ድለ

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምግፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ዕድልን ብድሆታትን የቕርብ! ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምግፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ዕድልን ብድሆታትን የቕርብ!  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምግፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ዕድልን ብድሆታትን የቕርብ!

ሕብረት ኤውሮጳ ሓደስቲ ኣባላት ንምሕዋስ ዝብል ዘለዎ ውሳኔ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) እዚ ተኽእሎ ተስፋን ዕድላትን ዝህብ እኳ እንተኾነ ብጭቡጥ ክግጠሙ ዘለዎም ተኸታታሊ ብድሆታት እውን ዘቕርብ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መጻኢ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ካልኦት ኣብ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገርት ክጽምበራ ዝብል ናይቲ ሕብረት ውጥን ብምድጋፍ፡ "ኣብ ኣህጉርና ንምርግጋእ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድር ኣድላዩ" ጥራይ ዘይኮነስ፡ "ንዜጋታት ሕጹያት ሃገራት ሓያል ናይ ተስፋ መልእኽቲ" ዝውክል እዩ። “ብሰላምን ፍትሕን ክነብሩ ንዘለዎም ድሌት" መልሲ እውን እዩ እንክብሉ የብርሁ።

እዚ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት (COMECE) መግለጺ፡ ዕለት 22 ሚያዝያ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ 2004 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳ ብኣባል ሃገራት ዘረጋገጾ ናይ ምስፋሕ ዕብየት፡ ድሕሪ እቲ ካብ ዕለት 17 – 19 ሚያዝያ ኣብ ፖላንድ ከተማ ሎምዛ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኤውሮጳ ብግብራዊ ምትሕግጋዝ ዝተጠርነፈት

ኣብቲ፣ ኤውሮጳ ኣብ ምሕናጽ ብሓባር ንስጉም ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መግለጺ፣ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ብኣባል ሃገርት ምዕባይ ዝብል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ እዚ እቶም ሓደስቲ ኣባላት ክዀኑ ዝኽእሉ፡ "ኣብ ወሳኒ መዳያት ተሓድሶ" ክገብሩ ከም ዘለዎም ከምኡውን ሕብረት ኤውሮጳ ንባዕሉ ንሓደስቲ ኣባላት ብግቡእ ሓጎፋይ ቢሉ ክቕበል እውን ኣገንዚቦም፡ ኣስዒቦም ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ዩክሬይን ንመጻኢ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባር ሓድሽ ናህሪ ከም ዝፈጠረ" ብፍላይ ድማ ኣብ ባልካንን ምብራቓዊ ኤውሮጳን ዝርከባ ሃገራት ኣባላት ንኽኾና ዝድርኽ ናህሪ ከም ዝፈጥር ዘለዎም እምነት እውን ገሊጾም፥ እዚ "ኣብ ግብራዊ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ስምርቲ ኤውሮጳ ዝብል ሓሳብ ንምእዋን ዕድል" ምዃኑ ይገልጹ። ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ዜጋታትን ፖለቲከይናታትን “ኣብ ናይ ሓባር ክብርታትን መሰረትን ከም ኤውሮጳዊት ስድራቤት ዘራኽበና ፍሉይ ምትእስሳርን ኣብ ዓሚቝ ኣስተንትኖ” ክዋፈሩ ዓዲሞም።

'ክልተ ኣንፈት ዘለዎ መስርሕ'

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቶም ጳጳሳት “ምጽንባር ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክልተኣዊ መስርሕ ምዃኑ” ኣነጺሮም።

ክልቲኦም "እተን ኣብ መጻኢ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ክኾና ዝምነያ ሃገራት ኣብ ወሳኒ መዳያት ኣድላዪ መዋቕራዊ ጽገናታት ኪደታተን ክቕጽላ ከምዘለወን" ከምኡ'ውን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዚ መስርሕ ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ተኣማኒ ክኸውንን፡ "ጭቡጥ ስጉምትታት" እውን ክወስድ ከምዘለዎ የስተብህሉ።

ነቶም ሕጂ ዘለዉን ኣብ መጻኢ ዝህልዉን ብፍላይ ተኣፋፍያን ኣባላት ሕብረተሰብ ብውጽኢታውን መገዲ ንኽዋስኡ ንምፍቃድ ኣገባብ ምሕደራኡ ዳግማይ ክሓስበሉ” ከምኡ’ውን “ምትዕርራይ ኣብ ሚዛን ገንዘብ ቅርጽታት፡ መምርሕታት ወይ መዳያት ምትሕብባርን” ዘስዕቦ ማሕታ ኣብ ግምት ከእቱ ከም ዘለዎ ይሕብሩ።

ጳጳስ ክሮቺያታ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ምርጫ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ

ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ማሪያኖ ክሮቻታ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ጽድያ፥ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝመጽእ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ንምሕያል ሕብረት ዘለዎ ዋጋ ብምስትውዓል፡ ተሳትፎ ዜጋታት፡ "ካብ ምእመናንና ጀሚሩ"፡ ንሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንምሕጋዝ "ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ተራ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ብምምዕዳው . . . ኣብታ ምልዕዓል ሓደስቲ መሪሕ ሓይልታት እትርኢ ህብረ - ውልትውቲ ዓለም፡ ሕብረት ኣውሮጳ ብውሽጣዊ ባእሲ እተገማመዐ" ከምኡውን "ብሓደ ድምጺ ክዛረብ ዘይኽእል ምዃኑ ዝረአ ኩነት ዝለዓለ ዋጋ ዘኽፍሎ እዩ ዝኸውን” ቢሎም፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2004 ዓ.ም. ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰፍሐሉ ዝኽሪ እናሓሰቡ፡ እቶም ኣቡናት ምስ እተፈላለዩ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ሰባት እተፈላለየ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ኣብኡ ኸኣ እቲ መስርሕ ምስፋሕ ዝረኸቦ ኣሳልጦን ፍሽለትን ከም ዝገምገሙን ነቲ ኣብ መንጎ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ህብረትን ተቕዋማት ሕብረት ኤውሮጳን ዝግበር ዘተ ንምህብታም ብዝብል ሓሳብን ድላይን ተደሪኹ ከም ዝኾነ ገሊጹ እቲ ዚቕጽል ዓብይ ኣኼባ ካብ 27 ክሳዕ 29 ሕዳር 2024 ኣብ ብራስልስ ንኸካይድ ቆጸራ ከም ዝሓዘ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

23 April 2024, 15:40