ድለ

ሃይቲ፡ ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስ ኣብ ልዕሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሃይቲ፡ ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስ ኣብ ልዕሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው  (RALPH TEDY EROL)

ሃይቲ፡ ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስ ኣብ ልዕሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው

ዕጡቓትን ጨካናትን ጕጅለታት ሰፊሕ ዓመጽን ምምዝባልን ኣብ ዘስዕቡሉ ዘለዉሉ እዋን፡ ኩነታት ሃይቲ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዓቢኡ ዝግደስ ከም ዘይመስል ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩነታት ሃይቲ መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፡ "እቶም ጕጅለታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓቲ ዝያዳ ብዕጥቂ ይድልቡን ዝያዳ ጨካናት እውን ይኾኑ ምህላዎም ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ሃይቲ ምስ ዝገልግሉ ኣባል ማሕበር ካሚልያውያን ልኡካነ ወንጌል ኣባ ኤርዋን ኣብ ዘላካደድዎ ቃለ መሕትት ክሕብር እንከሎ፡ ኣባ ኤርዋን ኣብታ ሰፊሕ ዓመጽ ኣብ ዝረኣየላ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዘገልግሉ ከም ዝኾኑን፥  

"ዕጡቓት ጉጅለታት ከየጥቅዑና ተስፋ ብምግባር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣገልግሎት እንህበሉ ቤት ሕክምና ተዓጽና ኣለና። ነቶም እነአንግዶም ሰባት፡ ስንኩላን ህጻናት፡ ሕሙማት፡ ኣዝማድ እቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ሰባት ዘድሊ መግቢ ወይ መድሃኒት ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ስብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረባ ወጺና ክንሽምት ዘይከኣል እዩ፡ እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ብሓንቲ መጓዓዝያ ህሙማን ወጺኦም 30 መዕቆሪ ኦክስጅን ክገዝኡ ከም ዝፈቐዱሎም፡ እዚ እውን ገንዘብ ከፊልካ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ የመላኽት።

ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስ

ህዝቢ ሃይቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥም ዘሎ ማዓት እቲ ዝዓበየ ዝወርዶ ዘሎ ምዃኑ ናይ ዘይመኽሰባዊ ናይ ካሚላውያን ማሕበር ትካል ረድኤት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ኣንቶኒዮ መነጎን፡ ሃይቲ ብዓለም ዝተረሰዓት እያ እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣካፊሎም፥ ብዛዕባ ሃይቲ ዝዛረብ ማንም የሎን ካብኡ ዝገደደ ድማ "እቲ ኣብታ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ንምእላይ ዝሽምግል ሰብ የሎን፡ ኣብ ከምዚ ኩነት ክንነብር ንጽዕር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ ይሕብር።

ኣብ ሃይቲ እንታይ ይፍጸም ኣሎ?

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተፈጸመ ዓመጽ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ካብታ ርእሰ ከተማ ክወጹ ከም ዝደረኸን ድሮ ኣብ ደቡባዊ ሃይቲ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተይናታት ቁጽሮም ክብ ይብል ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እታ ካሪብያናዊት ሃገረ ሃይቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዜጋታታ ዝሰኣነትን ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ዘጋጠማ ሰብኣውን ቅልውላ ክንየው፡ ድሕሪ ቅትለት ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዕግርግርን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ጕጅለታትን፡ ትህሰይ ከም ዘላን እዚ ዳሕረዋይ ለበዳ ዓመጽ ብተዓዘብቲ፡ ኣንጻር ዘይተመርጸ መራሔ መንግስቲ ኣሪኤል ሄንሪ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ስልጣኑ ክእለ ቃል ዝኣተወ፡ ድሒሩ ግን ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ጸጥታ ዳግማይ ክምስረት ኣለዎ እንክብል ቅድመ ኩነት ብምቕራቡ ዝተጋደ ኮይኑ ደሓር እውን ካብ ስልጣኑ እኳ እንተለቐቐ፡ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ዝካየድ ዝነበረ ግጭት ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ምህላዉን፡ ኣብ ፖርት ኦ ፕሪንስ መዓልታዊ ቅትለት፡ ምዝማትን ምንዳድ ህንጻታት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣባይቲ መሸጣን መካይንን ከም ዝረአን እታ ሃገር ካብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ጀሚራ ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ከም ዘየካየደትን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ባይቶ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ስልጣኑ ከም ዝዛዘመን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ናይ ህዝባዊ ባይቶ ይኹን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ስልጣን ከም ዘየለ እዩ ዝፍለጥ።

08 April 2024, 17:10