ድለ

ካፎድ ሱዳንን ከባቢኣን ሃገራት ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓጎስ ይቕበሎ ካፎድ ሱዳንን ከባቢኣን ሃገራት ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓጎስ ይቕበሎ  (ANSA)

ካፎድ ሱዳንን ከባቢኣን ሃገራት ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓጎስ ይቕበሎ

ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብተን ብኲናት ዝተሃስያ ሱዳንን ጎረባብታን ንዝካየድ ጻዕርታት ረድኤት ንምድጋፍ ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓጎስ ተቐቢሉ እቲ ኲናት ብዘስዓቦ ቅልውላው ንጥሜት ሓደጋ ዝተቓልዑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንምድሓን ብዙሕ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ግጭት ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 15 ሚያዝያ ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ብሓባር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ዋዕላ ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን ከም ዘአንገደን፡ እቲ ዋዕላ በቲ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ምዝንባልን ኮይኑ ኣብ ዘሎ ዞባ ንዝተሃስዩ ሰባት ዝቐርብ ደገፍ ንምዕባይ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድርገት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንሱዳንን ጎረባብታን ኣብ ክልቲኡ ንሰብኣውን ልምዓታውን ምወላ ዝኸውን ናይ 355 ሚልዮን ዩውሮ፡ ከም እውን ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጠቕላላ 541 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ከም ዝቐርብን እዚ ሓገዝ ብድምሩ ናብ 900 ሚልዮን ኤውሮ ዝቐርብ እውን ምዃኑ የመላኽት።

እቲ ድርገት ኤውሮጳ ዝህቦ ምወላ ብሰብኣዊ ትካላት ኣቢሉ ናብቶም ብሳዕቤን ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ንኹሎም ናይቲ ዞባ ተቓላዕቲ ጽጉማትን ሓገዝ ከቕርብ ከም ዝኾነን እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ነቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገር ዝተሰዱ ሱዳናውያን እውን ዝበጽሕ ከም ዝኸውንን ብመሰረት ጸብጻብ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰዱን ዝበጽሕ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካብቲ 51 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ሱዳን ልዕል ፍርቂ ኣብ ሓደጋ ጥሜትን ጽግዕተይና ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ዝስደዱለን ጎረባብት ሃገራት እውን ጸቕጢ ይፈጥር ብምህዉ እቲ ሓገዝ ንሱዳንን ጎረባብታን ዝምልከት እዩ።

እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ . . . እኹል ግን ኣይኮነን

ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ዝርከብ ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንመብጽዓ ሕብረት ኤውሮጳ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ "ኣብ ሱዳንን ጎረባብታ ሃገራትን ንዝካየድ ጻዕርታት ረድኤት ንምድጋፍ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኣተወኦ መብጽዓታት" ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ፡ እቲ መጠን ገንዘብ ግን ካብቲ ንዓቐን ናይዚ ቅልውላው ንምፍታሕ ብህጹጽ ዘድሊ 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ ከም ዝበለን ወሲኹ፡ ለገስቲ ሃገራት "መብጽዓታቶም ከኽብሩን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም እቲ ቃል ዝኣተውዎ ሓገዝ ከቕርቡን ኣብ ሱዳን ተወሳኺ ስቓይን ሞትን ንምክልኻል ቁልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ  ክወስዱ ጻውዒት ከም ዘቕረበ፡ እቲ ትካል ዓባይ ብሪጣንያ "ኣብ ገሊኡ ናይቲ ዓዲ ዕዳጋታት መግቢ ክርከብ ከሎ ብዙሓት ሱዳንውያን ንኽዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ዓበይቲ ማካይን ናብ እተሸገሩ ማሕበረሰባት ሓገዝን ንኸየበጽሓ ዕንቅፋት የጋጥመን ኢዩ ። ብዛዕባ ጥሜት ዚገልጽ ዝቐርቡ ዘለዉ ጸብጻባት ዘስካሕክሕ ጥምየት ከጋጥም ከም ዝክል የጠንቅቑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ወግዓዊ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ብፍላይ ንኣናእሽቱ ሓረስቶትን ደቂ ኣንስትዮን ዕድላት ዝድግፍ ኣብ ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ባይታ ዘገልግል ኮይኑ፡ ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ህጹጽ ሰብኣዊ ድሌታት ንምምላእ ዝንቀሳቐስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

18 April 2024, 16:39