ድለ

ናይ ጃካርታ ካርዲናል ሱሃርዮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝራኸብዋ ሃገረ ኢንዶነዥያ ይገልጹ ናይ ጃካርታ ካርዲናል ሱሃርዮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝራኸብዋ ሃገረ ኢንዶነዥያ ይገልጹ  (AFP or licensors)

ናይ ጃካርታ ካርዲናል ሱሃርዮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝራኸብዋ ሃገረ ኢንዶነዥያ ይገልጹ

ኣብ ኢንዶነዥያ ናይ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኢግናጽዮስ ሱሃሪዮ ሃርድጆትሞድጆ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ክበጽሑና ብሓባር ምስቲ ውሁድ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኢንዶነዥያ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከም ዘለዉን ከምኡ እውን እቲ ህዳጣን መጓሰ ካቶሊክ ከኣ ኣብታ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰዓቢ ሃይማኖት ዘለዋ ሃገር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ኣብ ሰላም ከም ዝነብርን ከምኡውን ብዛዕባ ምስክርነት እስያውያን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ መስከረም 2024 ዓ.ም. መበል 45 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣብ ሰለስተ እስያውያን ሃገራትን ኣብ ሓብቲ ኦቻይናዊት ሃገር ከካይዱ ከም እተወሰነ ቅድም ክብል ከም እተሓበረን ቅዱስነቶም ኣብዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ እዚ መጀመርያ ናብታ ሃገር ኢንዶነዥያ ክበጽሑ እዮም። ቅድሚ ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ቲሞር- ኢስትን ሲንጋፖርን ምኻዶም ኣብዛ ካቶሊካውያን ልዕሊ 8 ሚልዮን ወይ ድማ 3.1 ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህብዚ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝሽፍን ብብዝሒ ኣስላም ኣብ ዝነብሩላ ሃገር ካብ ዕለት 3 - 6 መስከረም ዝጸንሕ ዑደት ከካይዱ እዮ።

ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢንዶነዢያ ናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኢግናጽዮስ ሱሃርዮ ሃርድጆኣትሞድጆ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም

ካርዲናል ሱሃርዮ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኸመይ ትቕበልዎ?

ብውዕዉዕ ስምዒት። ማሕበረሰብ ካቶሊክ ጥራይ ዘይኮነስ ዓቢ ኢማም ናይ መንግስቲ መስጊድ ኢስቲቕላል ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ካብ ቫቲካን ብወግዒ ሓበሬታ ምውጻእኡ ብዛዕባ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓበሬታ ዝሃቡ እውን ኮታ እዚ ምብጻሕ መላእ ህዝቢ ብዓቢ ሓጎስ ዝጽበዮ እዩ።

ዝምድና ቫቲካንን ኢንዶነዥያን ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ። ቫቲካን ካብተን ንኣዋጅ ናጽነት ኢንዶነዥያ ኣፍልጦ ካብ ዝሃባ ሓሙሽተ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ 1947 ዓ.ም. ድሮ ኣብ ጃካርታ ሓደ ሓዋርያዊ ወኪል ከም ዝቖመን እዚ ድማ ምሉእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንምዃን ከም ዝበቐዐን፡ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ፣ ኣካላዊ ህላወ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንነገር ቅዱስነቶም ዝልግስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድዩ ዓዋዲ መልኽትታት ኮታ ኩሉ ስልጣናዊ ትምህርቶም ነቕርበሉ።

ኢንዶነዥያ እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘለዋ እስያዊት ሃገር እያ፡ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ 3.1 ሚእታዊ ዝሽፍን እዩ። ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ መጓሰኹም፡ ንር.ሊ.ጳ. ከአንግድ ዝጽበ ዘሎ እንታይ ክትነግሩና ትኽሉ፡ ኣብታ ሃገር ካቶሊክ ምዃም ከመይ ይመስል?

ኢንዶነዥያ ኣዝያ ዓባይ ሃገር እያ፣ ብዙሓት ደሴታት፣ ዳርጋ 17 ሽሕ እያተን ብዙሓት ቀቢላታት ዝሓቖፈት፣ ልዕሊ 1300 ብሄራት ዘለዉዋ፣ ብዝሓ ባህልን ብዝሓ ሃይማኖትን ዘለዋ እያ። ሓቂ እዩ ኢንዶነዥያ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር እያ። ኣብ ኢንዶነዥያ ዘሎ እስልምና ኣብ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃገራት ምስ ዘሎ ሃይማኖት ምስልምና ሓደ ኣይኮነን። ኣብ ኢንዶነዥያ ክልተ ዓበይቲ እስላማውያን ውድባት መሓመድያንን ናህድላቱል ኡላማን ዝበሃላ፡ ክልቲአን ኣዝየን ክፉታትን ተጻዋርነትን ዘለወን እየን። እዚ እዩ ከም ዜጋታት ብሓባር ንኽንነብር ዘብቅዓና። ኣነ ንባዕለይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታት ኢንዶነዥያ ብደረጃ ማእከላይን ዞባውም ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ዝምድና ኣሎኒ።

ብመሰረቱ ኣብ ኢንዶነዥያ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣሎ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ክውንነት ግን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምዕቃብ ኣዝዩ ዕቱብ ይመስል። ስለዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም ኩሉ ዜጋ ኢና እንነብር። ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ እንኮላይ ኣብ ትካላት መንግስቲ ክንሰርሕ በቒዕና ኢና። ሰንበት ሰንበት ሰባት ናብ ቤተ ክርስቲያን ይኸዱ። ገሊኦም ናብቲ ኣምልኾ ዚግበረሉ ቦታ ንምብጻሕ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ እውን ኣለዉ። ብሓፈሻ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ኢና እንነብር። ኣብ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝሰርሑ እውን ኣለዉ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ከም ኣባላት ሕብረተሰብ እዩ ዝነብር። ዝተፈላለየ ሃይማኖት እኳ እንተሃለወ ከም ደቂ ሃገር ብሓባር ምንባር ንቡር እዩ። አረ ኣባላተን ካብ እተፈላለየ ሃይማኖታት ዝዀኑለን ኣባይቲ ስድራ ውሑዳት እውን እንተኾና ዘሎ ሓቂ እዩ። እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይሕሰብ ክኸውን ይኽእል። ውሑዳን ካብ ኣስላም፡ ሂንዱ ወይ ቡድሃውያን ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን እውን ኣለዉ። ብዙሓ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት፡ ኣብ ገዳማቶም፡ ኣብ ማእከል ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ይነብሩ።

ንዓለም ዘስንክል ብዙሕ ውግኣት ኣሎ፡ ኢንዶነዥያ ግን ብፍላይ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብነት ትመስል። ናይዚ ምስጢር እንታይ እዩ? ምምሕያሽ ዘድልዩ መዳያት እውን ኣሎ ድዩ?

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ታሪኽ ህንጸት መንግስቲ ኢንዶነዥያ እዩ። ኢንዶነዥያ ቅድሚ ምህላዋ እዚ ዞባ ንልዕሊ 350 ዓመታት ኣብ ኢድ ወጻኢ ሃገራት መግዛእቲ እያ ዝነበረት። ኣብ ታሪኽ ህንጸት ኢንዶነዥያ ሰለስተ ምዕራፋት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ኣብ ግንቦት 1908 ዓ.ም. ሃገራዊ ንቕሓት ክዓቢ ዝጀመረሉ። መዓልቲ ንቕሓት ሃገራታውነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ። እዚ ንቕሓት እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1928 ዓ.ም. መብጽዓ መንእሰያት ብዝተባህለ ፍጻመ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። እዚ መደብ እዚ መንጎ ሰለስተ ቀዳማይ ዝተሓላለኸ ኣኼባ ኣብ ቀጽሪ ካቴድራል እዩ ዝተኻየደ፡ ዞባዊ ድሕረ ባይታ ዘለወን ውድባት መንእሰያት "ሓንቲ ዓዲ፡ ሓንቲ ሃገርን ሓደ ቋንቋን" ምዃነን ኣዊጀን፡ እዚ ድማ ኢንዶነዥያ ዝብል መጸውዕ ምጥቓም ዝተጀመረሉ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ዕለት 17 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ብኣዋጅ ናጽነት ኢንዶነዥያ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ።

ናጽነት ኢንዶነዥያ ካብ መግዛእቲ ዝተዋህበ ህያብ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት ናይቲ ንኹሎም ኣካላት እታ ሃገር ዘሳተፈ፡ ንኹሎም ብሄራትን ኩሎም ተኸተልቲ ሃይማኖትን ዘሳተፈ ውጽት ናይ ዘሕለልን ነዊሕን ቃልሲ እዩ ነይሩ። ንጽባሒቱ ፓንካሲላ [ወግዓዊ፡ መሰረታዊ ፍልስፍናዊ ህልዩ ኢንዶነዥያ] ከም መሰረት መንግስቲ ቆይሙ። በዚ ድማ ኢንዶነዥያ ሃይማኖታዊት ሃገር ዘይኮነስ ኣሃዳዊት ሃገር ሪፓብሊክ ኢንዶነዥያ ንኽትከውን ዝደረኸ እዩ። እዚ ኩሉ ዜጋን ፓንካሲላን ከም መሰረት ሃገር ዘሳተፈ ናይ ቃልሲ ታሪኽ እዩ ንሓድነት ዜጋታት ኢንዶነዥያ ዘደልደለ።

“ናጽነት ኢንዶነዥያ ካብ መግዛእቲ ዝተዋህበ ህያብ ዘይኰነስ፡ ውጽኢት ናይቲ ንዅሎም ኣካላት እታ ሃገር ዘሳተፈ፡ ንዅሎም ብሄራትን ኩሎም ተኸተልቲ ሃይማኖትን ዘሳተፈ ናይ ዘይሕለልን ነዊሕን ቃልሲ እዩ ነይሩ።”

ከመይ ኢሉ ክኸውን ክኢሉ?

ፓንካሲላ ሓሙሽተ መሰረታዊ መትከላት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ከም መሰረት ቅዋም ኢንዶነዥያ ኮይኑ የገልግል። እቲ ቀዳማይ ‘ኣብቲ ሓደን እንኮን ኣምላኽ ምእማን’ ዝብል። እቲ ካልኣይ ድማ ‘ፍትሓውን ስልጡንን ሰብኣውነት ዝብል። እቲ ሳልሳይ ድማ ‘ሓድነት ኢንዶነዥያ’ ዝውሕስ እዩ። እቲ ራብዓይ ‘ብውሽጣዊ ጥበብ ዝምራሕ ደሞክራሲ ኣብቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ብዝብግበር ምይይጥ ዝፍጠር ሓደ ድምጺ’ ኮይኑ፡ እቲ ሓምሻይ ድማ ‘ማሕበራዊ ፍትሒ ንመላእ ህዝቢ ኢንዶነዥያ’ ዝብል እዩ።

ታሪኽ ህዝቢ ኢንዶነዥያ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መቕድም ጸሎት ቅዱስ ቁርባን ምስቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሕዝበ እግዚኣብሔር ካብ ምስሪ ናብ ምድሪ ተስፋ ሓራ ምውጽኡ ዝመሳሰል ኮይኑ ይግለጽ። ከምቲ ጉዕዞ ስደት ካብ ብድሆታት ነጻ ዘይከውን፡ ሃገር ኢንዶነዥያ ናብ ርእየት ዓለም ናጽነት ዝግበረቶ ጉዕዞ ካብ ብድሆታት ነጻ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ምስ ዘይምዕሩይ ምክፍፋል ጸጋታት ዝተኣሳሰሩ እዩ፣ ኣብ ጃቫ ይኹን ካብ ጃቫ ወጻኢ፤ ስግረ-ሃገራዊ እስላማዊ ጽልዋ፡ ሕጂ’ውን እስላማዊ መንግስቲ ክምስርቱ ዝደልዩ ጉጅለታት ኣለዉ፤ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት፤ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብፍላይ ድማ ንድኻታት ግምት ዘይህብ ኪደት ቁጠባ ዝኣመሰለ።

ር.ሊ.ጳ. ዓመተ ጸሎት ኣዊጆም እዮም። ነዚ ተበግሶ እዚ ብውልቅኹም ብኸመይ ትቕበልዎ፡ ንህዝብኹም ኣብዚ መዳይ ብኸመይ ትመርሑ?

ልክዕ እዩ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ እተፈላለየ ምንቅስቓሳት ከምኡውን ካብ ቫቲካንን ቤተ-ክርስትያንን ዝወሃቡ መገድታት ነድንቖን ንስዕቦን። እቲ ብድሆ ነቶም ዝቐርቡ መገድታት ምስቲ ዝሓንጸጽናዮ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምውህሃድ እዩ። ኣብ ዓዓመት ኣብ ኢንዶነዥያ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ መሰረት ሃገራዊ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ይቐርብ እዩ። ድሕሪኡ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ብሃገራዊ መደብ ሓዋርያዊ ጕስነት ተደሪኹ ምስ ከባቢ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ዚሰማማዕ ገይሩ ይትግብሮ። ኣብ ኢንዶነዥያ ዚነብሩ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ብትግሃት ዝጽልይ ማሕበረሰብ እዩ፡ እቲ ናይ ጸሎት ዓመት ድማ ነቲ ኣብ ጸሎት ዘለዎ ተወፋይነት ዘተባብዕ እዩ።

ዓመት ጸሎት እንተዘየለ እውን፡ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ብትግሃት ዝጽሊ እዩ!

ብዛዕባ እዚ ኣስፊሕኩም ክትገልጽዎ ትኽእሉ ዲኻ?

ኣብ ግዜ ምጽኣት፡ ዓቢይ ጾም፡ ወርሒ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ወርሓዊ ሊጡርጊያ፡ ንግደትን ካልእ ብዙሕ ተበግሶታትን ኣብ ትሕዝቶ ጸሎት ኣሎ።

ንጸሎት ዝምልከት ትምህርተ ክርስቶስ ብርግጽ ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብዓለማውያን ምመናን ዝያዳ ዝፍለጥ፡ ብሓፈሻ፡ ጸሎት ልመና እዩ። ይኹን እምበር ካልእ ዓይነት ጸሎት እውን ኣሎ። ውሑዳት ዓለማውያን ምመናን ኣይኮኑን ጸሎተ ሰዓታት ዝደግሙ፡ ምኽንያቱ ነዚ ዘተባብዑ ገዳማውያን ማሕበራትን ዶሚኒካውያን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ስለ ዘለዉ። ኣብ መሰረታዊ ማሕበረሰብ ጸሎተ መቑጸርያ ልሙድ እዩ። ኣብ ግዜ ሞትን ተዝካርን ንዝሞቱን ዕለት 2 ሕዳር ጥራይ ዘይኮነስ ብመሰረት ባህልና ድሕሪ 40 መዓልትን 100 መዓልቲ 1 ዓመት 2 ዓመት 1000 መዓልቲ ንዝኽሪ ሙታን ንጉባኤ መስዋዕተ ቅዳሴን መደብ ጸሎትን ይእከብ።

ር.ሊ.ጳ. ይኹንታ ዝሃብሉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት Dignitas Infinita - ክብር ዘኣልቦ ጽንፍ ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጸኦ ሰነድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘይገሃስ ኑባርያዊ ዝተዓደሎ ሰብኣዊ ክብሪ ኣለዎ ንዝብል እምነት ቤተ ክርስቲያን ደጊሙ ዘረጋግጽን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓያሎ ከበድቲ ግህሰታት ንቕሓት ዘዕቢ እዩ። ክብርታት ብዝርዝር ዝገልጽን ዘስተንትንን ሰነድ። ናይዚ ሰነድ ዋጋ ብኸመይ ትሪእይዎ፣ ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ወይ ብሓፈሻ ኣብ እስያ ብፍላይ ምስ ኩነታትኩም ዝዛመዱ እትርእይዎ ዝተወሰኑ መዳያት ኣለዉ ድዮም?

ብሉጽ ሰነድ እዩ ንመምርሒ ጉስነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ። እቲ ካልኣይ መትከል ድማ ፓንካሲላ ፍልስፍና ኢንዶነዥያ እውን ንኽብሪ ሰብኣዊ ምኽባር ዘጉልሕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ክውንነት ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብቲ ኣብቲ ሰነድ ዝቐረበ መትከላት ኣዝዩ ዝረሓቐ ይኽውን፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ምናልባት እውን ንሰብኣዊ መሰላት ዘየኽብሩ ማሕበረ-ባህላዊ ስርዓታት ዘስዕቦ። ኩሉ እቲ ዝባሃል፡ እንኮላይ ንጉዳያት ምግሃስ ሰብኣዊ ክብሪ ዝምልከት ዝቐርብ ኣስተንቶ ብፍላይ ንኢንዶነዥያ፡ ብሓፈሻ ድማ ንእስያ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ተመኩሮኹምን ካብ ክውንነትኩምን ብዛዕባ ምስክርነት ክርስትያን እስያ እንታይ ክትነግሩና ትኽእሉ?

ብርግጽ ከም እትፈልጥዎ እስያ ዝተፈላለየ ታሪኽን ባህልን ፖለቲካዊ ስርዓታትን ዘለዋ ኣዝያ ዓባይ ኣህጉር እያ። ብዛዕባ ኢንዶነዥያ ጥራይ እየ ክብል ዝደልይ። ብፍላይ ብዛዕባ ርእሰ ሰበኻ ጃካርታ፥ እቲ ዘሎ ምስክርነት ሰናይ ቢለ ክገልጾ እኽእል።

ብዛዕባ ተመክሮ ናይ ሓደ ካቶሊካዊ መምህር ኣብ ሓደ ዓቢይ ሓውሲ ከተማ ተቐማጢ ዝኾነ፣ ኣብቲ ንሱ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ከባቢ ብጀካኡ ካቶሊክ ዝኾነ ሰብ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ዝተነጸለ ኮይኑ ይስምዖ ኣይነበረን፡ ሰናይ ዝገብረሉ መንገዲ ምድላይ ግን ኣየቋረጸን። ነቲ ብዝሒ ዘይተመሃረ ህዝቢ ዝነብረሉ ዞባ ካብ መሃይምነት ንኸላቕቕ ይተግህ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ብእግሩ እናተጓዕዘ እውን ይምህር ነይሩ። ከም እዚ መደብ ትምህርቲ እዚ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ የሳልጥ ነይሩ። ናብ ስድርኡን ንዓኡን ክበጽሕ ምስ ከድኩ፥

“ኣባ፡ ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ካቶሊካውያን ገበርቲ ሰናይን ሓለይትን ምዃኖም ንኽፈልጡ ስለ ዝደሊ እየ እዚ ኹሉ ዝገብር ዘለኹ” በለኒ።

ብዝተፈላለየ መንገዲ ጽቡቕ ክገብሩ ንርእዮም፣ ብትምህርቲ፣ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ደቐቕቲ ልቓሕ ማሕበራት፣ ምስ ካልኦት ኣባላት ማሕበረሰብ ብሓባር ምስራሕ። ከምኡ እውን ኣብ ዕዮታቶምን ዕለታዊ መነባብርኦምን ብምርኻብን ብምዝታይን ምስ ኩሉ!

ካርዲናል፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ ማእከል ዘመነ ፋሲካ ይርከቡ። ኣብዚ ግዜ እዚ ካቶሊካውያን ኢንዶነዥያ ከመይ ይነብሩ ከምዘለዉን እተመሓላልፍዎ እትደልዩ መልእኽቲ ከተካፍሉና ትኽእሉ ዶ?

ኣብ ኢንዶነዥያ ብሓፈሻ ኣብ ጃካርታ ድማ ብፍላይ ዝኽበር በዓል ፋሲካ ኣዝዩ ህያው እዩ። ዝሓለፈ ፋሲካ ኣብ ካቴድራል ጃካርታ ኣርባዕተ ቅዳሴ ተኻይዱ። ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ናብ ቅዳሴ ከም ዝመጹ እውን ዝግመት እዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ርእሰ ሰበኻ ጃካርታ ነቲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝኸውን ሓድነትን ደገፍን ዝብል መርሕ ቃል መሰረት ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዝተብገሰ መደብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ከኣ ብፍላይ ንንኣሽቱ ነጋዶ ሓ ገዝ ብምሃብ ንቘልዑ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ብምኽፋል ከምኡ እውን ብእተፈላለየ ምንቅስቓሳት ኣቢሉ ነዚ ንናይ ሓባር ሰናይ ዝብል ሓሰብ መርሕ ገይሩ ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን መደባት የሳልጥ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 April 2024, 15:59