ድለ

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኢየሩሳሌም ነቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣትሪርዎም ኰኒኖምዎ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኢየሩሳሌም ነቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣትሪርዎም ኰኒኖምዎ  

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኢየሩሳሌም ነቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣትሪርዎም ኰኒኖምዎ

ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ዝወጸ መግለጺ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ፓትርያርክታትን መራሕቲ ብያተ-ክርስትያንን ነቲ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ ቃዛ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝዝርግሓሉ ዝነበረ እዋን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንጹሓትን ሰላማውያንን ሰባት ዘውረድዎ "ምዱብ መጥቃዕቲ" ኰነንዎ። "ብህጹጽ ውግእ ደው ከብሉን ነባሪ ሰላም ክገብሩን" ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 29 ለካቲት ሓደ ኻብ ሆስፒታል ኣል-ቺፋ ዝመጸ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓኪም ከም ዝሓበሮ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ሰሜን ፍልስጥኤም ኣብ ዝርከብ ከተማ ቃዛ ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ምግቢ ኣብ ዝዕድላሉ ዝነበራ እዋን ናብ ሰላማዊ ሕዝቢ ብምትኳስ መጥቃዕቲ ከም ዘውረዱ ሓቢቱሩ ። ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ዝሃቦ መግለጺ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ልዕሊ 112 በጺሑ ከም ዘሎን፣ ኣስታት 760 ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ከም ዘለዉን የመላኽት ። እታ መሻርኽቲ እስራኤል ዝኾነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውን ድሕሪ እዚ ዝሓለፈ ሓሙስ እተፈጸመ ምጥቃዕታዊ ቕትለት "ጽኑዕ መርመራ " ኺግበርን ካብ መንግስቲ ቤንጃሚን ናታንያሁ "መልሲ" ክወሓባን ትሓትት ኣላ።

ነባሪ ውግእ ደው ምባል

ተወከልቲ እተን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን "ነቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት ኣብ ብምሉኡ ኽፋል ቃዛ ብቕልጡፍ ረድኤት ንምሃብ ምእንቲ ክኽእሉ ብህጹጽ ውግእ ደው ንኸብላን ነባሪ ሰላም ንኽገብራን ከምኡውን ነቶም ምሩኻትን እሱራትን ኰይኖም ተታሒዞም ዘለው ናጻ ከውጽእዎምን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።" ብተወሳኺውን ኣፈኛታት ሰራዊት እስራኤል ነዚ ዓመጽ ዝመልኦ ተግባር እዚ ተሓታቲ ብዘይምዃኖም ኮኒኖምዎ ይርከቡ ብኣንጻሩ ድማ ነቶም ግዳያት ክወቕስዎም ይፍትኑ ኣለዉ ።

እዞም መራሕቲ ሃማኖት ሓሳባቶም ናብ ኵሎም እቶም "ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ንጹሃት" እንከመሓላልፉ  "ነቶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ጕስነትና ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን ፍሉይ ደገፍን ጸሎትን" ነቕርበሎም ይብሉ ። ገለ ኻብዚኣቶም እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፖሮፊሮስ ከምኡውን ኣብ ከተማ ጋዛ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስቲ ስድራ እተዓቕቡ 800 ዝኾኑ ክርስትያናት እዮም። እቲ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ወሲኹ ከምዚ ይብል - "ንሕናውን ነቶም ተባዓት ሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ናይቲ ብኣንግሊካን ዝምራሕ ሆስፒታል አል ኣሕሊ ከምኡውን ምስቶም ዘገልግልዎም ሕሙማትን ተመሳሳሊ ሓድነትን ከምዘለና ነረጋግጸልኩም ።"

ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት

ኣብ መደምደምታ እዞም መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን እዚ ዓመጻ መወዳእታ ኽግበረሉን ምሩኻት ክፍትሑን ከምኡውን ነቶም ግዳያት ክንክን ክወሃቦን ከም ዘለዎም ናይ መወዳእታ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ "ኣብታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመጀመርታ ግዜ መስቀሉ ኣብ ክንዳና ኣልዒሉላ ዝነበረ ሃገር ናብ ርትዓውን ነባርን ሰላም ዝመርሕ ርዝነት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ምይይጥ ንኽገብሩ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ይኽእል ኢዩ።" ኣምላኽ "ነዚ ተስፋ እንገብረሉ ዘሎና ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኽንፍጽሞ ኽንጽዕር ኣለና ዅሉ ጸጋታት ውን ኺህበና ኢዩ" እክብሉ መልእኽቶም ብጸሎት ዛዘሙ ።

04 March 2024, 22:31