ድለ

ጳጳሳት ኤውሮጳ፡ ውጥን ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ከማእክል ይጽውዑ ጳጳሳት ኤውሮጳ፡ ውጥን ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ከማእክል ይጽውዑ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ኤውሮጳ፡ ውጥን ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ከማእክል ይጽውዑ

ኤውሮጳውያን ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. ንዝካየድ ምርጫ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽመርጹ ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን፡ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ዜጋታት ንክርስትያናዊ ክብርታት ኤውሮጳ ንዝድግፉ ሕጹያት ክመርጹ ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ኤውሮጳ ካቶሊካውያንን ካልኦት ዜጋታት ኤውሮጳን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ዝመርጹሉ እዋን ብሓላፍነታዊ መንገዲ ድምጾም ክህቡ ይጽውዑ።

"ሎሚ ኤውሮጳን ሕብረት ኤውሮጳን ፈታንን ዘይርጉጽን እዋን የሕልፋ ኣለዋ" ዝበሉ ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ፥ ነታ ኣህጉር ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆ ንምፍታሕ፡ "ብቕንዕና ንሓባራዊ ረብሓ ዝስዕቡ ተባዓትን ብቑዓትን ብኽብርታት ዝድረኹን ሓንጸጽቲ መምርሕታት የድልዩና። ስለዚ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሎና ሓላፍነት ነስተውዕል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ኣባይቲ ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕብረት ልኡኻን ኣብ ዝኸተምዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክርስትያን ኣብዚ ኣገዳሲ ህሞት ንመጻኢ ናይ መንን ንየናይ ውድብን ድምጾም ከም ዝህቡ ኣጸቢቖም ንምፍላጥ ክጽዕሩ ከም ዘለዎም የጉልሑ።

ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ፍልልይ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ "ነቶም ውጥን ኣውሮጳ ብንጹር ዝድግፉ ከምኡውን ከም ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓድነት ማዕርነት ስድራቤት ቅዱስ ክብሪ ህይወት ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትናን ዲሞክራሲ ናጽነትን ከምኡውን 'ሓባራዊ ቤትና' ኽንከናኸን ዘተባብዑና ኣምራት ኣውሮጳ ዘደንፍዑ ሰባትን ውድባትን" ምርጫ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሑ።"

ውጥን ኤውሮጳን ክርስትያናዊ ክብርታትን ምድማጽ

ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ኤንሪከ ባሪዮስ ፕሪየቶ፣ ብዛዕባ’ቲ መግለጺን ተስፋ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ሰነ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቶም ጳጳሳት ካብ ካቶሊካውያን፡ ግን ከኣ ካብ ኩሎም ኤውሮጳውያን ዜጋታት ዝሓቱዎ ዘለዉ ነገር እንተሃልዩ፡ ዜጋታት ተዳልዮም ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ድምጾም ክህቡ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ “ንውጥን ኤውሮጳን ክርስትያናዊ ክብርታት ዘስፍሕን ሓላፍነታዊ ድምጺ” ይሓቱ ምህላዎም የብርሁ።

ናይ ኤውሮጳ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ኮፐንሃገን ጳጳስ ቸስላው ኮዞን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ንክርስትያናዊ ክብርታት ምሉእ ብምሉእ ዝውክሉ ውድባትን ሕጹያትን ኣብ ምምራጽ ጸገም እኳ እንተሃለወ፡ መሰል ድምጺ ብግቡእ ምጥቃም ግን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፥ እቲ ኤውሮጳዊ ውጥን ብሰንኪ ዕዉትነት “ውድባት ህዝብነት ድምጺ፡ ናይ ምብትታን ሓደጋ” ከምዘሎ ኣጠንቂቖም፡ እዚ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ፡ “ምኽንያቱ እቶም ሓይልታት እንተተዓዊቶም፡ ብሓቂ ምስ ራእይ መስረትቲ ኣቦታት ሕብረት ኤውሮጳ ምልታም እዩ ዝኸውን” ኢሎም።

ኣባ ባሪዮስ ፕሪየቶ እውን ብወገኖም ኣስዒቦም፡ መግለጺ ጳጳሳት ቅድሚ እቲ ምርጫ ዝወጸ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ውልቃዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ በብሃገሮም ንዝርከቡ መረጽቲ መምርሒ ንምሃብ ግዜ ንኽህልዎም መታን እዩ፡ “ምኽንያቱ ገለ ጉዳያት” ብደረጃ ኣህጉር ክረኣዩ ዘለዎም ኣህጉራዊ ጉዳያት ስለ ዘለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ዝርከቡ ናይ ጳጳሳት ጉባኤታት እውን ጠቓሚ ኣንፈታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም” ኢሎም።

መንእሰያት ምትብባዕ

መግለጺ ጳጳሳት "መንእሰያት ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኤውሮጳ ድምጾም ክጥቀሙን በዚ ድማ መጻኢኦም ዘረጋግጽን ንሓቀይና ባህግታቶም ፍትሒ እትገብርን ኤውሮጳ ክሃንጹ፥ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ከምኡ ክገብሩ ዝተጸውዑ ኮይኑ ዝስምዖም መንእሰያት ኣብ ፖለቲካ ክዋፈሩ የተባብዑ፣ ንሕብረተሰብ ብዘገልግል መንፈስ” ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣበርክቶ ክገብሩ፡ መንእሰያት ንውጥን ኤውሮጳ ክውፈዩ፣ ኣብ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ክብርታት ንምድንፋዕ ቃል ክኣትዉ የተባብዑ፡ እቲ ዘለና ኣዚዩ ኣገዳሲ መጋበርያ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኤውሮጳ ኣንህቦ ድምጺ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጳጳሳት ኤውሮጳ፡ ውጥን ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ከማእክል ይጽውዑ
15 March 2024, 15:14