ድለ

ኣቢያተ ክርስቲያን ሃገራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ብዛዕባ ኣገልግሎት ንስደተይናታት መኺረን ኣቢያተ ክርስቲያን ሃገራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ብዛዕባ ኣገልግሎት ንስደተይናታት መኺረን  (ANSA)

ኣቢያተ ክርስቲያን ሃገራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ብዛዕባ ኣገልግሎት ንስደተይናታት መኺረን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ሃገራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ከንቲባታትን ጳጳሳትን ኣብ ፈረንሳ ከተማ ማርሴል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም እተሳተፉ ክዝከር እንከሎ፡ ሃገራት ዞባ ሜዲትራኒያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ስደተይናታት ዝተዋደደ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምቕራብ ኣኼባ ኣካይደን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ነቲ ጥንታዊ ቤተ-ምርምር ሰላም ዝብል ጸዋዕታኡ ክምለስ ካብ ማርሴል ጻውዒት ካብ ዘቕረብሉ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስደተይናታት ዚዓዩ ሓምሳ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ወደባዊት ከተማ ፈረንሳ ተኣኪቦም ነቶም ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱን ክስደዱ ንዝፍትኑ ስደተይናታት ብኸመይ ዝሓሸ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ ምቅራብ ኣብ ዝብል ዛዕባ ከም እተመያየጡን ኣብዚ መዳይ እውን ምትሕብባር ከደልድሉ ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓባራዊ ስርዓተ መርበብ

ኣብቲ ካብ ዕለት 4 - 8 ሚያዝያ ናይ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝነጥፉ ጓሶትን ብሰበኻ ማርሴል ብሓባር ኣብ ዝወደብዎ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ፡ ካብ ሞሮኮ ቱኒዝያ ኣልባንያ ግሪኽ ስፓይና ኢጣልያ ቅድስት ምሬትን ፈረንሳን ዝመጹ ተጋባእይና፡ ንስደተይናታት ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ዘጋጥሞም ብዙሕ ብድሆታትን... ብዛዕባ ተስፋታትን ሓባራዊ ስርዓተ መርበብን ኣብ ዝብል ጉዳይ ተመኩሮታቶም ከም ዘካፈሉን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ማርሴል ካርዲናል ዣን ማርክ ኣቨሊን ኣብቲ ዓውደ ዘተ ተረኺቦም ነዚ ውዑይ ናይቲ ዞባ ጉዳይ ኪኖ ስነ ሓሳብ ምምልካትን ንቕሓት ምዕባይን ህጹጽ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኪኖ ህልዮ ምስግጋር

ካርዲናል ኣቨሊን ምስ ዜና ኣቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ ጉዳይ እዚ ናይ ዘመንና ዘይትሃድሞ ብድሆ ምዃኑ ኣጽኒዖም፣ እቲ ቀዳማይ ስደት ኣካል ታሪኽና ምዃኑ ንሰባት ምዝኽኻር። እዚ ብፍላይ ኣብ ከም በዓል ማርሴል ዝኣመሰላ ቆዝሞ - ጶሊታውያን ኣብ ዝኾና ከተማታት ዝርአ ሓቂ ምዃኑ ኣመልኪቶም: “ኣብ ታሪኽና ዓሚቕ ዳህሳስ እንተንክገብር: ኩላትና ካብ ዋንደር ኣርመንያን ከም ዝመጻና ምፈለጥና” ቢሎም፡ እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ስደተይናታት ሓተትቲ ዑቕባን ዝገልጽ ዘብጻብ ምስማዕ ዝብል ኮይኑ፡ ማለት ታሪኽ ህይወት ካልእ ሰብ ምስማዕ” ኣብ መወዳእታ፡ “ብዛዕባ ስደተይናታት ካብ ብዝብሃል ዝህልው ሓበሬታ ኣብ ኩነታቶም ህልው ብምዃኑ ጭቡጥን ቀጥታውን ሓበሬታ ምእካብ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ዘተ ከም እተገበረሉ ድማ የመላኽቱ።

ካብ ቁጽሪ ንላዕሊ: ዛንታ ስደተይናታት ምስማዕ

ስደተይናታትን ሓተትቲ ዑቕባን ቁጽሪ ዘይኮኑስ፡ ወጅሆታቶምን ዛንታታቶም ምስማዕን ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ከም እተሰመረሉን፥ ናይ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ዛንታን ዝሓላለፍዎ ጉዕዞ ዘቋረጽዎ መስመራት ኣበይ እንታይ የጋጥሞም ነዚ ኹሉ መረዳእታ ዝህብ ብቐጥታ ታሪኾም ካብኣቶም ዝሰመዐን እዚ እውን ሓደ ነቲ ክህሉ ዘለዎ ማለት ንናይ ስደተይናታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክውን ይገብሮ እንክብሉ ይሕብሩ።

ኣብ ሜዲትራኒያን ዝጠፍኡ

ኣባ ኣንቶንዮ ኤክሰልማንስ፡ ካብ 2016 ዓ.ም.  ጀሚሮም ኣብ ሞሮኮ ዘገልግሉ ካህን ኣባል ማሕበር ህያብ እምነት ካህናት ሰበኻ፡ ኣብ ካዛብላንካ ንዝርከቡ ስደተይናታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ነቲ መቓብር ስደተይናታት ኮይኑ ዘሎ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተይናታትን ሓተቲ ዑቕባን ዘሕዝን ተመክሮታት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ከምኡ እውን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ካብ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ጀሚረን ኣብ ላምፔዱዛ ኣብ ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ዝተዋፍራ እናቴ ኣንቶኒየታ ፓፓ ነዚ ዘሕዝን ኣብ ልዕሊ ዝስደተይናታት ዘጋጥም ፍጻመ ብውልቀን ኣብ ገማግም ባሕሪ ላፐዱዛ ከም ዝረኣየኦ ሓቢረን፡ “ኣብታ ደሴት ንዘለዉ ስደተኛታት ክንቅበሎም ከለና ሳንዱቕ ሬሳታት ክሓልፍ እውን ንርኢ . . . ቢለን ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ናይ ሓቲ ጓል 15 ወርሒ ህጻን ሬሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱዛ ክርእያ ብሓቂ መሪርን ጓህን ዝመልኦ ተመክሮ እዩ ቢለን . . . ኣብዚ ድማ እቲ ንስደተይናታትን ንዑቕባ ሓተትቲ ዝወሃብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ፡ ንስደተይናታት ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህልቂት ንምድሓን ዝኣተመ እውን ከም ዝኾነ የመላኽታ።

ዞባ ባልካን

ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራባዊ ባልካን ኣብ ዝርከብ መስመር ስደት ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ከም እተመያየጡን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣስታት 130,000 ሰባት ብቱርኪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉን ብዙሓት ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ባንግላድሽን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኮይኖም፡ እተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ናይ ሃይማኖት ምስምልና መራሕቲ ወዲበን መንፈሳዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝገብራ እውን ኣብ ኣልባንያ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ምኽትል ዋና ሓላፊ ኣሪኤላ ሚትሪ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ ኣብ ዝሃብቶ ምስክርነት ከም ዝገለጸት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣበርክቶ ስደተይናታት ኣብ ሕብረተሰብ

ብኣንጻሩ ሓያሎ ተሳተፍቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ንስደተይናታት እትሰርሖ ስራሕ’ውን ኣብ ገለ ከባብያዊ ማሕበረሰባት ናይተን ዘአንግዳ ሃገራት ዳግማይ ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ምሕያል ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣስተብሂሎም። ኣባል ማሕበር ዶሚኒካውያን ኣባ ኻቪየር ጎሜዝ ናይ ስፐይን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ እውን ብወገኖም፡ ስደተይናታት ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ መበቆል ሃገሮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቁጠባ እተን ዘአንግዳ ሃገራት እውን ኣበርክቶ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም ይኹን’ምበር፡ እዚ ማለት ከም ክምዝመዙ ዝግበኦም ግኡዝ ነገር ክሕሰቡ ኣለዎም ማለት ግን ከምዘይኮነ እንክብሉ ኣጠንቂቑ። ነዚ እዮም ድማ ጳጳሳት ስጳይና ‘እትላቲካዊ እንግዶት’ ዝብል ውጥን ዘበገሱ፡ እዚ ውጥን እዚ ኣብ ስፓይናን ኣፍሪቃን ዝርከባ 26 ሃገረ ስብከታት ዘሳተፈ ሓባራዊ ጻዕሪ ኮይኑ፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ በጽሑ ኣብ መተሓላለፊ ንዝርከቡ ስደተኛታት ውሑስ ቦታታት ንምሃብ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ማእከላይ ባሕሪ ከገልግል ዝኽእል ብሓቂ ቤተ ክርስቲያናዊ ስርዓተ መርበብ ኣብነት እዩ ይብሉ።

09 April 2024, 15:22