ድለ

2018.09.11 ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.09.11 ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ኣብ’ዚ ዘመንና እቲ ዓቢ ከሳሲ ተጻይ ጳጳሳት ዝተዓጥቀ ይመስል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ሥልጠና ንዝርከቡ ሓደስቲ ኣቡናት ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ኣቡናት ጐይቶት ወይውን መሳፍንቲ ኮይኑ ከይስመዖን ንሕዝቦም የገልግሉ ንዝበልዎ ሓሳብ ብምቅጻል ሎሚ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሓደ ኣቡን ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣለዎ ኣብ መንጎ መጓሰኡ ክኸውን ከምዝተጸውዔ ይሰቘሮ’ እንብሉ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝረኤ ዘሎ ፈተነ ብጸሎት ክዋግእዎ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዕ ዓለም ተጻይ ቤተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ተጻይ ኣቡናትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ዝንዛሕ ንዘሎ ጸለመን ጽልእን መበገሲ ብምግባር ‘ኣብ’ዚ ዘመንና እቲ ዓቢ ከሳሲ ተጻይ ጳጳሳት ዝተዓጥቀ ይመስል! እዚ ከኣ ዕንቅፋት ንምፍጣር እዩ። ኣብ’ዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ቀውጢ ጊዜ ኣቡናት ሠለስተ መሠረታውያን ነገራት ክዝክሩ ኣለዎም። ቀንዲ ሓይሎም ናይ ጸሎት ሰባት ምዃን ኮይኑ ብእግዚአብሔር ከምዝተመርጹ ንምፍላጥ ከኣ ብቚዕ ትሕትና ክለብሱ ብሣልሳይ ደረጃ ከኣ ወትሩ ኣብ ጥቃ መጓሰኦም ክርከቡ ኣለዎም።’ እንክብሉ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ንሎሚ ዝቀረበ ወንጌል (ሉቃ 6.12-19) ብዛዕባ ሕሬት 12 ሓዋርያት ዘዘንቱ

“በተን መዓልታት እቲአን ድማ ኪጽሊ ናብ ሓደ እምባ ወጽአ፡ ለይቲ ምሉእ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ኪጽሊ ኃደረ። ምስ ወግሔ፡ ነቶም ኣርድእቱ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዓሠርተ ክልተ ኃርዩ ‘ሓዋርያት’ ቢሉ ሰመዮም። . . .ምስኣቶም ወሪዱ ኸኣ ኣብ ሓደ ሰጥ ዝበለ ቦታ ቆመ ብዙኃት ካብ ኣርድእቱን ብዙኅ ሕዝቢ ኸኣ ካብ መላይ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኻብ ዚርከባ ጢሮስን ሲዶናን ምእንቲ ኺሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ድማ ኺሓይውን መጽኡ። እቶም ብሩኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩ ድማ ሓየው። ካብኡ ኃይሊ ወጺኡ ንዅሎም የሕይዎም ስለዝነበረ ኵሉ እቲ ሕዝቢ ኺትንክፎ ይደሊ ነበረ።”

ሥልጠና ንጳጳሳት! 

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ዝገልጽናዮ ምስ ቅዱስነቶም ሎሚ ንግሆ ብኅብረት ዝቐደሱ ኣብቲ ብማኅበር ስብከተ ወንጌል ናይ ቅድስት መንበር ዘሰናደወቶ ትምህርቲ ንሓደስቲ ኣቡናት ዝሳተፉ ዘለው ኮይኖም ቅዱስነቶም እውን ነቲ ሕርየት ሓዋርያት ዝምልከት ቃለ ወንጌል ቤተክርስትያን ከመይ ገቢራ ኣቡናት ከም እትሓርን ብድሕሪኡ ከኣ ከመይ ገራ ከም እተሰልጥንን ንምግላጽ ኣብዚ ግዝያት እዚ ኣቅድም ኣቢሉ ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመታት ዘገልገሉ ኣቡናት ሓደ ሰሚናር ከምዝተገብረ ካብኡ ቀጺሉ ን74 ዝኾኑ ኣብ መሬት ስብከተወንጌል ተዋፊሮም ንዝነበሩ እንክግበር ነቶም ንኣቡናት ብእትኃሊ ማሕበር ዝመሓደሩ ኣቡናት ከኣ ን140 ዝኸውን ተኻዪዱ ኩሉ ኩሉ ንልዕሊ 200 ዝኾኑ ኣቡናት ክልተ ሥልጠና ተዋሂቡ።

ናይ ጸሎት ሰብ! 

ቅዱስነቶም ከምቲ ነቶም ድሕሪ ሥልጠና ክረኽብዎም ዝመጹ ደጋጊሞም ዝበልዎ ሓደ ጳጳስ ናይ ጸሎት ሰብ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ከንቱ ንሓደ ጳጳስ ኣብ ግዜ ፈተነ እንኮ መጸናንዒቱ ጸሎት እያ። እዚ ከኣ ኢየሱስ ስለኡ ከምዘማልድ ስለ ጳጳሳት ከምዝጽሊ ስለዝኩሉ ከምዝጽሊ የረጋግጸሉ፣ እዚ ምጽንናዕ እዚ ከኣ ሓይሊ ኮይኑ ንኩሉ ጸገማት ክሰግር ይሕግዞ፣ ስለዝኾነ እዩ ሓዋርያት ኣብታ ናይ መጀመርያ ቤተክርስትያን ምዕዳል ምግብን ጽጉማት ምርዳእን ምስ ገፍሖም ኣቱም ሰባት ንሕና ኣብ ጸሎትን ኣብ ቃል ኣምላኽን ምእንቲ ክንጽበርሲ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝኾኑ ዲያቆናት ምረጹ ዝበልዎም።

ከምዝተመርጸ ዝስቘሮን ትሑትን! ወትሩ ኣብ መንጎ መጓሲኡ ዝርከብ!

እተን ምስዚኣ ተታሒዘን ዝኸዳ ክልተ ነጥቢ ከኣ ነቲ ጸዋዕታ ክሰምዖን ብትሕትና ተቀቢሉ ኣብ ክንዲ ንሥልጣን ዝቀዳደም ንኣገልግሎት ክቀዳደም ነዚ ከኣ ዝሕግዞ ምስቲ ዝሓረየ እሂን ምሂን ክብል ‘ጐይታየ ንስኻ መሪጽካኒ ኣነ ግን ሓጢኣተኛ እየ ክገብሮ ዝኽእል ዳርጋ ኢምንት እዩ’ እናበለ ክቀርቦ እዚ ከኣ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ከምዝድርብ ይገብሮ። ከምዚ ምስ ዚኸውን ከምቲ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዝመላለሶ ዝነበረ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ንክሰምዕዎ ዝሃርፍዎ ዝነበሩ ኣቡን እውን ኣብ ምስ መጓሲኡ ኮይኑ ክምህሮምን ብምሥጢራት ክቅልቦምን እንከሎ ዝበለጸ እዩ። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። 

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
11 September 2018, 13:03
ንኩሉ ኣንብብ >