ድለ

ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ብዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ዝምልከት ሰነድ የውጽኡ ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ብዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ዝምልከት ሰነድ የውጽኡ  (©Scanrail - stock.adobe.com)

ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ብዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ዝምልከት ሰነድ የውጽኡ

“ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ዝተጸውዑ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ዝተዘርግሐ ሓድሽ ሰነድ፥ ኣብዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ወጥሪ ኣብ ምቁጽጻርን ምርጋፍን ኣጽዋር ካቶሊካዊ ኣገባብ የጉልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክፍሊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ እንግሊዝን ወይለስን (CBCEW) ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ምፍታሕ/ምርጋፍ ኣጽዋርን ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ኣጽዋርን ዝምልከት ሓድሽ ኣገዳሲ ሰነድ ከም ዘውጸአን፡

ጠንቂ ዓለምለኻዊ ምጕዳል ኣጽዋር ንምድንፋዕ ከምኡውን መንግስቲ ብሪጣንያ ኑክልየሳዊ ኣጽዋራ ኣወጊዳ ብብዙሕ ወገን ንዝግበር ምጕዳል ኣጽዋር ክትዓዪ ዝምሕጸን ሰነድ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ክርስቲያን ኩሉ ምፍታሕ ኣጽዋር ንምድንፋዕ ዘለዎም ግብረ ገባዊ ግዴታ

“Called to be Peacemakers”, - ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ዝተጸውዑ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰነድ፡ ካብ ሓያሎ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዓዋድያን መልኽትታትን ሰነዳት ቤተክርስትያንን ብምውካስ፡ ካቶሊካዊ ኣገባብ ምቁጽጻር ኣጽዋርን ምፍታሕ ኣጽዋርን ኣገዳስነቱ ዘመላኽት ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣጽዋር ኣብ መላእ ዓለም ግጭታት የለዓዕል ከም ዘሎ ብምዝካር፡ ብፍላይ ክርስትያን ምርጋፍ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምድንፋዕ ንግዲ ኣጽዋር ንምቅዋም ከምኡውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣዕናዊ ዝዀነ ወተሃደራዊ እደ ጥበባዊ ኣጽዋር ንኸይፍጠር ቀይድታት ክህሉ ንምትብብዕ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ከም ዘለዎም ዘመላኽት እዩ።

እቲ 20 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ ካቶሊካውያን ኣብታ ሽግር ዘለዋ ዓለምና ከም ገበርቲ ሰላም ደው ክብሉ ጻውዒት ክርስቶስ ክቕበሉ እንተኾይኖም፡ ዘይንጸል ክፍሊ ናይዚ ተልእኾ እዚ ምብዛሕ ኣጽዋር ደረት ንምግባርን ጠንቂ ዓለም ለኻዊ ምጕዳል ኣጽዋር ንምድንፋዕን ምጽዓር ዘጠቓልል ምዃኑ ብኣጽንዖት የብርህ።

እታ "ገበርቲ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ" ዘርእስቱ ሰነድ መእተውን ነፍሲ ወከፍ ንሓደ ርእሰ ጉዳይ ዝምርምር ሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዘን ምርጋፍ ኣጽዋርን ጠንቂ ዓለም ለኻዊ ምጒዳል ኣጽዋር ንምድጋፍ ተግባራዊ ሓሳብ ብምቕራብ ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት፥ ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት

ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቶም ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን “ነተን ኑክሌየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ኑክሌየሳዊ ኣጽዋረን ክፈትሓ ብጽንዓት” ጻውዒት ብምቕራብ፡ ካቶሊካውያን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምትእምማንን ዘተን ሃዋህው ንምምዕባል፡ ነቲ ስነ - መጐት ፍርሒ ብስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት ምምካት ይግባእ እንክብሉ  ዘቕረብዎ ጻውዒት ብግቡእ ንምምላስ ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም የጒልሑ።

ወተሃደራዊ ወጻኢታትን ልምዓትን

ካልኣይ ክፋል እቲ ሰነድ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንሓፈሻውን ምሉእን ምርጋፍ ኣጽዋር ዘቕረበቶ ጻውዒት ዝምርምር ኮይኑ፡ እቲ ሰነድ ከም ዝገለጾ እዚ ቓል ብቓሉ ዅሉ ኣጽዋርን ናይ ምክልኻል ክእለትን ምውጋድ ማለት ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዳኡስ ጃምላዊ ቅትለ/ዕንወት ዜምጽእ ኣጽዋር ምጥፋእን ልሙድ ኣጽዋር ምቁጽጻርን ንድኽነት ንምቅላስ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ምንካይን ንሰላም ዚሕግዝ መጋበርያ ምድልዳል ከም ዘድሊ የተሓሳስብ።

ምቁራጽ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ቀተልቲ - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን

ሳልሳይ ክፋል ድማ፡ ኣጠቓቕማ ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ቀተልቲ ርእሰ - ምሕደራዊ ስርዓት ዘለዎ ኣጽዋር ማለት ብሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ዝምራሕ ኣጽዋር ዝምልከት ኮይኑ፥ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጽዋር ኣብ ምምዕባልን ምጥቃምን ከምኡውን ሓድሽ እደ ጥበባዊ ምዕባለ / ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኣገልግሎት ደቅሰብ እምበር ኣብ ምጥፋእ ፍጥረትን ተፈጥሮን ከይውዕል ስነ ምግባራዊ መምርሕትታት ክግበረሉን ዝጽውዕ ከም ዝኾነን፡ እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ምስትውዓልን ኣብ ኣገልግሎት ደቂ ሰባት ክብረት ሰብን ፍጥረት ክውዕል የተሓሳብ።

ዓባይ ብሪጣንያ ንሰላም ዓለም ንምድጋፍ ሓያሎ ስጒምትታት ክትወስድ ጻውዒት

እቲ ሰነድ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ሰላም ንምድጋፍ እተፈላለየ ስጕምትታት ክወስድ ብፍላይ ይዕድሞ። ኑክልየሳዊ ኣጽዋራ ሓዲጋ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ኣብ ምፍጣር ምሕጋዝ፣ ነቲ ኑክልየሳዊ ቕድድም ኣጽዋር ደው ንምባል ኣብ ትሕቲ ውዕል ዘይምብዛሕ ኣጽዋርይ/ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘሎ ግዴታታታ ንምፍጻም፣ ብብዙሕ ወገን ዚግበር ምጕዳል ኣጽዋር ንምድንፋዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጽዋር ንኸየስፍሕ ከምኡውን ብቕልጡፍ ንምንካይ ጻዕሪ ንምግባር፣ ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዚኽልክል ውዕል ንምፍራምን ንምጽዳቕን ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ኣብቲ ውዕል ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ኽትጽመድ ክሳብ እዚ እዋን እዚ፡ ኣብ መጻኢ ኣኼባታት ፈረምቲ እቲ ውዕል ከም ተዓዛቢ ምክፋል ሓዊስካ ምስቲ ማዕቀፍ ውዕል ትርጉም ዘለዎ ምትእስሳር ምግባር። ብተወሳኺ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ኒዩክሌየሳዊ ኣጽዋር ዝውዕል ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸጋታት ናብ ምድንፋዕ ኣድማሳዊ ሓባራዊ ረብሓ ከቕንዖ ይሓቱ።

ካቶሊካውያን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ

“ገበርቲ ሰላም ንኽኾኑ ዝተጸውዑ” ኣብ ዝብል ኣርስቲ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ብምቕራብ፥ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ነቲ ኢየሱስ ኣብዛ ሽግር ዘለዋ ዓለምና ከም ገበርቲ ሰላም ደው ክብሉ ዝሃቦ ጻውዒት ክሰምዑ ይላቦ፣ የሱስ ባዕሉ ኣብ ዓመጽ ዝመልኦ ግዜ ከምዝነበረ፣ ግን ከኣ “ሱር በተኻዊ ጸረ ባህላዊ ኣገባብ ምለት . . . ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽን ዘይጎነጻዊነትን ባህሊ የቕርብ።”

ብመሰረት እቶም ጳጳሳት ካቶሊካውያን ነዚ ተልእኾ እዚ ከሰጉሙ ዝኽእሉሉ ብዙሕ ግብራዊ መገድታት ኣሎ፡ ንኣብነት ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝሰርሑ ትካላት ብምጽንባር፤ ንፖለቲካዊ ወከልቲ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣብ ተሓታትነት ወፍሪ ምክያድ፤ ነዚ ትምህርቲ እዚ ናብ ሰበኻታትን ኣብያተ ትምህርትን ምምጻእ፡ ወይ ድማ ኣብ ህዝባዊ ምርኢታት ደገፍ ንሰላም ምስታፍ ዝብሉ መዳያት ይቕርቡ።

25 May 2024, 17:16