ድለ

ዓለም ለኸ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቓዛ ንዝተፈጸመ ቅትለት ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ረድኤት ኮኒኑ ዓለም ለኸ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቓዛ ንዝተፈጸመ ቅትለት ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ረድኤት ኮኒኑ 

ዓለም ለኸ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቓዛ ንዝተፈጸመ ቅትለት ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ረድኤት ኮኒኑ

ዋና ጸሓፊ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ቓዛ ኣብ ሎዕሊ ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ኣባላት ግብረ ሰናይ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብኣጽንዖት ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ባይቶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC) ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛ ሓይሊ ምክልኻል ኣስራኤል ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንማሕበር ግብረ ሰናይ ወርልድ ሴንትራል ኪኸን ዘገልግሉ 7 ሰባት ብምቕታሉ ኣብቲ ካብ መላእ ዓለም ኣብ ዝቐርበ ዘሎ ብጽንዖት ዝኹንን መገልጺ ይጽንበሩ።

እቶም ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰራሕተይናታት ግብረ ሰናይ ዜጋታት ኣውስትራልያ፣ ብሪጣንያ፣ ፖላንድ፣ ሓደ ፍልስጤማዊ ድርብ ኣምሪካን ካናዳን ከም ዝኾኑን ዕለት 2 ሚያዝያ ምሸት ናብቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ህዝቢ ፍልስጤም ኣዝዩ ዘድሊ መግቢ ኣብ ምጉዓዝ እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናጻ መርመራ

መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቅትለት ጌጋ ምዃኑን ሰራዊት እስራኤል ነቲ ፍጻመ ምሉእ መርመራ ክገብር እዩ እንክብል ቃል ከም ዝኣተወን፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብ ጥምየት ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዘድሊ መግቢ ንምቕራብ ዘካይድዎ ስርሒት ደው ንኸብሉ ዝደረኽ ኮይንዎም ከም ዘሎን፡ ኣብ እስራኤል ነቲ ኣብታ እተኸበበት ፍልስጥኤም ዘሎ ሓደገገይና ሰብኣዊ ኵነታት ንምቅላል ስጕምቲ ክውሰድ ዝጠልብ ኣህጉራዊ ጸቕጥታት ክብ ከም ዘበሎ ይንገር።

ሰብኣዊ ሰራሕተይናታት ኣብ ግጭት ዒላማ ክኾኑ ፈጺሞም የብሎምን

ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም መጋቤ ጀሪ ፒላይ፡ ነቲ ቅትለት ኮኒኖም ንስድራን ፈተውትን ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልኽቲ ከም ዘመሓላለፉን። ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ሰራሕተይናታት ኣብ ግጭት ዒላማ ክኾኑ ፈጺሞም የብሎምን ቢሎም፥ "ከምዚ ዓይነት ህይወት ንጹሃት ሰባት ዝወስድ መጥቃዕቲ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉን ብዝኾነ ደረጃ ክምኽነይን ኣይክእልን እዩ . . . ኩለን ኣባላት ኣብያተ ክርስቲያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ቓዛ ንፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ኣብ ጸሎት ድምጸን ከስምዓ ንዕድም" ቢሎም፥ ነቲ ዕለት 25 መጋቢት ዝሃቦ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ጅሆታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዝጠልብ ውሳኔ ክትግበር ዝጽውዕ መግለጺኦም፡ “እዚ ትርጉም ኣልቦ ቅትለት ንጹሃት ሰባት ደው ክብል ኣለዎ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ጋዛ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣስታት 200 ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓማስ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ እቲ ውግእ ካብ ዚባራዕ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ 200 ዝዀኑ ሰራሕተይናታት ረድኤት ከም ዝተቐትሉ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ቀቢጸ ተስፋ ዝኾነ ኩነታት ንምብዳህ ዝሕግዝ ካብ ቆጵሮስ ብመራኽብ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ጻዕርታት ንኽቋረጽ ዝድርኽ ክኸውን ይኽእል ዝብል ስግኣት ከም ዝፈጠረን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ ፍልስጤም ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ካብ መላእ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ስክፍታታት እናዓሞቐ ይኸይድ ምህላዉን፡ እዚ ድማ መላእ ህዝቢ ቓዛ ከቢድ ውሕስነት መግቢ ከምዘጋጥሞን ድሮ ኣብቲ ከባቢ ጥምየት ከም ዝኣተወን ዘረጋግጽ ስክፍታ እውን ምዃኑ ይንገር።

04 April 2024, 17:17