ድለ

ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን መራሕቲ ወጥሪ ግጭት ቓዛ፡ ንህዝቦም ዝያዳ ስቓይ ከየስዕብ ይሰግኡ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን መራሕቲ ወጥሪ ግጭት ቓዛ፡ ንህዝቦም ዝያዳ ስቓይ ከየስዕብ ይሰግኡ  (AFP or licensors)

ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን መራሕቲ ወጥሪ ግጭት ቓዛ፡ ንህዝቦም ዝያዳ ስቓይ ከየስዕብ ይሰግኡ

ሓዋርያዊ ህየንተ ሰበኻ ሃለፖን ኣብ ደማስቆ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግጭት ክሰፍሕ ከም ዝኽእል ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ንሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ስቓይ ሶርያውያን ዘኪሮም ሰላም ክወርድ ስለ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምስጋናኦም የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ሰሚር ናሳር፡ እስራኤል ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ልኡከ መንግስቲ ኢራን ዘካየደቶ ቀታሊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ቀጻሊ ስቓይ ሶርያውያን ከጋድዶ ይኽል ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ሓቢሮም ማሮናዊ ሊቀ ጳጳሳት ኣለፖ ምስ ኤሽያን ኒውስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ንኹነታት ሶርያ "ሰባት ዋላ ንእሽቶ ጸገም ንምፍታሕ ብቐጻሊ ቁራጽ እንጀራ፡ ነዳዲ፡ ኩሉ ዓይነት መድሃኒት ዝደልዩሉ" ዝተረሰዐ ክውንነት እንክብሉ ይገልጽዎ።

እስራኤል ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ልኡከ መንግስቲ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ 7 ኢራናውያንን ሽዱሽተ ዜጋታት ሶርያን ዝርከብዎም 13 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ንኢራናዊ ጀነራል መሓመድ ረዛ ዛህዲ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ምኽትሉ መሓመድ ሃዲ ሓጅርያሂሚን ዒላማ ከምዝገበረት ይግለጽ። እስራኤል፥ እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ምልሻታት ሂዝቦላህ ኣጽዋር ዘቕርቡ እያቶም ብምባል እውን ከም እትኸሶም ይንገር።

ስክፍታ ምብራኽ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንእስራኤል በቲ ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ “ግብረ መልሲ ክወሃባ” ምዃኑ ከም ዝገለጸን ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዘሎ ስንኩፍ ኩነታት ከጋድዶ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኩሎም እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ዝምልከቶም ሰባት ነቲ ወጥሪ ካብ ዘጋድዶ ተግባራት ኩሉ ክቑጠቡ" ጻውዒት ከቕርብ እንከሎ፡ ቅድሚ’ቲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ደማስቆ ዕለት 1 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሰሜን ሶርያ ዒላማታት ከምዝሃረመት ክንገር እንከሎ፣ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ከም ዝሞቱ ኤሽያን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

'ዝተረሰዐ' ግጭት ሶርያ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ዓ.ም.  ሓዋርያዊ ህየንተ ኣለፖ ኮይኖም ዝተመዘዙ ጳጳስ ሃና ጃሉፍ፡ ነቲ ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት “ንልዕሊ 13 ዓመታት ዝጸንሐን መብዛሕትኡ ዝርሳዕ ዘሎን ግጭት” ንማሕበረሰብ ዓለም ብምዝኽኻር ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሰንበት ፋሲካ ዝገበርዎ ቢሎም፥ "ብሓቂ ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ዓለም ንሶርያ ዝረሰዐት ትመስል፡ ኣብዚ ግና ገና ኲናት ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ እቲ ብሰንኪ ርእደ መሬት [ዕለት6 ለካቲት 2023 ዓ.ም.] ዘስዓቦ ዕንወት ከም ዘጋደዶን ር.ሊ.ጳ. ናብ ሶርያ፡ ሰላምን ራህዋን ምእንቲ ክምለስ ኣቓልቦ ዓለም ንምምላስ ስለ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድማ ነመስግኖም።"” ክብሉ ጳጳስ ጃሉፍ ወሲኾም ይገልጹ።

ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀጽሪ ልኡከ መንግስቲ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርእይቶ ክህቡ እንከለዉ፥ "ሕጂ ኣዝዩ ዝያዳ ፍርሒ ኣሎ ምኽንያቲ ኣብ ልዕሊ ብኣህጉራዊ ውዕላት ዝሕለው መሬት መጥቃዕቲ ምፍጻም ብዙሕ ጠንቂ ክህልዎ ስለ ዝኽእል” ምስ በሉ "ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ኣጽዋር ስቕ ክብልን ንሊባኖስ እውን ዝዓብልል ናብ ዞባውን ዓለማውን ኲናት ዝመርሕ ምዕባለ ከይህሉ ንጽሊ" ኢሎም።

04 April 2024, 17:19