ድለ

2018.09.14ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.09.14ቅዳሴ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ድሕሪ ስዕረት ዓወት ስለዘሎ መስቀል ንስዕረት ከይንፈርህ የስተምህረና! ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓለ መስቀል ክቡር ትዝክር። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ብዛዕባ ስዕረትን ፍሽለትን ዝምልከት ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም እቲ ሎሚ እነኽብሮ ክብሪ ኢየሱስ ክብሪ መስቀሉ ንሓጢኣት መላእ ዓለም ተሸኪሙ ንሠይጣን ከምዝኣሰሮ እንከዘካኽሩ ኮይኑ ግን ወትሩ ንከሰሓሕት ከምዝነብሕ ናብኡ እንተቀሪብካ ከጥፍኣካ ከምዝኽእል ዘክር ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ‘መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምህረና ኣብ ሕይወት ውድቀትን ዓወትን ስለዘሎ ውድቀትን ስዕረትን ኣብ ትርእየሉ ግዜ ኣይትፍራህ ከመይ በቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ክፍኣተ ግብሪ ከምዝተዓወተ ዘመልክት መስቀል ክበርሁ እዮም። እቲ ክፍኣተ ግብሪ እንብሎ ጥንተጸላኢና ዝኾነ ዲያብሎስ ሽሕ’ኳ ጐይታ ኣዕንዩ እንተኣሰሮ ገና ኣብቲ ዝተእሰረሉ ሰንሰለት ኮይኑ ንከጋጊ ይነብሕ ኣሎ ምናልባት ተጋጊኻ ክትሓባብሎ እንተቀሪብካዮን እንተተንኪፍካዮን ከዕንወካ ከጥፍኣካ ምዃኑ ፍለጥ። ከመይ ንሱ ኣቦ ዕንወት ኣቦ ጥፍኣት እዩ’ ኢሎም።

ስዕረት ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ንዘጋጥሙና ሕማቅ ግዝያት የብርህ!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ምልክት ክርስትያን ዝኾነ መስቀል ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ‘ርግጽ እዩ መስቀል ክነስተንትኖ እንከሎና ምልክት ስዕረት ኮይኑ ይረኤ ኮይኑ ግን ምልክት ዓወት እውን እዩ። ከመይ ኣስተውዕል እንተበልና ኩሉ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ዝገበሮ ኣብ መስቀል ዝፈሸለ ይመስል። ናይቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኽተልዎ ዝነበሩ ተስፋ እውን ኣብ መስቀል ይቅህም’።

ብዛዕባ መስቀል ከም ምልክት ስዕረት ፍሽለት ንምስትንታን ኣይንፍራህ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ምሥጢረ መስቀለ ክርስቶስ ኣብ ዘቅርቦ ኣስተንትኖ ሓያል ቃላት ይነግረና። ኢየሱስ ክርስቶስ ስለና ክሳብ መወዳእታ ሓጢኣት ኮይኑ ንመላእ ሓጢኣት ዓለም ለቢስዎ። ሓደ ዝተዀነነ ሰብ ኮይኑ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ስዕረት እዚ ክገልጾ ኣይፈርሀን እዚ ከኣ ነቲ ንዓና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንዘጋጥሙና ናይ ጸልማት እዋናት እውን የብርሃልና እዩ። ኮይኑ ግን ንዓና ንክርስትያን መስቀል ምልክት ዓወት ምዃኑ እውን ዘይምዝንጋዕ።

ዓርቢ ስቅለት ንሰይጣን ዓባይ መጻወድያ ነበረት! 

ኣብ ኦሪት ዘኁልቊ 21.4-9’ ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።’ እዚ ተመን እዚ ነቲ ጥንተ ጸላኢ ዝኾነ ብተመን ተመሲሉ ንዝመጸ ሠይጣን እቲ ዓቢ ከሳሲ የዘኻኽር። እቲ ሞት ዘኸትል ተመን ከኣ ሓፍ ኢሉ ምስ ተሰቅለ ሕይወት ይህብ። እዚ ከኣ ትንቢት እዩ ነሩ። ኢየሱስ ሓጢኣት ምሉእ ዓለም ተሰኪሙ ስለና ሓጢኣት ኮይኑ ነቲ ምንጪ ሓጢኣት ዝኾነ ተመን ይስዕሮ። ዓርቢ ስቅለት ጐይታ ክስቀል እንከሎ ሠይጣን ዝሰዓረ መሲልዎ ብታሕጓስ ይሰራሰር ነበረ በዚ ሰኺሩ ከኣ ነቲ ዝሰናደወሉ ዝነበረ ዓቢ መጻወድያ ኣየስተውዓለሉን። በዚ ከኣ እቲ ስዕረትን ፍሽለትን ዝመስል ዝነበረ መስቀል ምልክት ዓወት ኮነ።

ንኢየሱስ ምስ መለኮቱ ይውሕጥ በዚ ከኣ ይሰዓር!

አበው ቤተክርስትያን ኣብ ጽሑፋቶም ብዛዕባ እዚ እንክገልጹ ከምቲ ሓደ ዝጠመየ ዓሣ ነቲ ዝተጻወደትሉ ምስማር ወይ ስልኪ ከየስተውዓለ ናብቲ ንሳ ሒዛቶ ዘላ መግቢ ስለዝጥምት ጠምዩ ከኣ ስለዘሎ ሃም ኣቢሉ ምስ ኰለሳ ወያ ሽኻል ትሕዞ ከምኡ ከኣ ዲያብሎስ በታ ብሰንኩ ዝመጸት ሞት ጐይታ ክቕጻዕ ምስ ረኣየ ሃም ኣቢሉ ይውሕጦ ኣብቲ ዝውሕጦ ዘሎ ሥጋ ኢየሱስ መለኮቱ እውን ከምዘሎ ኣየስተውዓለን እዚኣ ክኣ ነታ ዝንየተላ ዝነበረ ከም ዓወቱ ጌሩ ዝቆጽራ ዝነበረ ሞት ብሕይወት ትትክእ እሞ ንሓንሳእን ንወትሩን ይሰዓር። መስቀል ከኣ ምልክት ዓወት ይኸውን።

ጥንተጸላኢና ዝኾነ ተመን ተኣሲሩ እዩ ግን እንተቀሪብካዮ ወይልኻ!

ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢና ዓቢ ከሳሲ ናይ ጥንቲ ተመን ዓወትናኸስ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ውርደት ተቀቢሉ ስለና ዝገበሮ መሥዋዕቲ ድሒና ነዚ ከኣ ብሓይሊ መለኮቱ እዩ ዝገበሮ።

ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ካብ ምድሪ ምስ ተላዓልኩ ንኩሎም ናባይ ክስሕቦም እየ ኢልዎ። ኢየሱስ ተላዒሉ ሰይጣን ግን ተደምሲሱ። መስቀል ክርስቶስ ክስሕበና ኣለዎ ወትሩ ክንጥምቶ ኣሎና ከምዚ ብምግባር ከኣ ንቅድሚ ንክንስጉም ሓይሊ ክህበና እዩ። እቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ናይ ጥንቲ ተመን ተኣሲሩ እዩ ኮይኑ ገና ይበብሕ የፈራርህ ከምቲ ኣበው ቤተክርስትያን ዝብልዎ ኣብ ተኣሲሩ ዝነብሕ ከልቢ እንተደኣ ቀሪብካ ክትሽሕሮ ክትንክፎ እንተፈቲንካ ከመይ ንክትቀርቦ ዝገብሮ ፈተነ እውን ስለዘሎ ንዕንወትካ ንጥፍኣትካ ተሰናዶ።

ወትሩ ኣብ ቅድሚ እዚ ናይ ስዕረትን ዓወትን ምልክት ዝኾነ መስቀል ንቁም!

ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ዕውት ክርስቶስ ሕይወትና ወትሩ ንቅድሚት ትግስግስ! ጐይታ ከኣ ከምቲ ቃሉ መንፈስ ቅዱስ ብምስዳድ የጸናንዓ! ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እቲ ተኣሲሩ ዘሎ ጥንተጸላኢ ስለዘሎ ናብኡ ገጽና ዘይምቅራብ እንተዘየሎ ክነኽሰና እዩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

14 September 2018, 12:12
ንኩሉ ኣንብብ >