ድለ

2019.04.07 aborto, interruzione vita, embrione, bambino, donna 2019.04.07 aborto, interruzione vita, embrione, bambino, donna 

ጳጳስት ኖርወይ ነቲ መንግስቲ ንምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ንምግባር ዘውጽኦ እማሜ ነጺጎም

መንግስቲ ኖርወይ ነቲ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ምርጫ ዝግበረሉ ግዜ ኼናውሖ ይሓስብ አሎ፣ ስለዚ ካቶሊካውያን ጳጳስት እዚ ምርጫ እዚ ምስ ናይታ ሃገር ሕግን ምስ መሰረታዊ ቅዋማታን ምስ መሰረታዊ ስርዓታታን ከም ዘይሰማማዕ ይገልጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ትሮንድሃይም ኖርወይ ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ኢሪክ ቫርደን "ሕጊ እንተ ለዊጥካ ዝበለጸ ኪኸውን ኣለዎ" ይብሉ።

ንሶምን ጳጳስ ናይ ሰበኻ ኦስሎ ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ በርንት ኤድቪግን መንግስቲ ኖርወይ ነቲ ኻብ 1975 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዚዓዪ ዘሎ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ክቕይርዎ ዘቕረቦ ሕቶ ሸሞንተ ገጽ ዘለዎ ናይ ተቓውሞ መልሲ ከቲሞም።

እቲ ብመንግስቲ ኖርወይ እተመዘ ኮሚቴ ምንጻል ጥንሲ፣ ኣብ ኖርወይ ምንጻል ጥንሲ ብኸመይን ስለምንታይን ዝቐለለ ክእን ከም ዘለዎ ዚገልጽ ሓሳብ ብ145,000 ቃላት ዝተፈልጸ እማሜ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ንውሓት እቲ ጽሑፍ ይኹን፣ ከምኡውን ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ሕውስዋስ ዝበለ ስነ-ፍልጠታውን ፖለቲካውን ስነ-ሓሳብ ንኣንብብቲ ክርድእዎ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነን፣ ነቲ ሕጊ ክቕየር ዚገብሮ መረዳእታ ከም ዘይብሉን ይገልጹ ።

ቀንዲ ነጥቢ ናይዚ እማመ እዚ ነቲ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝግበር ምርጫ ግዜኡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ንምንዋሕ ማለት እቲ ድቂ ክሳብ ክሳብ 18 ሰሙን ዝገብር ምንዋሕ ዝዓለመ ኢዩ።

ህይወት ካብ ጥንሲ እዩ ዚጅምር

ኣቡነ ቫርደን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ጽቡቕ ሕጊ ኸም ዘይኰነ ይገልጹ።

እቶም ኣቡናት ከም ዝገለጽዎ "ኣብ ካቶሊካዊ ክርስትያናዊ ኣስተምህሮት ስነ-ሰብ፣ ህይወት ወድሰብ ካብ ጥንሲ ኢዩ ዝጅምር፣ ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዙ ኸኣ ኣኽብሮት ዝግብኦ ፍጡር ኢዩ።"

እዞም ጳጳሳት ነዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ምስቲ ሓድሽ ሕጊ ኣተሓሒዞምዎ ኣለዉ፣ ኣብ መልእኽቶም ድማ ንሓያሎ ስነ-ምግባራውን ስነ-ሰብኣውን ፍልስፍናውን ለውጥታት ድማ መግለጺ ሃቡሉ፣ ኣብቲ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝቐረበ ሓድሽ ሕጊ ድማ "ካብ ክርስትያናዊ ዀነ ሰብኣዊ ውርሻ ኖርወይ ብንጹር ምርሓቕ" ከም ምዃኑ የመላኽቱ ።

ናይ ህይወትን ሞትን ምርጫ

እዞም ብፁዓን ጳጳስት እቲ ሓድሽ ሕጊ ብዛዕባ ቘልዑ ንምዝራብ ከም ዘወግድን "ንነፍሰጾራት ድቂ ምንጻል መሰል ዝህብን ከምኡውን ብዘይ ገለ ጕድኣት ጥንሲ ምንጻልን ሕክምምናዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለወን ውሕስነት ዝህብ" ብምዃኑ "ብዛዕባ ኣካላተን ርእሰ ውሳነ ኽገብራ" ከም ዝኽእላ ቢሉ ከም ዘፍቕድን የመልክቱ ።

ከምኡ ውን እቲ እተጠቕሙሉ ቓላት ትጉሙ ከም እተቐየረ ይገልጹ ። ከምቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሕጊ፣ ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ንሓንቲ ኣደ ውላዳ ንኽትወልድ ናይ ምሕጋዝ መሰል ከም ዘለዋ ኣብ ክንዲ ዝዛረብ፣ ከም ድላያ፡ መሰላ፡ ከምኡ ውን ብሉጽ ውሕስነት ዝኣመሰለ ናይ ርእሰ ፍትወት ቃላት ይጥቀም።

ሓንቲ ሰበይቲ እትገብሮ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ብሕታዊ እዩ፣ ነቲ ጥንሲ ንምጻል ድማ ኣብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ቆጸራ ክትሕዝን ብዝቐለለ መንገዲ ክትገብሮን መሰል ዝህብ ኮይኑ ረኺቦሞ።

እዞም ብፁዓን ጳጳስት ከም ዝገለጽዎ እዚ ምርጫ ንህይወት ወይ ንሞት ቢላ እትገብሮ ሓንቲ ኣደ ንበይና ኣብ ግላዊ ድላያ ተገዲፉ ኢያ ። ይኹን እምበር እዚ ምርጫ እዚ ሓደ ሓቀይና ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንዋላ ሓደ ግላዊ ሰብ ኪሓድጎ ዘይግባእ ምርጫ እዩ" ድማ በሉ።

ምስ ጾታዊ ተራ ውን ዚጋጮ ኣይኰነን

እቲ ዝወጸ እማሜ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ ግዜኡ ዝሓለፎን ኣቦነታዊ ጸቕጢ ዘለዎ ኢዩ ክብል ዘደናግን ኣቃሊሉ ዝርእን እማሜ ኢዩ ።

እዞም ካቶሊካውያን ጳጳስት "ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ሰብኡት ርእሰን ክኢለን ንኣካላተን ኪቈጻጸራ ኣለወን" ድማ ይብሉ ። ይኹን እምበር እቲ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዚምልከት ጕዳይ ከምቲ እቲ ዝወጸ ጽሑፍ ዝገልጾ ምስ ጾታዊ ተራ ዚጋጮ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።"

እቲ ኮሚተ ምንጻል ጥንሲ ዘቕረቦ መወከሲ ነቲ ድቂ ብዓቢኡ " ክፋል ኣካላት እታ ሰበይቲ ኮይኑ ጽግዕተይና ሓሳኻ" ክብል ኢዩ ኣቕሪብዎ ዘሎ።

እቲ ሕጊ "ሓንቲ ኣደ ንኣካላታ ንትሽዓተ ወርሒ ነቲ ድቂ ከተወፍየሉ ክንግድዳ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ ይብል።

ቅዋም ኖርወይ ንዘይተወልዱ ሕጻናት ዘዕቍብ ምዃኑ

ይኹን እምበር እዞም ብፁዓን ጳጳስት እቲ "ዘይተወልደ ሕጻን" ኣብ ቅዋም ሃገረ ኖርወይ ብሕጋዊ መገዲ ውሕስነትን ዑቕባን ዝግብኦ ምዃኑ ይዝክሩ ።

ጳጳሳት ኖርወይ ብዛዕባ ቅዋም ሃገረ ነርወይ "እቲ ዘይተወልደ ሕጻን እውን ከይተረፈ ኣብ መንጎ እቶም ርስቲ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎም ኢዩ ተሰምዩ ዘሎ " ይብሉ።

ብተወሳኺውን መሰላትን ግዴታታትን ናይቲ ዘይተወልደ ሕጻን ብናይታ ኣደ ዘይሕደግ ናይ ገዛእ ርእሱ መሰል ዘለዎ ክብሉ ውን ይገልጹ ።

ጳጳሳት ኖርወይ ኣብ መልእኽቶም "እዚ ኽፋል ሕጊ ኖርወይ እዚ ኣብቲ ዝቐረበ እማሜ ተረሲዑ ኢዩ፣ ስለዚ እዚ እማሜ ኣብ ናይ ሓሶት ተስፋታት እተመስረት ኢዩ" ክብሉ ይገልጽዎ ።

ሓደ ድቂ ቘልዓ ድዩ ? - ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ኣብ ዚድሌት እተመርኮሰ ኢዩ!

እዚ ኣብ ሕጊ እታ ሃገር እተገብረ ምምሕያሽ ከም ሕጊ "ንዘይተወልዱ ሕጻናት ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ውሕስነት ከም ዝግብኦምን" ከም ምዃኖም ይገልጽ፣ ምስናይዚ ግን ጥንሲ ክፍሊ ናይታ ኣደ "ግላዊ ህይወታ" ገይርካ ክርአ ከም ዘለዎ ድማ ይገልጽ።

ብኻልእ ኣበሃህላ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ መወዳእታ ነቲ ድቂ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ድላይ ናይታ ኣደ ዝምርኮስ ከም ምዃኑ፣ ኣብቲ ነቲ ድቂ ትደልዮ ድያስ ወይ ኣይትደልዮን ኣብ ዝብል መዓቀኒ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ከም ዘይምርኰስ የረጋግጽ።

እዞም ብፁዓን ጳጳስት ካልእ ኣቃልቦኦም ዝሰሐበ ንጹር ዘይኮነ ሓሳብ ናይቲ እማሜ ድማ እቲ ሕጊ ምዕቡል ምርመራ ምስ ተገብረሎም እቶም ድቂ ብሰንኪ ዘየድሊ ትርኢ እትንተ ደኣ ተረኺብዎም፣  ጾታኦም ዘይደልይዎ እንተኾይኑ፣ ካልእ ዘይንቡር ነገራት እንተ ተራእዩይዎም ክንጸሉ ዚኽኣሉ እንተ ኾይኑ ውን ዝብል እዩ።

ጳጳስት ኖርወይ ኣብ መግለጺኦም "እቲ ሕጊ ብዛዕባ ውሕስነት ህይወት ዘይግድሶ ብምዃኑ ንጹር ዘይኮነ ቦታ ኣርእስቲ የቕውም" ብምባል ኣጕልሑ።

ኣቡናት ምላሽ ናይ ምሃብ ግዴታ

ኣቡነ ቫርደን ነቲ ሕጊ ብግቡእ ንኽንርድኦን ብኸመይ ከም ክንምልሰሉ ከም ዘለናን ንምፍላጥ ብዛዕባ ጥንሲ ምርዳእ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ።

"እንተዀነ ግን ከም ጳጳስት መጠን ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት ብግህዶ ምዝራብ ግዴታና ኢዩ" ብምባል ኣመልከቱ ። "ኣብዚ እቲ ሕጊ ሰባት ዝግብኦም ዕቝባን ዘለዎም ክብርን ከምኡ ውን ህይወት እንታይ ምዃኑን ባዕሎም ኪፈርዱን ክውስኑን መሰል ከም ዘለዎም ይገልጽ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ሓደገኛ እዩ" ክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።

25 March 2024, 18:26