ድለ

ታንዛንያ ፦ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ማሕበር ኢያ፣ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ስድራ ቤት ኢያ

ወኪል ዜና ቫቲካን ናብታ ኣብ ሃገረ ታንዛንያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምብጻሕ ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለተ ሰምንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ማሕበራቶም ብኸመይ ልቦም ከፊቶም ከም ዝሳተፉን ኣብታ ብስድራቤታት እተመስረተት ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም ዝወሃሃዱን ትምስክር ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሃገረ ታንዛንያ መንእሰይን ድሙቕ ሕብረት ዘለዋን ኢያ። ኣብ እዋን ኣምልኾ ኩሎም ብውህደት ዝዝምሩላን ነፍስ ወከፍ ድማ ብንቕሓት ዝሳተፈላን ማሕበር ኢያ ።

ሱካማሄላ ናይዚ ሓቂ ህያው ኣብነት ትዀነና ኣላ ። ፍሉይ ስነ-ህንጻ ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ክትሓንጽ እንተ ትሕተት፣ ከምታ ብሓገዝ እቶም ሕዝቢ እታ ቑሸት ብክቡር ኣባ ፔተር እተነድፈትን እተሃንጸትን ኣብ ሱካማሄላ እትርከብ ቤተክርስቲያን ኣይምኾነትን ።

እቶም ትውልደ ስሎቫክያ ዝኾኑ ሰበኻዊ ኻህን ህይወቶም ነቶም ኣብ ሱካማሄላን ከባቢኣን ዝነበሩ ምእመናን ብምውፋይ ነቶም ሰንበት ሰንበት ዝእከቡ ምእመናን ብሃንቀውታ ኣብ ዝረኽብናዮም እዋን ኣባ ፒተር ኣብ መንጐ እዞም ሕዝቢ ከም ጓና ኣይኮንይ ዝነበሩ።

ኣብ ሱካሜላ ቅዳሴ ኣብ ሰዓቱ ኣይኰነን ዚጅምር ። ብስራሕ ትሑዛት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣብ ታንዛንያ ዝነብሩ ሰባት ንኹሉ ነገር ተረጋጊኦም ኢዮም ዝገብርዎ ። ወላ ውን ክልተ ዘይፈልጥዎም ሰባትን ካሜራን ሒዞም መጺኦም ኣብቲ ሰንበት ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሰ ክሳተፉ ብምርኣዮም ምንም ዝተሰምዖም ስክፍታ አይነበረን ።

እቶም ኣብ ፈለማ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ብትዕግስቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ ንእሽቶ እኩባት ሰባት ብሃንደበት ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ኰኑ።

እቲ ዳሕረዋይ ክፋል እታ ቤተ-ክርስትያን ድማ ብኡንብኡ ብኣዴታትን ሕጻናትን መልአ እቶም ብዕድመ ቁሩብ ዕብይ ዝበሉ ቘልዑ ኸኣ ኣብ ቅድሚት ቦታ ተዋሂብዎም ኾፍ በሉ። ኵላቶም ኣዕሩኽ እዮም ወይ ከኣ ቀልጢፎም እዮም ዝላለዩን ዝተዓራረኹን ። ብጸጋማይ ሸነኽ ድማ እቶም መዘምራን ኪዝምሩ ጀመሩ፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ኩሉ እቲ መናድቅ ቤተክርስቲያን ክሳብ ዝናወጽ ብሙሉኡ እቲ ሕዝቢ ክዝምር ጀመረ።

ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ዚበዝሓ ኣንስቲ ኢየን ዝነበራ፣ ኵለን ድማ ብጸጋማይ ሸነኽ ናይታ ቤተክርስቲያን ኢየን ኮፍ ዝብላ ። እታ ቐዳመይቲ ፍቕዲ ምስ ተወድአት ግን እቶም ሰብኡት እውን ህላዌኦም ክርኣ ጀመረ ኩሎም ድማ ብሓባር “መንፈስ ኣምላኽ መሊኡኒ ኣሎ!” እናበሉ ክዝምሩ ጀመሩ።

መንፈስ ጐይታ ኸኣ ኣብቲ ዶራን መገድታት ህያው ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ ። እታ ቝሸት እቲኣ ነቲ  "ንእሽቶ ቤትጸሎት" ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ዚንጎ ናሕሲ ዘለዋ ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን እኳ ስለ ዘይሃነጹ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ኢዮም ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉ ዝነበሩ።

ኣብ ካልእ ቍሸት ከኣ እቲ ማእከል ናይቲ ስብከተ ወንጌል ዝርከበሉ ከምታ ኣብ ሱካማሄላ እትርከብ ዓባይ ቤተ-ክርስትያን ብምእመናን ዝመልአት ውን ተዓዚብና ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መላእ ታንዛንያ እተዓዘብናዮ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ኩሎም ምእምናን ብዝሓባር ኢዮም ዚዝምሩ ።

ኣብ ታንዛንያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ካህናት ኸም ዜድልያን፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዚርከባ ኣቝሸታት ከኣ ነፍሲ ወከፈን ነናተን ካህናት ክረኽባ ከም ዚግብአን ዚከሓድ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ቤተ-ክርስትያን ማሕበረሰብ ከም ዝዀነትን ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ስድራቤት ከም ዝዀነት ውን ኣብዚ ከባቢ ንጹር ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ወጻኢ እታ ኣብ ሱካማሄሎ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ማሪያን ኢቴልን ዝበሃላ ኣዴታ ኢደይ ሒዘን ነቲ ስእሊ ዘልዕል ዝነበረ ፍራንኮ ዝተባህለ ሰኣላይና ስእሊ ከልዕለና ሓተታኦ፣ ኮታስ ኩሉ እቲ ኣባኡ ዘሕለፍናዮ ጊዜ ሰሓቕን ፍቕርን ዝመልኦ ኩነታት ኢዩ ነይሩ።

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ሰዓታት ውን ምስቶም ኣብታ ቝሸት ዚነብሩ ኻልኦት ቈልዑ ሰናይ ዝኾነ ጊዜ ኣሕሊፍና ። ኵለን ኣዴታቶም ናብ ገገዘን ተመሊሰን ደንቆም ግን ኣባኡ ምሳና ተረፉ፣ ምንም  ዜጨንቖም ነገር ውን ኣይነበረን፣ ቤተ -ክርስትያኖም ማሕበረሰብ ከም ዝዀነትን ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ስድራቤት ከም ዝዀነን ኢዮም ዝኣምኑ ።

ክልተ ጓኖትን ካሜራኦምን እውን እንተ ዀኑ ንእምነቶም ክጽይቑ ወይ ስኒቶም ኸዕንዉ ኣይክእሉን እዮም።

22 March 2024, 16:31