ድለ

FILE PHOTO: People displaced due to the fighting between TPLF and ENDF rest outside in their shelter at the Abi Adi camp for the Internally Displaced Persons in Abi Adi town, Tigray Region FILE PHOTO: People displaced due to the fighting between TPLF and ENDF rest outside in their shelter at the Abi Adi camp for the Internally Displaced Persons in Abi Adi town, Tigray Region 

ጳጳስ ኤጳርቅና ዓዲ-ግራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ሓገዛት ሓቲቶም

ጳጳስ ኤጳርቅና ዓዲ-ግራት ኢትዮጵያ ብጹዕ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን፣ ብሰንኪ እቲ ንሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ወሪድዋ ዘሎ ኣዕናዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ኣድላዪ ህጹጽ ረድኤት ክግበረሎም ከም ዘድሊ ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቅሉዕ ደብዳቤ፣ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኢትዮጵያ ትግራይ ብሰንኪ ንዓመታት ዘጋጠመ ግጭትን ደርቅን ተነጽሎን፣ ኣብ ልዕሊ ንደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ኣረጋውያንን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ስቓይን መከራን ተስፋ ቑርጸትን ሞትን ብብርቱዕ ሓዘን ገሊጾሞ ይርከቡ ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ውን ኣብ ክፍለ ሃገር ትግራይን ጎረባብቲ ዞባታትን ንዝርከቡ ንመሰረታዊ ናይ ህይወት ቀረባት ነቲ ህዝቢ ንምምላእ ዝግበር ጻዕርታት እኹል ከም ዘይኰነ ኣጕልሑ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መጠን ጕድለት ኣመጋግባን ጥሜትን ዓጸቦን ኣብቲ ከባቢ እናወሰኸ ይኸይድ ምሕላው ገሊጾም።

 ብፁዕ ኣቡነ ተስፋስላሴ ኣብታ ብ15 ሚያዝያ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ ህጹጽ ስጕምቲ  ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ - ነዞም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ዘለዉ ሕዝቢ ትግረይን ጐረባብቲ ዞባታትን ብህጹጽ ዝያዳ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዛት የድሊ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ከምኡ ውን ንነባሪ ሰላምን ርግኣትን መገዲ ንምጽራግ፣ እቲ ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ትካላት ዝቆም ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ምላሽ ክህበሉን ህጹጽ ስጉምቲ ወሲዱ ክሰርሓሉን ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም።

ይኹን እምበር ነዞም ብፁዕ ጳጳስ ዘሻቕሎም ዝሎ ኩነታት እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሰፊሕ ብድሆታት ንምፍታሕ ብህጹጽ ክካየድ ዘለዎ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ጥራይ ኣይኰነን ።

እቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ እተሓላለኸ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ስነ-ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ስፍሓት ዘለዎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍልጦ ብምሃብ፣ እዚ ድማ ንዞባታት ትግራይን ኣምሃራን ኣፋርን ውን ከይተረፈ ዝጸሉ ከቢድ ሽግር ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ብፍላይ ከም እኒ ማሕበረሰብ ኢሮብን ኩናማን ዝኣመሰሉ ኣብ ውሱንን ምሕዱግን ዝኾነ ቦታታት ዝነብሩ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ኣደራዕን ዝስከሙ ዘለዉ ማሕበረሰብ ምዃኖም ውን ገለጹ ።

ኣቡን ተስፋስላሴ ኣስዒቦም ንቕድሚት ብምጥማት ነቲ ድሮ ዘጋጠመ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ውን ብምምልካት፣ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ዝናምን፣ ደርቅን፣ ምዕልቕላቕን ነዚ ኩነታት እዚ ከጋድዶ ስለ ዝኽእል ከም ግምታቶም ኣስጋኢ ለውጥታት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ነዞም ሰብኣዊ ቅልውላዋት ንምቅላልን ተወሳኺ ስቓይን መከራን ንምውጋድን ብሓባር ጻዕሪ ኽግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣብ መደምደምታ ብፁዕነቶም ህዝቢ ትግረይን ተዳወብቲ ዞባታትን ብሓገዝ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ተደጊፎም ብሓባር ስጕምቲ ብምውሳድ ነዚ ቕልውላው እዚ ኺሰግርዎ ተስፋ ኸም ዘለዎም ገለጹ።

22 April 2024, 18:29