ድለ

ኢየሱሳውያን ንሰለስተ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል የወሃህዱ ኢየሱሳውያን ንሰለስተ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል የወሃህዱ 

ኢየሱሳውያን ንሰለስተ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል የወሃህዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰለስተ ብኢየሱሳውያ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዝመሓደራ ኣብ ሮማ ዝርከባ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል ክጥርነፋ ዝሃብዎ መምርሒ ብሓጎስ ብምቕባል፥ ካብ ዕለት 19 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ሓድሽ ኣቃውማ ናይተን ሰለስተ መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል ዝጥርንፍ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ዕለት 18 መጋቢት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ዝርከባ ሰለስተ ብኢየሱሳውያን ዝመሓደራ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ሕጋዊ ኣካል ክወሃሃዳ ዝብል ዝሃብዎ መምርሒ ተግባራዊ ዝገብር ቅዋም፡ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማርክ ልዊስ ዕለት 15 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ካብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓን ግናይ ረጎሪያና መንብረ ጥበብ ምኽትል ዓቢ ሓለቓን ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ከም እተረከቡ ዜና ቫቲካን ካብ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ዝተውሃበ መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ እተን ሰለስተ ናብ ሓደ ኣካል ዝወሃሃዳ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደራ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ፥ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ፡ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ተቕዋምን ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ከም ዝኾናን እቲ ውሳኔ ካብ ዕለት 19 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን የመላኽት።

እቶም ሰለስተ መሓውራት

እቲ ኣብ 1551 ዓ.ም. ብመስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘ ሎዮላ ዝተመስረተ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ “ንብዙሕ ዘመናት “ብሮማዊ ተቕዋም” ዝብል መጸውዕ እውን ዝፍለጥ ከም ዝነብረን እቲ ተቕዋም ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ድማ ኣብ 1909 ዓ.ም. ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝተመሰርተ ከም ዝኾነን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ 1917 ዓ.ም ዝተመስረተ ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋም ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ስነ ፍልጠትን ሕገ ቀኖና ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝለዓለ ትምህርቲ ዘተኮረ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ መርሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብኢዶም ብዝጸሓፍዎን ዝኸተምዎን መምርሒ፥

ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋምን ናይ ገዛእ ርእሶም መጸውዕ ስምን ተልእኾን ዓቂቦም ምስ ጳጳሳዊ ጎርጎርዮስ መንበረ ጥበብ ክጽንበሩ ከም ዝኣዘዙን እዚ ነተን ሰለስተ መናብርተ ጥበብ ከም ሓደ ሕጋዊ ኣካል ኮይነን ክቖማ ዝገብር ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ ውሳኔ ቅዱስነቶም ነተን ክልተ ጳጳሳዊ ተቕዋማት ማለት ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋም ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ፍሉይ ተልእኾኦም ንምፍጻም ዓቕሞም ንምምሕያሽን ንምሕያልን ዝዓለመ ምዃኑ የመላኽት።

ቅዱሰንቶም እቲ ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋም ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ንተልእኾ ጳጳሳዊ ምብራቓዊ ተቕዋም ምድጋፍን ምድንፋዕን” ክቕጽል ድሌት ከምዘለዎም ኣብቲ ዝሃብዎ ውሳኔ ገሊጾም፣ እቲ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋም ሓላውን ደጋፍን ኮይኑ ክቕጽል ድማ ከም ዘተሓሳሰቡ የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነተን ክልተ ጳጳሳዊ ትካላት ዘጠቓለለ ናይ ጳጳሳዊ ጎርጎርዮስ መንበረ ጥበብ ሓድሽ ሕግታት ናይ ምድላው ስልጣን ንላዕለዋይ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱስን ነተን ዝምልከተን ተቕዋማት ኣረኪቦም ከም ዝነበሩን በዚ መሰረት ዝቐረበ ሓድሽ ሕጊ ዝተረከበ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 11 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ከም ዘጽደቖ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምሕደራ መናብርተ ጥበብ ግረጎሪያና

ጳጳሳዊ ጎርጎርዮስ መንበረ ጥበብ ብሓደ ቤት ምኽሪ ብዝሕገዝ ዋና ኣመሓዳሪ ዝመሓደር ኮይኑ በዚ ጉባኤ እዚ ድማ ይምራሕ፡ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ተቕዋም፡ ጳጳሳዊ ምብራቓዊ ተቕዋም ዝተውሃቦም ተልእኾ ንምፍጻም ብቐረባ ዝቆጻጸር እውን እዩ። ካብ ዕለት 19 ግንቦት 2024 ዓ.ም. እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕለሉ እዋን ንደሓር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ጁዘፐ ዲ ሉቾ ናይ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር፡ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፐተር ዱቦቭስክይ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ተቕዋም ኣቦ መንበር፡ ከምኡ እውን ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሳንይ ቶማስ ኮካራቫክዪል ናይ ጳጳሳዊ ምስራቓዊ ተቕዋም ኣቦ መንበር፡ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ዳቪድ ንዛርን ልዊጂ ኣለናና ኣካየድቲ ስራሕ ቤት ምሕደራ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝኾኑን ናይዞም መርሕነት ኣካላት ስልጣን ናይ ሰለስተ ዓመት ገደብ ክህልዎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኢየሱሳውያን ንሰለስተ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ናብ ሓደ ኣካል የወሃህዱ

 

19 March 2024, 14:28