊ መልሲ ዝቅብል ድርብ እምቢታዊ መልሲ ይረክብ። እታ ቀዳመይቲ ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ዕዱማት ኣብ ወንጌል ዝገበርዎ ዝተፈላለየ ምኽንያት ፈጢርካ ክንዲ ብቀጥታ እምቢ ማለት ‘ይቅሬታ ግበረለይ ክመጽእ ኣይክእልን’ ዝብል እምቢታ ምዕቡል እምቢታ ይብልዎ። እዚ እቲ ቀዳማይ እምቢታ እዩ ይብሉሞ ቀጺሎም እታ ካልኣይቲ እምቢታ ሓያል ምዃና ንምግላጽ ጐይታ ዕጉስን ሕያዋይን ስለዝኾነ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ካልኣይ ሳልሳይ ራብዓይ ዕድል ክህብ ይኽእል ነዚ ኩሉ ምስ እንኣቢ ከኣ እምቢ ዝብለና ባዕሉ ኢየሱስ ስለዝኾነ ብዙሕ ክንጥንቀቅ ኣተሓሳሲቦም።

“እዚ እምቢታ እዚ እዩ ብጣዕሚ ከተሓሳስበና ዘለዎ። ሓንሳእ ሓንሳእ ኢየሱስ ይጽዋዓና ምሳኡ ክንምሳሕ በዓል ክንገብር ይዕድመና ኣብ ጥቃኡ ክንከውን ሕይወትና ክንልውጥ ይጽዋዓና። ሓደ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ሃሰው ዝብል እሞ ኩሎም ዝኣብይዎ ሰብ እሞ ሕሰቡ ደሓር ንሕሙማትን ጽጉማትን ሃሰው ዝብል ካብዚኦም እውን ገሊኦም እምቢ ክብሉ ክኽሕዱ ይኽእሉ። ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና እንተሓሰብና ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ኢየሱስ ናባኡ ክንቀርብ ሓደ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክንገብር ክንጽሊ ክንረኽቦ እንክጽውዓና ንሕና ግን እምቢ ዝበልናዮ ግዝያት እስኪ ንሕሰብ። ሓቅኻ ጐይታየ ኮይኑ መዓት ሥራሕ እንድየ ሒዘ ሕጂ ግዜ የብለይን ምናልባት ጽባሕ ክፍትን እየ ወዘተ እናበልና ዘጥፍኣናዮ ወርቃዊ ዕድላት እስኪ ንሕሰብ። ኰይኑ ክሳብ መወዳእታ እሙን ስለዝኾነ ኢየሱስ ኣብታ ቃሉ ይጽበየና።”

ንዕድመ ኢየሱስ ዕሽሽ ንምባል ክንደይ ምኽኒት ኮን ንፈጥር!

ቅዱስነቶም እንደገና ነዚ ጐይታ ዘቅርበልና ዕድመን ንሕና እንምህዞ ምኽኒትን ምልስ ይብሉ እሞ ሕልናና ክንምርምር ይሓቱ።

“ነፍስወከፍና እስኪ ንሕሰብ! ክንደይ ግዜ ኣብ ሕይወተይ ሓደ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ንክገብር መንፈስ ቅዱስ ንዘስተንፍሰለይ ከምኡ እውን ኣብታ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እቲኣ ንኢየሱስ ንክረክብ ንክጽሊ ንክንሳሕ እንከስተንፍሰልና ሸለል ዝበልናዮ። ንከይገብር ከኣ እኹል ምኽኒት ንዝመሃዝናዮ ንዘክር። እዚ እምቢታ እዩ።”

ኢየሱስ ሕያዋይ እዩ ኮይኑ ግን ፍትሓዊ ከኣ እዩ!

ቅዱስነቶም ብቀጥታ ኣብ መወዳእታ ዓለም ይሰግሩ እሞ ኣብቲ ግዜ’ቲ እቲ ንኢየሱስ እምቢ ዘይበለ ወይውን ኢየሱስ እምቢ ዘይበሎ ኩሉ ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ክኣቱ እዩ ኢሎም። ምናልባት ንሕያውነት ኢየሱስ ንክምዝምዝ ንዝደሊ ከኣ ፍትሓውነቱ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ርግጽ እዩ ኢየሱስ ሕያዋይ እዩ መሓሪ እዩ ኮይኑ ግን ፍትሓዊ ከኣ እዩ። ንስኻ ባዕልኻ ማዕጾ ልብኻ ብውሽጢ ሸጒርካ እንተዓጾኻዮ ንሱ ክኸፍቶ ኣይክእልን ከመይ ክብሪ ካልእ ዝሕሉ ንልብና ዝጽበ እዩ። ንኢየሱስ እምቢ ማለትከስ ልብኻ ብውሽጢ ምዕጻው እዩ ኢየሱስ ከኣ ደፊኡ ክኣቱ ኣይክእልን። ስለዚኸስ ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ‘ኣነ ንኢየሱስ ልበይ ብውሽጢ ዓጽየዶ እፈልጥ’ ኢልና ነስተንትን ኢሎም።”

ኢየሱስ ነቲ መኣዲ ዘድሊ ኩሉ ብሞቱ ከፊሉልና እዩ!

ኣብ ርእሲ እዚ ካልእ ክንጥቀቀሉ ዘሎና ጉዳይ ከምዘሎ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ መን እዩ ነዚ ዓቢ ግብዣ ድራር ዝኸፍል ይብሉ እሞ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ፊል 2.5 ተመልኪቱ ከምዘሎ ሕሳብ ናይቲ ድራር ናይ ዓቢ መኣዲ ዝኸፈሎ ኢየሱስ እዩ። ቅዱስነቶም ከም ሰብኣዊ  ኣዘራርባ ቅብሊት ናይ’ዚ ሕሳብ እዚ ክንርኢ ደስ ምበለና ይብሉ እሞ ንቃላት ጳውሎስ ‘ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ ክንሱ ኣብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ማዕርነት ኣይተኣሠረን ንኵሉ ቀንጢጡ ደርበዮ። ዕራቑ ኮነ ባርያ ምዃን’ውን መረጸ፡ መልክዕ ሰብ ወሰድ ከም ሰብ ኮነ። ክሳብ ሞት ተኣዘዘ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል እውን ንርእሱ ኣዋረደ’ ንዝብል ይጠቅሱ እሞ ንመኣዲ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምስንዳውን ብሕይወቱ ክፊሉ` እንከብቅዕ ኣነ እምቢ ክብልሲ ክርድኣኒ ኣይክእልን ስለዚኸስ ጐይታ ነዚእምቢታ እዚ ነዚ ትርሊ ልቢ እዚ እንርደኣሉ ጸጋ ክዕድለና እሞ ክንጠዓሰሉን ክንበኽየሉን የኽእለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 November 2018, 17:08
ንኩሉ ኣንብብ >