ድለ

ካርዲናል ጹፒ፡ ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ካርዲናል ጹፒ፡ ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ   (© Siciliani-Gennari Cei)

ካርዲናል ጹፒ፡ ዘተ ጥራሕ እዩ ናብ ሰላም ዘብጽሕ

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ጹፒ ዕለት 20 መጋቢት “ኣምላኽ ንበይንና ኣይሓደገናን እዩ” ዘርስታ መጽሓፎን ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ቅልውላው ዘላ ዓለም ብመንጽር ክርስቲያናዊ ኣመለኻኽታ ብምንባብ ዘተ እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹን ካብቲ ዓውደ ርክብ ወጻኢ ካብ ግዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ድማ ነቲ ኣብ ምስራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኩሉ ነገር ምንቲ ንሰብኣዊ መዳይ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ህጻናት ክግበር ኣለዎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግንባር ድማ ዘተ ንምትብባዕ ክሰራሕ ኣለዎ።" እንክብሉ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማተዮ ማርያ ጹፒ ቅልውላው ኲናት ዩክሬን ከምኡ እውን ነቲ ቅልዋል ንምፍታሕ ቀጻሊ ስጉምትታት ቅድስቲ መንበር ዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብቲ ፍጻመ ሊቀ ጳጳስ ቦሎኛ ከመይ ጌርና ወትሩ «ዝሓሸት ዓለም ክንፈጥር ንኽእል ዝብል ተስፋ: ንቤተ ክርስቲያን እውን ንቡር ክኸውን ዘለዎ ምስተውዓል እዩ፡ እቲ ኣነ ዝብል ውልቃውነት ነቲ ንሕና ዝብል ሓባራውነት ዝዛረብን ጽን ዝብል ክኸውን ኣለዎ . . . እቲ ብቐጻሊ ዘቑስል ኣብ ዓለም ዝርአ ውግእ ንምላይ ሰብኣዊ ስነ ምሕዳር የድሊ፡ ሎሚ ሰላም እተማዕድዎ ኩነት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተረዳእናዮ ነገር ከም ዘየለ እዩ ዘረጋግጸልና ኢሎም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘየብቅዕ ውግእን እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎን ከምቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝነበረ ግጭት ብዘተ ዝተፈትሐ፡ ኣብ ዓለም ዘተ ምትብባዕ ከም ዘድልን ነቲ ዘተ ከም ስዕረት ዝርኢ ኣብ ሓይሊ ኣጽዋር ዝኣምን ዘተ ዘይከኣል ዝመስሎ ዓለም ምልዋጥ ከም ዘድሊ ከም እተሰመረሉን  ክፍኣት እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፡ ስለዚ ክፍኣት ንኽትቃወሞ ሰናይ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡ ኣብ ዓለም ምስ ዘይምዕሩይነት ጠንቂ ዝተፈላለየ ሓደጋ ኮይኑ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ጽምዋ ዝኣመሰሉ ኣሉታውያን ኩነታት ስነ ህዝባውነት ፖለቲካ የስፍሕ ከም ዘሎ ከም እተሓበረን፡ ዘተ እቲ ዝዓበየ ሰውራ ምዃኑ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ። ሓቀይና መፍትሒ ካብ ዘተ እምበር ካብ ኩናት ኣይኮነን። ምኽንያት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ኣብ ኩናት እቲ ዝሰዓረ ዝመስሎ እውን ተሳዓሪ እዩ። ውግእ ስዕረት እዩ።”

ዘተን ርክብን እቶም ክልተ ዓንዲታት ናይታ ናይ ካርዲናል ጹፒ መጽሓፍ ምዃኑ ኣብቲ ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ከም እተሰመረሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዘተ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ደጋጊምም ከም ዝገልጹን እዚ ድማ ንዘተ ክፉት ምዃን ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ናይ ምዕዋት ክእለት ከም ዘሎ ዘረጋገጽ ምዃኑን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እምንቶን ናይ ክርስትና ተመክሮ እውን ምዃኑ እቲ ዓውደ ርክብ ከም ዘቃለሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 March 2024, 14:22