ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ቆሞስ ቃዛ፦ 'ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘየቋርጽ ቀራንዮ ንጽመም አሎና'

ክቡር ኣባ ጋብርኤል ሮማኔሊ ቆሞስ ደብረ ቅድስቲ ስድራ ቃዛ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገማግም ቃዛ ዘሎ "ኣዝዩ ኸቢድ" ኵነታት መግለጺ ኣመሓላሊፎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንዅነታት ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ክርስትያን ምስቲ ክርስቶስ ኣብ ኣብ ቀራንዮ ዘሕለፎ ስቓይ ኣመሳሲሎም ክገልጽዎ ይርከቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ዅነታት ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዝዩ ኸቢድናን እናገደደን እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ክርስትያን ምእመናን እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ እምነትን ተስፋን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ገና ኣየጥፍኡን" ድማ ይብሉ።

ወሲኾም ድማ ኣባ ጋብርኤል "ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ስቓይ ቀራንዮ ብዘይምቍራጽ ይጽመሙ ከም ዝለዉ" ገሊጾም።

ናይታ ኣብ ቃዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቆሞስ ሰላም ክርከብ ወይ ዓመጽን ሞትን ከም ዘቋርጽ ዚሕብር ምልክት ስለ ዘየለ፣ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ተስፋ ቆሪጾም ከም ዘለዉ ይገልጹ ።

ኣባ ሮማነሊ ምስ ሓደ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ሲር ዝተሰምየ ኣገልግሎ ዜና ካቶሊክ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት "እዚ ውግእ እዚ ድሮ ልዕሊ 32,000 ሰባት ቀቲሉ ኢዩ፣ ካብዚኣቶም ከአ 12,000 ቈልዑ ኢዮም" ብምባል ዘለዎም ዓሚቑ ጓሂኡ ገለጹ።

እቲ ውግእ ብ7 ጥቅምቲ ኻብ ዚባራዕ ኣትሒዙ ንሶም ንባዕሎም ኣብ የሩሳሌም እኳ እንተ ጸንሐ፣ ብእተኻእሎም መጠን ምስ ምእመናኖም ብቐጻሊ ኢዮም ዝራኸቡ ።

ኣባላት እቲ ቍምስና ምስ ካልኦት ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ክርስትያን ብምዃን ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ቀጽሪ እቲ ቍምስና ኢዮም ተዓቝቦም ዘለዉ፣ እዚ ኣቶም ድማ ብድምር ኣስታት 600 ዝዀኑ ሰባት እንክኾኑ ዘለዎም ዘበለ በቲ ደብዳባት ዝሰኣብኑ ኢዮም ።

ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት

ኣባ ሮማነሊ ኻብቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ቁምስና ካብቶም ምኽትሎም ዝኹኑ ኣባ ዩሴፍ ኣሳድ ካብ ውሽጢ ቃዛ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጸብጻባት ውን ይገለጹ ።

"እቲ እነሕልፎ ዘሎና ስቓይን ተስፋ ቑርጸትን ክትግምትዎ ዘይከኣልን ኢዩ " ድማ ይብሉ ።

ነቲ ኣብ ዙርያ እታ ኣብ ከተማ ቃዛ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንዘሎ ኩነታት እንክገልጹ፣ ኩምራ ፍርስራስ ህጻታትን ጐሓፍን ከምኡውን ዑና ዝኾነ ዝተረስዐ ኸባቢ ኢዩ ዝመስል ዘሎ ክብሉ ይገልጽዎ። እቲ ብቐጻሊ ዝዘንም ዘሎ ዝናም በቲ ሓደ ሸነኽ በረኸት ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ልዑል ጠሊ ስለ ዘምጽእ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዘሎ ዝመሽመሸ ሬሳታት የጋድዶ ኢዩ ዘሎ ።

ኣባ ሮማነሊ ኣስዕብ ኣቢሎም "ወላ ሓንቲ እኳ ዘብሎም ክንሶም መዓልቲ መዓልቲ ምእንቲ ሰላም ኢዮም ዝጽልዩ፣ ነቲ ውግእ ደው ንኽብልን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ምእንቲ ክመጹን ድማ ስቓዮምን መከራኦምን ናብ ኣምላኽ የወፍዩ ኣለዉ " በሉ።

እቶም ቆሞስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ቍምስናኦም ኣመልኪቶም ክሽነኦም ኸም ብሓድሽ ከም እተኸፍተ ገሊጾም፣  እንተዀነ ግን ሰባት ካብቲ ቀጽሪ ክወጹ ኣዝዩ ሓደገኛ ምኳኑ ውን የመልክቱ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ከምኡውን እቶም ብባሕሪ ዝመጹ ሰባት ዝገበርዎ ዘለዉ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ናብ ኵሉ ሰብ ኣይበጽሐን ኢዩ ዘሎ ። ኣብቶም ምእመናን ውን ገና ኣይበጽሐን ዘሎ ። ይኹን እምበር ገሊኦም ምእመናን ሓርጭ ኪረኽቡ ክኢሎም ኣለው፣ በዚ ኸምዚ ድማ ገለ እንጌራ ብምስንካት ህይወት የቐጽሉ ከም ዝለዉ ገሊጾም ። እዚ ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ዓብዪ በረኸት እዩ ። እቶም ላቲናዊ ፓትርያርክ እውን ሓገዝ ይገብሩሎም ኣለዉ ። ኣብ መወዳእታ ድማ እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ምግቢ ክንሰርሓሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ክርከብ ኢዩ ተስፋና ክብሉ ይምስክሩ።"

ምፍርራህ ጥሜት

ብተወሳኺ ውን እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕጻናት ዝሓሊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ሰብዓዊ ቅልውላው እጃሙ የበርክት ኣሎ።

ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዞባዊ ኣመሓዳሪ እዚ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዴለ ኮድር ዓለም ስጕምቲ ብዘይምውሳዳ ዘሰንብድ ኩነታት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ብምግላጽ ብዙሓት ቆልዑትን ሕጻናትን ቀስ ብቐስ ብሞት ይቕዘፉ ከም ዘለዉ ገሊጹ ።

ኦክስፋም ዚበሃል ትካል ረድኤት ብሪጣንያ እውን ብዛዕባ "ኣብ ቃዛ ዘሎ ዕንወትን ጥሜትን" ብምግላጽ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እቲ ኣፈኛ ናይ ዘይመንግስታዊ ትካል ረድኤት ኣብ ዓለም ድኽነት ንምቕስ ዝዓለመ ጨንፈር ኢጣልያ ዝዀነ ፓውሎ ፐዛቲ ከምዚ ክብል ይገልጽ - "ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ከሎ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት እቶም ኣብ ሰሜን ቃዛ ዘለዉ ተቐማጦ ናይ ብሓቂ ጥሜትን ዓጸቦን ከጋጥሞም ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ድማ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይቲ ዞባ እቲ ውግእ እንተ ደኣ ዘየቋረጸ፣ እኹል ናይ ግብረ - ሰናይ ምላሽ እንተ ዘይተረኽበን ዝገደደ ክኸውን ኢዩ ። " ክብል ይእምት።

22 March 2024, 16:35