ድለ

ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ‘ዘይቅቡል’ እዩ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ‘ዘይቅቡል’ እዩ  (AFP or licensors)

ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ‘ዘይቅቡል’ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዳግማይ ምእንቲ ሶሪያ ክጽለ ደጋጊሞም ከዘኻኽሩ፡ ቪንሰንት ጌሎት ዞባዊ ኣካያዲ ስራሕ ሉቭረ ዲ ኦሪየንት ናይ እተሰምየ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ፈረንሳዊ ትካል ረዴት ንማእከላይ ምብራቕ ሓላፊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መከራ ህዝቢ ሶርያን ሸለል ይበሃል ኣሎ እንክብሉ ምረቶም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንነዊሕ እዋን ብኲናት ኣዝያ ዝተሳቐየት ሃገር ሶርያ ኣይንረስዕ" ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 17 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡

ኣብ ከቢድ ድኽነት እትርከብ ሶርያ ብማሕበረሰብ ዓለም ተረሲዓ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅውላው ትርከብ ምህላዋ ጌሎት ሓቢሮም። ድሕሪ 2011 ዓ.ም. ናዕቢ ጽድያ ዓረብን፡ ዓፈና መንግስቲ፡ ዘስካሕክሕ ኲናት ሓድሕድ፡ ከምኡ’ውን ግብረሽበራ ዳዒሽ ዘጋጠማን ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እቲ ኣብ ለካቲት 2023 ዓ.ም. ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬታ ተወሲኽውን ንኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዓ ህዝባ ኣብ ጽንኩር ድኽነት ይርከብ ምህላዉ ኣመላኺቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ተረሲዓን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተደንገገ ማዕቅብን ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኽነት ናብ ዘስካሕክሕ ደረጃ ንኸብል እውን ይድርኽ ምህላዉን ህዝባ ብፍላይ መንሰያት ይስደዱ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።

ኣብ ሶሪያ ናይቲ ፈረንሳዊ ማሕበር ረድኤት ወኪል ቪንሰንት ጌሎት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሶርያውያን ተስፋ ቆሪጾምን ነቲ ዘጋጠሞም ዘሎ ሕሱም ድኽነትን ኩለ መዳያዊ ጸገማትን ኢዶም ዝሃቡ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ፍጹም ኣዕናውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ድማ ናይ ሓዘንን በደልን ናዕብን ስምዒት የለዓዕል ምኽንያቱ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ስለ ዘጋጠመ። መላእ ዓበይቲ ከተማታት ናብ ፍርስራስ ተቐይረን ይርከባ፡ እቲ ውግእ ካብ ዘብቅዕ ዓስራይ ዓመት የቑጽር እውን እንተሃለወ ዳግማይ ህንጸት ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ ኣላ። 95% ካብ ህዝቢ ሶርያ ትሕቲ ጽፍሒ ድኽነት ይነብር ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓቢ ክፋል ናይዚ ህዝቢ ካብ ዶባቱ ወጻኢ ኣብ ስደት ክነብር እንከሎ፡ ካልእ ክፋሉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበለ ምዃኑ ይሕብሩ።

22 March 2024, 14:31