ድለ

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ተራ ንምድልዳል ምሕጋዝ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ተራ ንምድልዳል ምሕጋዝ  

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ተራ ንምድልዳል ምሕጋዝ

ሞኒካ ሳንታማሪና ኣደ መንበር ዓለም ለኸ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ (WUCWO) ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ክፋል ሲኖዶስ ናይቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክረ ሲኖዶስ ንምድላው ብምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ዝካየድ ዘሎ ምስንዳዋት ኣማእኪለን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣገባብ ሲኖዳውነት ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ተልእኾ ኣብ እትርከብ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ዕሚቝ ምግባር” ዕላማ ናይቲ ዕለት 23 ሚያዝያ ብመርበባዊ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሉ ዓለም ለኸ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ ንኽካየድ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ተራ ንምድልዳል ምሕጋዝ ኣብ ዝብል መሰረተ ሓሳብ ኣብ ማዕቅፍ ፍኖት ሲኖዳውነት ዝመክር እዩ ቢላ ተመላኽት።

ቤት ትምህርቲ ሲኖዳውነት

ኣደ መንበር ዓለም ለኸ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሞኒካ ሳንታማሪና ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ እማመ ኣካል ቤት ትምህርቲ ሲኖዳውነት ምዃኑን በዚ መደብ ኣቢለን ኣብተን ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝርከባ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ይወስዳ ከምዘለዋ ሓቢራ። ነተን ንኣሽቱ ጉጅለታት ክመሓደሩን እቲ ዝካየድ ዘተ ብመሰረት ውዕውዕ ንጥፈታት ኣቢሉ ዝዕምብብ ምዃኑ ዘረጋግጽን ኣብዚ መደብ እዚ እውን ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ 1400 ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር ትብል። እቲ ኣኼባ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊት ሓሳባ ከካፍልን ካልእ ተመኩሮታትን ኣረኣእያታትን ከስምዓን፡  ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መሰረት (እንግሊዝኛ፡ ስጳኛን ፈረንሳን) ንኣሽቱ ጉጅለታት ዕዮ ንምፍጣር ዘኽእል ኣብዚ መደብ ንምስታፍ ክሳብ ዕለት 18 ሚያዝያ ምዝገባ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ሓቢራ ክናዋሕ እውን ዝኽእል እዩ ትብል። ብጀካ እዚ ንኻልኣይ ኣኼባ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ንምድላው ዝሕግዝ ምስክርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምክፋል ዝሕግዝ ተኸታታሊ ናይ ምስማዐ ርእየት መደባት ከበግስ እውን ከም ዝኾነ ትሕብር።

መንፈሳዊ ህያባትን ዓቕምን ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለጸ ምጥቃም

ኣስዒባ “ንመንፈሳዊ ህያባትን ዓቕምን ደቂ ኣንስትዮ” ብዝበለጸ ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ፡ ብተመሳሳሊ ውጽኢት ናይቶም ዝካየዱ መደባት ዘተ ንዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስን ንህዝብን ንኽፈልጥኦን ነቲ ዝጸንሐን ዘሎን ኣገልግሎትን ተራን ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕዋስ ዝሕግዙ መንገድታት፡ ከምኡ’ውን ዝድለ ለውጥታትን ኣገዳሲ ምዃኑ ምስትውዓል ክህሉ ዝድግፍን ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ዘደልድልን እዩ ምስ በለት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንዕዮ ዓለም ለኸ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርዎ ደገፍ ፍናን ገሊጻ። ብሓቂ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ተራኺቦምን ነቲ ናይቲ ማሕበር “ውጥናት ብሓቂ ከም ዝነኣድዎን፡ ነዚ እውን ኣብ ዝተኻየዱ ርካባት ብምትብባዕ ናብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንምብጻሕ ዝድርኽ እንፍጽሞ ዕማም ክንቕጽለሉ ድማ ምዒዶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ እነካይዶ ጻዕሪ ክፍለጥ ናይ ምግባር ሓላፍነት እውን ከም ዘለና ሓቢሮምና ኢዮ።” ቢላ ዝሃብቶ መግለጺ ትዛዝም።

18 April 2024, 16:37