ድለ

ጳጳሳት ፈረንሳ ነቲ መንግስቲ ሃገሮም ዘቕረቦ ‘መወዳእታ ህይወት’ ዝምልከት እማመ ይቃወሙ ጳጳሳት ፈረንሳ ነቲ መንግስቲ ሃገሮም ዘቕረቦ ‘መወዳእታ ህይወት’ ዝምልከት እማመ ይቃወሙ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ፈረንሳ ነቲ መንግስቲ ሃገሮም ዘቕረቦ ‘መወዳእታ ህይወት’ ዝምልከት እማመ ይቃወሙ

ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ሉርድስ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ኣኼባኦም ካብ ዕለት 18 – 22 መጋቢት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፡ ነቲ ብመንግስቲ ርእሰ ብሔር ኢማኑኤል ማክሮን ዝቐረበ ዛዕባ “መወዳእታ ህይወት” ዝምልከት እማመ ተቓውሞኦም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ኣኼባኦም ዕለት 18 መጋቢት፡ እቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ጳጳሳት እታ ሃገር ነቲ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ጽኑዕ ቅድመ ኩነታት ዝርከቡ ገና መድሃንቲ ብዝይተረኸበሉ ሕማም ኣብ ከቢድ ስቓይ ዘለዉ ካብ ዝሳቐዩ ክሞቱ ዝመርጹ እንተድኣ ኮይኖም ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክሞቱ ምሕጋዝ ዝብል ውሳኔ ሕጋዊ ንምግባር መንግስቲ ርእሰ ብሔር ማክሮን ዘለዎ መደብ ብጽኑዕ ከም እተቓወሙ

ዕለት 19 መጋቢት ኣብ ዝተዘርግሐ መግለጺ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ክሕብር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዛዕባ መወዳእታ ህይወት ዝምልከት እማመ ንኽግምገም ናብ ቤት ምኽሪ ሃገረ ፈረንሳ ከም እተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀዳምነት ንመሕወዪ ክንክን

ኣቡናት ፈረንሳ ደድሕሪ እቲ ሃገራዊ ሽማግለ ኣማኻሪ ስነ - ምግባራዊ ጉዳያት ዘቕረቦ ርእይቶ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፥ "ነቲ ሞት ዘለዓዕል ምብዳህን ነቶም ገና መድሃኒት ብዘይተረኸብሉ ሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኽንክን ቀዳምነት ምሃብ" ዝብል ቅድም ክብሉ ኣቕሪቦምዎ ዝነበረ ሓሳብ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር ኣስዒቦም፡ ፈረንሳውያን ካቶሊክ ምስ ስንኩላን ኣረጋውያን ወይ ምስቶም ኣብ መወዳእታ ህይወቶም ዝርከቡ ህሙማን ቀረባ ክኾኑን ጻውዒት ኣቕሪቦም - "እቲ ካብ ስቓይ ርእሰ - ቕትለት ወይ ነቲ ገና መድሃኒት ብዘይተረኸብሉ ዝሳቐ ብህይወት ንኽጸንሕ ዝወሃቦ ሓገዝ ክቋረጽ ዘቕርቦ ድላይ በቲ ዝነብርዎ ጽምዋን ተነጺሎን ዝተደረኸ ብምዃኑ እቲ ዘገድስ ነቲ ዝነብርዎ ተነጽሎ ምእላይ እዩ መፍትሒ። ስለዚ ናይ ሞት ባህሊ ካብ ምስፋሕ ቅርበትን ሓልዮት ምስፋሕ የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንግዳያት ዝግበር ደገፍ

ጳጳሳት ፈረንሳ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ህይወት ዝብል ናይ መንግስቲ ሃገሮም እማመ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንዝርከቡ ግዳያት ግህሰት ንምድጋፍ ዝተኣወጀ ስጉምትታት ክምልከቱን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ቀኖናዊ ቤት ፍርዲ ኣኼባ ክውድቡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ፈረንሳ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ደ ሙሊንስ - ቦፎርት ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ "ኣብ ፈረንሳ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ንባህርያት ወይ ተግባራት ናይ ሓደ ኣገልጋሊ ወይ ሓላፍነት ዝተሰከመ ዓለማዊ ምእመን ዝምልከት ዝቐርብ ጥርዓን ክትሰምዕ ከምኡውን ነቶም ግዳያት ክሳዕ መወዳእታ ከተሰንዮም ኢያ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጥ።

ድቁናን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፈረንሳ ንዘሎ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ብዝምልከት፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ክልተ ሰዓት መደብ ህንጸት ኣብ ዛዕባ ኣገልግሎት ቀዋሚ ድቁና ክህሉ ከም ዝኾነ ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ደ ሞሊንስ - ቦፎርት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ እዚ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ዛዕባ ቀዋሚ ድቁና ንተልእኾ ቀወምቲ ዲያቆናት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ክኽበር ዝሕግዝ መንገዲ ክኸውን እዩ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም "ነተን ቀወምቲ ዲያቆናት ኣባላት ዘለወን ኣባይቲ ስድራ ስለ ዝህብኦ ደገፍ ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓያሎ ዳግመ ውዳበታት

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ኣወዳድባ ቤተ ክርስቲያን ፈረንሳ ሓያሎ ለውጥታት ብዝምልከት ዝክረ ነገር ድምጺ ከምዝተዋህበ ገሊጾም፥ ሓደ ካብዚ ውሳኔታት እዚ ዛዕባ መጻኢ ክርስትያናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚቕን ዕዮ ኣብ ፈረንሳ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ሽማግለ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሱዋ ቶቨት ዘቕርብዎ ጸብጻብ ክኸውን እዩ” ከም ዝበሉን እቲ ዋዕላ ንሓላፊት ሓዳስ ክፍሊ ትካላዊ ጉዳያት ሴሊን ረይኖድ - ፎርተን እውን ብሓጎስ ተቐቢሎም፡ ኣብ ኣገልግሎተን ኣሳልጦ ተመንዮን ጳጳሳት ፈረንሳ ኣብ ዘድልየን ጉዳያት ኩሉ ቀረባአን ብምዃን ንኽተሓባበርወን ድልዋት ምዃኖ ገሊጾም፡ ዕማም እቲ ንሰን ዝመርሐዎ ክፍሊ፡ መንግስታዊ ተበግሶታት ምክትታልን ምስ በርገሳውያን ማሕበራት ዝምድና ምሕያልን ዝብል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 22 መጋቢት ክዛዘም ምዃኑ የመላኽት።

21 March 2024, 15:50