ድለ

2018.11.05 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.11.05 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ   (Vatican Media)

ነቶም ውግእ ዘስዕቡ ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ጥቅምን ውድድርን ውዳሴ ከንቱ ሃሰው ምባልን ወጊድ ንበሎም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ሕይወትና ስለዝጠቅሙና ነገራት ብቀሊሉ መሪጽና ምኽኣል ዘይኮነስ ነቲ ብሓፈሻ ዝተዓደለና መዓዝን ክነስፍሕ ኣሎና’ እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ‘ኣብ ማሕበራዊ ናብራና ውድድርን ውዳሴ ከንቱ ምድላይን ምክፍፋልን ግጭትን እናዘርኡ መሠረት ማሕበር የናውጹ።’ እንክብሉ ዝገለጽዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ሉቃ 14. ‘ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።’ ንዝብል ተመርኲሶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሌላን ጉሌላን ስለዘየለ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ጥቅሚ ዘቀደመ ምርጫ ቦታ ከምዘይብሉ ገሊጾም።

ትዕድልቲ ጐይታ ንኩሉ እምበር ሌላን ጉሌላን የብሉን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ እንክምህር ንእንገብሮ ነገር ኩሉ ጥቅምን ረብሓን ምእንቲ ክንረክብ ከይንገብሮ ከምኡ እውን ዓርከይ ዓርክኻ ዝብል ምርጫ ክግበር ዘይግባእ ምዃኑ ብሓጺሩ ንኩሉ ተግባራትን ዕርክነትን ብመምዘኒ ጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ ከይከውን ካብ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ክንርሕቅ ይዕድመና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዕድሎ ጸጋን ሃብትን ንኩሉ ዝኸውን ሓባራዊ ኮይኑ መኣዝኑ ኣስፊሑ ካብ ሌላን ጉሌላን እምብዛ ዝረሓቀ እዩ። እቶም ተጻይ እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ወገነይ ወገንካ ክብሉ ክፈላልዩ ዝጅምሩ ምንጪ ምፍልላይን ግጭትን እዮም። ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፍሊጲስዩስ 2.1-4 ተጻይ ሓድነትን ውህደትን ዝኾና ክልተ ነገራት ምዃነን ንሰን ከኣ ውድድርን ውዳሴ ከንቱን እየን ክብል ይገልጸን።

“ብቤላበለው ምሕማይ እውን ካብ ውድድር ይውለድ። ከመይ ብዙሓት ክዓብዩ ከምዘይክእሉ ይእምቱ ኮይኑ ግን ዝለዓለ ኮይኑ ንክስመዖምን ንከእምኑን ነቲ ካልእ ብሕሜታን ቤልበለውን ስሙ ብምኽፋእ የትሕትዎ። እዚ ከኣ ንደቂ ሰባት ናይ ምዕናው መንገዲ እዩ። ውድድር ከኣ ይበሃል። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ኣብ ማሕበረክርስትያን ውድድር ዝበሃል ፈጺሙ ኣይሃሉ ይብል። ውድድርሲ ነቲ ካልእ ንምጽቃጥ እትጥቀመሉ ቃልሲ እዩ። ሕማቅ ነገር ከኣ እዩ። እዚ ብግህዶን ብቀጥታን ወይውን ጻዕዳ በጃ ኢድ (ጓንቲ) ለቢስካ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክግበር ይከኣል ኮይኑ ግን ወትሩ ንካልኦት ኣብ ምዕናውን ንገዛእ ርእስኻ ሓፍ ኣብ ምባልን እዩ ዝዋፈር። ኣን ክንዲ እቲ መወዳድርተይ ደው ዘብለኒ ብቅዓትን ሓይልን ሕያውነትን ስለዝሰኣንኩ ነቲ መወዳድርተይ ዘትሕት ነገር ብምግባር ኣነ ኣብ ልዑል ቦታ ዝተረፍኩ ኰይኑ ይስመዓኒ። ብካልእ ኣዘራርባ ንጥቅሚ ገዛእ ርእስኻ እትዋፈረሉ ሓደ መንገዲ ውድድር እዩ።”

ውዳሴ ከንቱ ንማሕበር የዕኑ!

ውዳሴ ከንቱ ምድላይ ንማሕበረሰብስ ይኹን ንሥድራቤት ከምኡ ንዝኾነ ተጻዩ ዝኾነ የዕኑ። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብዛዕባ ውርሻ ኣቦኦም እንክወዳደሩ እስኪ ከም ኣብነት ወሲድኩም ሕሰቡ። እዚ ዕለት ዕለት እንዕዘቦ ጉዳይ እዩ። ከምኡ እውን ንገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ኣብሊጾም ንከርእዩ ውዳሴ ከንቱ ዝነዝሑ እውን እስከ ሕሰቡ።

ሕይወት ክርስትናኸስ ካብ ነጻ ትዕድልቲ ኢየሱስ እያ እትውለድ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ክርስትያን ዘበለ ክኽተሎ ዘሎ መስመር ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። ‘ክርስትያን ዘቦኡ ኣብነት ወልደእግዚአብሔር ክኽተልን ነቲ ነጻ ትዕድልቲ ኢየሱስ ዝኾነት ሕይወት እውን ክሕብሕብ ኣለዎ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዝነዝሕዎ ጸገማት ቅጭጭ ከይበሎ ትሕትና ተላቢሱ ሠናይ ዘበለ ነገር ማንም ከይፈለጦክገብር ንውድድርን ውዳሴ ከንቱን ከኣ ካብኡ ከርሕቅ ክጋኣደል ኣለዎ። ብናእሽቱ ሠናይ ተግባራት ምስ ኩሎም ብስስምዕ ብምምልላስ ንመላእ ዓለም ዝኸውን ምሕዝነትን ሰላምን ምህናጽ ክጋደሉ ኣለዎም።

“ብዛዕባ ናይ ውግእ ዜና እንክነንብብ ብዛዕባ ኣብ የመን ዘለው ሕጻናት ዘሕልፍዎ ዓጸቦ ጥሜት ነንብብ። ካባና ኣመና ርሑቅ ብምዃኑ ከኣ ስለምንታይ እዮም ሕጻናት የመን ዝብላዕ ዝስእኑ! ኢልና ንሓትት። ኰይኑ ግን ካብ ውግእ የመን ዘይሰንፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ትካላትና ብዘሎ ውድድርን ውዳሴ ከንቱን ክንደይ ይሳቀዩ ኣለው። ስለዚኸስ ነዚ ኣብ መንጎ ሥድራቤታትን ቊምስናታትን ተቍዋማትን ናይ ሥራሕ ቦታትን ዘሎ ውግእ ጠጠው ክነብልን ናይ ገዛእ ርእስና ጥቅሚ ገዲፍና ብትሕትና መንገዲ ስምምዕ ንህነጽ።”

እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
05 November 2018, 11:37
ንኩሉ ኣንብብ >