ኢየሱስ ኣብ መአዲ መንግሥቱ ይዕድመና ኣሎ! ኣይፋል ንከይንብሎ ንጠንቀቅ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 14.15 ኮይኑ ‘ሓደ ኻብቶም ኣብ መኣዲ ምስኡ ተቐሚጦም ዘነበሩ፡ እዚ ምስ ሰምዔ ‘እቲ ኣብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር እንጌራ ዝበልዕስ ብፁዕ እዩ!’ በሎ። ኢየሱስ እንከ ‘ሓደ ሰብኣይ ዓቢይ ናይ ምሳሕ በዓል ኣሰናደው እሞ ንብዙኃት ዓደመ። ብግዜ ምሳሕ ነቶም ዕዱማት ‘ሄሲዚ ኵሉ ተሰናድዩ እዩ እሞ ንዑ!’ ኺብሎም ንኣገልጋሊኡ ልኣኸ’ ዝብል ነበረ። እንተኾነ እቶም ዝተዓደሙ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናምጽኡ በዀሩ። ሽዑ እቲ በዓል ውራይ ካብ ኩሉ ቀራናታት መንገዲ ሰባት ኣምጺኦም ነቲ ዳስ ክመልኡ ይነግሮም ከምኡ ከኣ ይገብሩ።
ድርብ እምቢታ!
ቅዱስነቶም ነታ መኽፈቲት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ‘ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝምገብ ብፁዕ እዩ’ ንዝብል መንቀሊ ብምግባር ጐይታ ዘቅርበልና ዕድመ ክንዲ ኣዎንታዊ መልሲ ዝቅብል ድርብ እምቢታዊ መልሲ ይረክብ። እታ ቀዳመይቲ ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ዕዱማት ኣብ ወንጌል ዝገበርዎ ዝተፈላለየ ምኽንያት ፈጢርካ ክንዲ ብቀጥታ እምቢ ማለት ‘ይቅሬታ ግበረለይ ክመጽእ ኣይክእልን’ ዝብል እምቢታ ምዕቡል እምቢታ ይብልዎ። እዚ እቲ ቀዳማይ እምቢታ እዩ ይብሉሞ ቀጺሎም እታ ካልኣይቲ እምቢታ ሓያል ምዃና ንምግላጽ ጐይታ ዕጉስን ሕያዋይን ስለዝኾነ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ካልኣይ ሳልሳይ ራብዓይ ዕድል ክህብ ይኽእል ነዚ ኩሉ ምስ እንኣቢ ከኣ እምቢ ዝብለና ባዕሉ ኢየሱስ ስለዝኾነ ብዙሕ ክንጥንቀቅ ኣተሓሳሲቦም።
ንዕድመ ኢየሱስ ዕሽሽ ንምባል ክንደይ ምኽኒት ኮን ንፈጥር!
ቅዱስነቶም እንደገና ነዚ ጐይታ ዘቅርበልና ዕድመን ንሕና እንምህዞ ምኽኒትን ምልስ ይብሉ እሞ ሕልናና ክንምርምር ይሓቱ።
ኢየሱስ ሕያዋይ እዩ ኮይኑ ግን ፍትሓዊ ከኣ እዩ!
ቅዱስነቶም ብቀጥታ ኣብ መወዳእታ ዓለም ይሰግሩ እሞ ኣብቲ ግዜ’ቲ እቲ ንኢየሱስ እምቢ ዘይበለ ወይውን ኢየሱስ እምቢ ዘይበሎ ኩሉ ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ክኣቱ እዩ ኢሎም። ምናልባት ንሕያውነት ኢየሱስ ንክምዝምዝ ንዝደሊ ከኣ ፍትሓውነቱ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኢየሱስ ነቲ መኣዲ ዘድሊ ኩሉ ብሞቱ ከፊሉልና እዩ!
ኣብ ርእሲ እዚ ካልእ ክንጥቀቀሉ ዘሎና ጉዳይ ከምዘሎ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ መን እዩ ነዚ ዓቢ ግብዣ ድራር ዝኸፍል ይብሉ እሞ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ፊል 2.5 ተመልኪቱ ከምዘሎ ሕሳብ ናይቲ ድራር ናይ ዓቢ መኣዲ ዝኸፈሎ ኢየሱስ እዩ። ቅዱስነቶም ከም ሰብኣዊ ኣዘራርባ ቅብሊት ናይ’ዚ ሕሳብ እዚ ክንርኢ ደስ ምበለና ይብሉ እሞ ንቃላት ጳውሎስ ‘ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ ክንሱ ኣብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ማዕርነት ኣይተኣሠረን ንኵሉ ቀንጢጡ ደርበዮ። ዕራቑ ኮነ ባርያ ምዃን’ውን መረጸ፡ መልክዕ ሰብ ወሰድ ከም ሰብ ኮነ። ክሳብ ሞት ተኣዘዘ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል እውን ንርእሱ ኣዋረደ’ ንዝብል ይጠቅሱ እሞ ንመኣዲ መንግሥቲ እግዚአብሔር ንምስንዳውን ብሕይወቱ ክፊሉ` እንከብቅዕ ኣነ እምቢ ክብልሲ ክርድኣኒ ኣይክእልን ስለዚኸስ ጐይታ ነዚእምቢታ እዚ ነዚ ትርሊ ልቢ እዚ እንርደኣሉ ጸጋ ክዕድለና እሞ ክንጠዓሰሉን ክንበኽየሉን የኽእለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።