ድለ

IRAQ-RELIGION-CHRISTIANITY-CATHOLIC-CHALDEAN IRAQ-RELIGION-CHRISTIANITY-CATHOLIC-CHALDEAN  (AFP or licensors)

ካርዲናል ሳኮ፦ ኣእምሮናን ልብናን ንምንጻሕ እዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዓቢይ ጾም ኣገዳሲ ኢዩ

ፓትርያርክ ከለዳውያን ብፁዕ ካርዲናል ሉዊ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ንክርስትያን ምእመናን ኣብዛ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዘመን ዓቢይ ጾም "ኣእምሮናን ልብናን ንምንጻሕ ከምኡውን ናብ ሓቅነት እምነትና ንምምላስ" ክጥቀሙሉ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ፓትርያርክ ከለዳውያን ብፁዕ ካርዲናል ሉዊ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ንኹሎም ምእመና ኣብዛ ቅድስቲ ሰሙን ሕማማት ንምእመናን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዚ በሉ - "ኣእምሮናን ልብናን ንምጽራይን ናብ ሓቅነት እምነትና ንምምላስን ነዚ መንፈስ እምነትን ብርሃንን ካብቲ ኣብ ህይወትና ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሃል ህያው ዔላ ብውዕዉዕ ስምዒት ንምቕዳሕ፣ እዛ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዘመነ ዓቢይ ጾም ኣገዳሲት ኢያ!"

ብፁዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ጐይታና ኢየሱስ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ይጽበዮ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ደይመደይ ኢሉ ትምህርትታቱ ከጽዕቕን፣ ነቲ ወዳእታ ክሳብ ዓለም ዚበጽሕን ናይ መወዳእታ ክፍል ተልእኾኡን ንምፍጻም ኺዳሎ ከም ዝጀመረ ኣዘኻኸሩ ።

ንሕናውን ብወገና ተልእኾ ክርስቶስ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ከም ዘሎና ካርዲናል ሳኮ ኣመልከቱ - "መንግስቲ ኣምላኽ ተቐባልነት (እምነት) ከምኡውን ምሉእ ብምሉእ ርእስኻ ብትብዓትን ብቕንዕናን ምሉእ ትውክልትን ምውፋይ ይሓትት ። " ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ነፍሲ ወከፍና "ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ህያውን ኣብ ውሽጥና ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን ብንስሓን፣ በቲ ሓቀይና ምምላስ ዝኾነ ጣዕሳን ብምሕዳስ ናብ መንግስቲ ኢየሱስ ንምእታው ንጋደል ኣሎና” በሉ።

ካርዲናል ሳኮ ነቶም ነዛ ቕድስቲ ሰሙን እዚኣ ከም ናይ ሓቂ "መገዲ መስቀል" ገይሮም ዝቕበልዋ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካልዳውያን፣ ንትርጕም ናይቲ ካብ ሰንበት ሆሣዕና ጀሚሩ ናብቲ ናይ መወዳእታ ድራርን መስቀልን ከምኡውን ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመርሕ ቀንዲ መድረኽ ሕማማት ኢየሱስ ከስተንትኑ ዓደምዎም ።

"ንመንነቶምን ነታ 'ቤት ፍቕሮምን' ዝኾነት ቤተ-ክርስትያኖምን ጠቢቖም ክስዕቡን ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ሰብ ክኸፋፍሎምን ክፈላልዮም ከየፍቅዱሉን የግዳስ ንሕውነትን ሓድነትን ሰላምን ድልድል ክዀኑ" ኣተባብዕዎም ።

ካርዲናል ሳኮ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም "ኢየሱስ ኣብቲ ዜቝስልና ብድሆታትን ጸገማትን እውን ከይተረፈ ወትሩ ምሳና እዩ ዘሎ" ኢሎም ጸሓፉ ። ነቶም ምእመናን ድማ ነቲ ኢየሱስ "ክሳዕ መወዳእታ ዘመን" ምሳና ኸም ዚኸውን ዝኣተዎ መብጽዓ ኺዝክርዎ ከም ዘለዎም ብምሕጻን መልእኽቶም ዛዘሙ።

27 March 2024, 17:57