ድለ

ንቤተክርስትያን ከዕኑ ካብ ዝደናደን መንፈስ ዓለም እግዚአብሔር ይሰውረና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ቀዳም ዕለት 16 ግንቦት 2020 ዓም እውን ነቲ ዕለት ዕለት ስለ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዘዕርጉዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምቅጻል ስለ እቶም በዚ ለበዳ እዚ ንዝተቀዝፉ ክቀብሩን ሬሳታት ክቆጽሩን ሕይወቶም ከይተረፈ ንሓደጋ ዘጋልጹ ንጸሊ ምስ ኣብ ስብከቶም ንዘምንና ዓብሊሉ ብቀንዱ ከኣ ንቤተክርስትያን ከዕኑ ተዓጢቁ ዘሎ መንፈስ ዓለማውነት እግዚአብሔር ክቅንጥጦ እንኮ መድሓኒቱ ከኣ ኣብቲ ስለና ዝሞተን ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሥኤን ክርስቶስ ምእማን ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብቶም ቅድመ ግንባር ኮይኖም ሕይወቶም ከይበቀቁ ዝቃለሱ ዘለው ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ጀሚርካ ክሳብ እቶም ንግድያት ናይዚ ለበዳ ኣብ ምቅባርን ምቁጻርን ዝተዋፈሩ ገበርቲ ምሕረት ነፍሲወከፍ ዝኸፍሎ መሥዋዕቲ ብምዝካር ሎሚ ፍልይ ብዝበለ ብዛዕባ እዞም ካብቶም ናይ ምሕረት ሥርሓት እንብሎም ሓደ ዝኾነ ሙታን ኣብ ብምቅባር ዘገልግሉ ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ሎሚ ስለ እቶም ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ንሙታን ብምቅባር ዘገልግሉንጸሊ። ንሙታን ምቅባር ሓደ ካብቶም ናይ ምሕረት ሥራሓት ኰይኑ ብተፈጥሮና ብዙሕ ደስ ዘየብል ሥራሕ እዩ።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 15.18 ኰይኑ ‘ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዛ ዓለም እትብል ቃል ብመንጽር ትምህርቲ ኢየሱስ እንከብርሁ ‘ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ዓለም ይዛረብ፣ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ዓለምን መንጎኡን ዘሎ ጽልኢ ከምኡ እውን ነቶም ዝኽተልዎ እውን ከጸግም ስለዝኽእል ንሰማያዊ ኣቦኡ ይጸሊ። ካብ ዓለም ከውጽኦም ኣይኮነን ዝጽሊ እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ንተኸተልቱ ካብ መንፈስ ዓለም ክከላኸለሎም ይጽሊ` ኢሎም። እንታይነት መንፈስ ዓለም ንክገልጹ ከኣ ብመልክዕ ሕቶን መልስን ከምዚ ይብሉ።

“መንፈስ ዓለም እንብሎ ኣየንኡ እዩ! እቲ ብዘይ ምንም ጸገም ክጸልእ ዝኽእል ንኢየሱስን ንሓዋርያቱን ከዕኑ ዝኽእል ንቤተክርስትያኑ ከዕኑ ዝኽእል ዓለማውነት ወይውን መንፈስ ዓለምከ ኣየንኡ እዩ! ዓለማውነት ወይውን መንፈስ ዓለም እንብሎ ቅዲ ሕይወት እምበር ካልእ ዝጭበጥ ዝረኤ ነገር ኣይኮነን። እነሆ ሺሻይ እነሆ ናብራ ኢሉ በቲ መደናገሪ ዝኾነ ናይ ሓሶት ኣቦ ተመሪሑ ዘብለጭልጭ ሕይወትን ናብራን ቀሪቡ ፍሉይ ባህሊ ግዝያዊ ደስታ ኣሰናድዩ `ጽባሕ መወቲስለዝኾና ንሎሚ ንደሰት ንተሓጐስ ከም ድላይና ስምዒትና እናኣርወና ንንበር። ንሎሚ ሕራይ እሺ ንጽባሕ ኣይፋል ጽንሕ ኢሉ ከኣ ነቲ ጸገም ንጽባሕ ንሎሚ ኣይፋል እናበለ ብሓላፊ ነገር ከደናግር ይቃለስ። ነዚ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ኩሉ ከባጽሕ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። እንተ እቲ ኢየሱስ ዘቅርበልና ቅዲ ሕይወት ግን ካብ ብሑቅ ናይዚ መንፈስ እዚ ሓራ ዝኾነ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘቅነዔ ካብቲ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል መንፈስ ዓለም ሓራ ዝኾነ ኣብ እምነትን ተኣማንነትን ዝተመሥረተ ሕይወት የቅርብ። ሰማያዊ ኣቦኡ ከኣ ንተኸተልቱ ካብ መንፈስ ዓለም ክከላኸለሎም ይጽሊ። ከመይ ክርስትያን ኢና እናበሉ መንፈስ ዓለም ዝዓብለሎም ዝገደደ ከኣ ክርስትያን ኢና ዓለማውያን እውን ኢና ይብሉ። ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን ዝብሎ ኣለዎ። ካብቲ ዘርኢ ገሊኡ ኣብ እሾኽን ካልእ ማሕንቆን ዘለዋ ቦታ ዝወደቀ እሞ ንከይዓብን ናብ ዕምባባን ፍረን ከይበጽሕ ሓኒቁ ዝሕዞ እንክብል እቶም ብመንፈስ ዓለም ዝተታሕዙ ሰባት ቃል ኣምላኽ ምስ ሰምዑ ገለ ክገብሩ ኣብ ዝንቀስቀሱሉ ብኡ ንብኡ ብናይ ዓለም ሳህሮን ሓሳብን ተጐቢኦም ነቲ ዝሰምዕዎ ከየስተንትኑን ኣብ ፍረ ከይበጽሑን ይዂለፉ ዝበሎ ኣግሂዱ ይገልጾ።”

ቅዱስነቶም ካብዚ ቀጺሎም ኣባ ሉባክ ዝበሃሉ ዝደረስዎ መጽሓፍ ይዝክሩ እሞ ንዓለማውነት ብከመይ ከምዝገልጾ ይጠቕሱ። ‘ዓለማውነት ኣብ ቤተክርስትያን ክወርዱ ካብ ዝኽእሉ ዝሓሰሙ ጸገማት ሓደ እዩ’ እንክብል ዘጋነነ ኣይመስለንን። ከመይ ካልኦት ዘርዕዱ ክፍኣተ ግብርታት እውን እኳ እንተለው መንፈስ ዓለም ግን ብሰላሕታ ኣብ መነባብሮ ሕይወትካ ኣትዩ ሓዲስ ቅዲ ሕይወት ሰሪዑ ከምዚ እንተነበርካ ከምዚ እንተገበርካ ጸገም የብሉን ዝገደደ ኸኣ እንታይ ኣለዎ እናበለ ቀስ ብቀስ ከም ቅዲ መነባብሮ ክርስትያን ገሩ እውን ከቅርቦ ይኽእል። ኣብ ቤተክርስትያንን ሕይወት ክርስትያንን ምስ ኣተወ ንስብከተ ወንጌል የልምስ ይጸልእ ይቀትል። ብዛዕባ ሰማዕታት እንክንዛረብ ብዙሕ ግዜ ብጽልኢ እምነት ዝተቀትሉ ዝተሰዱ ጥራሕ ኢና እንዝክር እንተኾነ በዚ መንፈስ እዚ እሞ ኸኣ ዓሚቑ ሠራውር ሰዲዱ ቀስ ብቀስ ንኩሉ ለዊጡ ኣብ ግብዝነትን ኣፍኣዊ ሕይወት ፈሪሳውነትን ከም እትነብር ገሩ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ልቅሉቅ መቃብር ኰንኳ ብውሽጢ ዝመሽመሸ ብደገን ዘብለጭልጭ ሕይወት ብስሙን ሕይወት ክርስትያን ብውሽጡን ግን ጭእ ዝኾነ ሕይወት ከምዝነብሩ ብምግባር ንብዙሓት ክርስትያን ብውሽጢ ይቀትል ኢሎ።

ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤተመቅደስ ጣዖት ናይ ኣተን ሃገረ ግሪኽ ወንጌል ክሰብኽ ምስ ከደ ኣብቲ ዝርዝር ጣዕታቶም ‘ስም ዘይብሉ ወይውን ዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ይረክብ እዚ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እዩ ክሰብከሎም እንከሎ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ጸኒዖም ብዛዕባ መስቀልን ሞትን ትንሣኤን ምስ ተዛረቦም ተዓንቂፎም ደሓራይ መዓልቲ ንሰምዓካ ኢሎም በብሓደ ሓዲጎም ከምዝኸዱ ጠቂሶም፣ ዓለማውነት ክጻወሮም ካብ ዘይክእል ነገራት ሓደ ዕንቅፋት መስቀል እዩ። መንፈስ ዓለማውነት ዝዓብለሎ ቅዲ ሕይወት ብዛዕባ መስቀል ጨሪሹ ክሰምዕ ኣይደልን። እዚ ዕንቅፋትን ዕሽነትን ዝኾነ ጉዳይ መስቀልከስ እታ እንኮ መድሓኒት መንፈስ ዓለማውነት እያ ኢሎም።

“ቅዱስ ዮሓንስ እውን ኣብ ወንጌሉን መልእኽታቱን ተጻይ ዓለምን መንፈሱን ዓወት ክንረኽበሉ እንኽእል እምነትና እያ ይብል። እዛ እምነት እዚኣ ከኣ ኣብቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስአን ክርስቶስ እያ ትምስረት። እዚ ምናልባት ንገሊኦም ናብ ኣርባዕተ ነጥቢ በጺሕካ ንኩሉ ምዕጻው ክመስሎም ይኽእል እንተኾነ ንመንፈስ ዓለም ክንዋጋኣሉ እንኽእል እምነትና ኰይና እዚ ከኣ እቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት ንግሪኻውያን ዕሽነት ዝኾነ ዕንቅፋት መስቀል እዩ። ኣብዘን መወዳእታ ዕለታት ዘመነ ፋሲካ እንዝክረሉ ዘሎና ግዝያት ጐይታ መንፈስ ቅዱሱ ክሰደልና እሞ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንመንፈስ ዓለም ኣለሊና እንኽእለሉ ጸጋ ክህበና ትርጉም ወንጌል ክስቈረና እሞ ብመንፈስ ዓለም ከይንታለል ሽሕ’ኳ ዓለም እንትጸልኣና ኣቀዲሙ ንኢየሱስ ከምዝጸልኤ ኢየሱስ ከኣ ካብ መንፈስ ዓለም ክከላኸለልና ንሰማያዊ ኣቦኡ ምእንታና ስለዝጸለየ ኣጆና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
16 May 2020, 13:17
ንኩሉ ኣንብብ >