ድለ

 2018.10.19 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት 2018.10.19 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት   (Vatican Media)

ንድሕነት ክርስትያን መባዅዕቲ ዝኸውን መንፈስ ቅዱስ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብቐጻሊ ኣብ’ዚ ሶሙን’ዚ ዝገብርዎ ዘለዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ እውን ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዛዕባ ግቡዛት ዝኾኑ ክርስትያን እንክዛረቡ ቀንዲ መለለዪኦም ነቲ ንደገ ገጽካ ከም እትዓቢ ዝገብር መባዅዕቲ መንፈስ ቅዱስ ዘይምቅባሎም ምዃኑ ኣዝኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ‘ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓደገልና ዓቢ ውርሻ ማለት ድሕነት ንክንበጽሕ ነቲ ናብኡ ዘብጽሓና መባዅዕቲ መንፈስ ቅዱስ ክንለብስን ብኣኡ ክንምራሕን የድሊ።’ እንክብሉ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረበ ቃል ወንጌል ማለት ሉቃ 12.1-7 ‘እንካብ መባዅዕቲ ፈሪሳውያን ማለት ግብዝና ተጠንቀቑ! ዘይቅላዕ ክዱን ወይ ዘይፍለጥ ስቱር የልቦን። ስለዚ ኣብ ጸልማት ዝተዛረብኩምዎ ኹሉ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ እዩ። እቲ ኣብ ውሻጠ ኰንኩም ብሕሹኽታ ዝተዛረብኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ኺስበኽ እዩ።’ ዚብል ዝርከቦ ነበረ።

ኢየሱስ ንግብዝና ፈጺሙ ኣይጻወሮን እዩ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ብዛዕባ መባዅዕቲ ይዛረብ! መባዅዕቲ ክንብል ኩሉ ግዜ ዘዕቢ ዘበኵዕ እዩ ኮይኑ ግን ሕማቅ መባዅዕቲ እውን ኣሎ እዚ ከኣ የዕኑ። ክንዲ ንደገ ገጹ ዝንፋሕን ዝዓብን ናብ ውሽጢ ገጹ ይንፋሕ። እዚ ከኣ እቲ ኢየሱስ ዘይጻወሮ ናይ ፈሪሳውያንን መማህራን ሕጊ ናይ ዘመኑን ሰዱቃውያንን መባዅዕቲ ግብዝና ነበረ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ዝተርፉ ንዝገብሩ ኩሉ ከኣ ንከምስሉ ንእሽቶ ኣበርክቶ ማለት ከም መባእ ዚኣመሰለ ከወፍዩ እንከለው ኸኣ ብሰብ ምእንቲ ክረኣዩን ክስምዑን መለኸት ይነፍሑ። ለይትን መዓልትን ሒዅ ዝብልዎ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ነገራት ክሕልውን ነታ ኣነነቶም ክዕቅቡን ወትሩ ኣብ ውሕስነት ክነብሩን ይደልዩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ገለ ጸገም እንተተላዒሉ ወይ እንተኣጓኒፉ ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዘቅርቦ ኣብነት ናይቲ ብከተርቲ ዝተግፍዔ ሰብ ወይውን ሓደ ለምጻም እንተኣጓነፎም ገጾም ጠውዮም ናብ ካልእ እናጠመቱ፣ ውሻጣዊ ሕግታቶም እንታይ ይብል ብማለት ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኮይኖም ይጐዓዙ።

“ኢየሱስ እዚ መባዅዕቲ እዚ ሓደገኛ እዩ ይብል! ተጠንቀቑ ከኣ ይብል። እዚ ከኣ ግብዝና እዩ። ኢየሱስ ንግብዝና ኣይጻወርን። ዘይኰንካዮ ኰንካ ዝሓሽካን ዝበልጽካን ኰንካ ክትርኤ ዝበልጸ ትምህርቲ እውን እተተፈተነ ኣብ ውሽጢ ሕማቅ ነገራት ሸፊንካ ዝግበር ጒዕዞ እዩ። ኢየሱስ ከኣ ‘ብደገ ጽቡቃት ትመስሉ ከም ልቅሉቅ መቃብር ኮይኑ ኣብ ውሽጡ በድንን ዕንወትን እዩ ዘሎ። እዚ መባዅዕቲ እዚ ንውሽጢ ገጽካ ከምእትሓብጥ እዩ ዝገብር ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ እናጠመትካ ንኣነነትካ ተዕቢ በዚ ከኣ መጻኢ ዝበሃል የሎን ማለት እዩ። ብኣንጻር ናይዚ ካልእ መባዅዕቲ እውን ኣሎ እዚ ከኣ ንደገ ገጹ ዘዕቢ ዘስፍሕ እዩ። እኳ ደኣ ከም ወራሲ ናይ ሓደ ውርሻ የዕብየካ።”

ተስፋ ዓቢ ታሕጓስ!

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ኤፌ 1.11 ‘ንሕና እቶም ፈለማ ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ክንከውን ከም’ቲ ሥምረት ሓሳቡ ንኵሉ ነገር ከም ዝደለዮ ዚገብር እዩ’ሞ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝመደበልና ወረስቲ ንምዃን ክንኅረ ብእኡ ዕድል ረኺብና ኣሎና’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም ነዚ ብክርስቶስ ወረስቲ ምዃና ዝብል ቃል ጳውሎስ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

 [ ሓንሳብ ሓንሳብ ክትጋገ ይከኣል ኮይኑ ትእረም ሓንሳእ ሓንሳእ ክትወድቅ ይከኣል ኮይኑ ብኡ ንብኡ ትትንሥእ። ከምኡ እውን ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ሓጢኣት ይወድቁ ኮይኑ ግን ይንሥሑ። እቲ ጒዕዞ ወትሩ ንወጻኢ ናብቲ ውርሻ ገጹ እዩ ከመይ ተስፋ ዓቢ ሓጐስ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ ሕዝቢ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ሕዝቢ እዩ ከመይ ነቲ ንውዳሴ ክብሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ዓቢ ታሕጓስ ተስፋ ተዋሂብዎም እዩ። ናይዚኦም ሰባት እዚኦም መባዅዕቲ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ይብል ቅዱስ ጳውሎስ። እዚ መባዅዕቲ እዚ ንክብሪ እግዚአብሔር ምስጋና ንክትከውን ይደፋፋኣካ። ኣብ ልብኻ ኸኣ ነዚ ሓጐስ እዚ ዓቂብካ ይንበር። ]

ቅዱስነቶም ናይቲ ቀዳማይ ንባብ መቀጸልታ ‘ንስኻትኩም’ውን ብክርስቶስ ቃል ጽድቅን ወንጌል ድኅነትን ሰሚዕኩም ብኣኡ ምስ ኣመንኩም። እቲ ዝተነግረኩም ተስፋ ማኅተም መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልኩም ኢኻትኩም። ንሱ ንውዳሴ ክብሩ ኢሉ ነቶም ዘጥረዮም ኣብ ፍጹም ድኅነት ክሳብ ዘብጽሖም ዕርቡን ርስትና ኰይኑ ይርከብ ኣሎ’ (ኤፌ 1.13-14) ንዝብል ይጠቅሱ እሞ ኢየሱስ ወትሩ በዚ መባዅዕቲ መንፈስ ቅዱስ ክንጐዕዝ እንክዕድመና ከምቶ ሊቃውንቲ ሕግን ካልኦት ግብዛትን ንውሽቲ ገጽና ዘይኮነ ንደገ ንላዕሊ ገጽና ክንዓቢ ይጽውዓና። ወላውን ጸገምን ሥቃይን ግድልን ውድቀትን እንተለ ክርስትያን ዘቦኡ ነዚ ውርሻ እዚ ንክቅበል ብመንፈስ ቅዱስ ክምራሕ ይምህር። ፍልልይ ናይዞም ክልተ ዓይነት ሰባት ከስ ንጹር እዩ።

“ሓደ ኣብ ኣነነቱ ደሪቑ ንውሽጢ ገጹ ዚንፋሕ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ይግደስ ጽቡቅን ዝበለጸን ኮይኑ ንክረኤ ጥራይ ይቃለስ ሕማቅ ነገራቱ ብሰብ ከይረኤ ይጽዕር። ጐይታ ኢየሱስ ካብኦም ተጠንቀቁ ዝብለና ግብዛት ከኣ እዚኦም እዮም። እንተ እቲ ካልእ ናይቶም ሓቀኛታት ክርስትያን መባዅዕቲ ኮይኑ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ ከኣ ናይታ ዝተዋህበት ተስፋ ውዳሴ ሓጐስ ማሕደር ኮይኑ ይወሃበና። ኣብቲ ኣብ ልቡ ከም መባዅዕቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝሓዘ ሰብ ወላ ጸገምን ሽግርን ኣብ ሕይወት ይሃሉ ወትሩ ሓጐስ ኣሎ። ግቡዛት ታሕጓስ እንታይ ምዃኑ ረሲዖሞ እዮም። ከመይ ወትሩ ኣብ ምጥርጣርን ምስትምሳልን ክነብሩ ዘይኮንዎ ኮይኖም ክረኣዩ ሕመቆም ውድቀቶም ክፋኦም ክኽውሉ ስለዝነብሩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
19 October 2018, 17:21
ንኩሉ ኣንብብ >