ድለ

2024.03.19 Bishop Earl Fernandes with the seminarians from the Diocese of Columbus OH at the Pontifical College Josephinum_foto don Paweł Rytel-Andrianik 2024.03.19 Bishop Earl Fernandes with the seminarians from the Diocese of Columbus OH at the Pontifical College Josephinum_foto don Paweł Rytel-Andrianik 

ሰበኻ ኮሎምቦስ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ቍጽሪ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት ብዕጽፊ ወሲኹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጽዋዕታ መልእኽቶም ኣብ ዘመሓላልፉሉ ዘለዉ እዋን ፣ እቶም ናይቲ ኣብ ኦሃዮ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሰበኻ ኮሎምበስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ አርል ፈርናንደስ ዝሓለፈ ዓመት 16 ሓደስቲ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብ ሰበኻኦም ከም ዝረኸቡን ንዝመጽእ ዓመት ከአ 12 ካልኦት ይጽበዩ ኸም ዘለውን ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሰበኻ ኮሎምበስ ኦሃዮ ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ አርል ፈርናንደስ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ብ21 ሚያዝያ 2024 ንእትዝክሮ መበል 61 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ተዘክሮታቶም ኣካፈሉ ።

ጵጵስና ተቐቢለ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት፣ ማለት ኣብቲ ሓዲስ ኣቡን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ሰበኻና ንኽህነት ዝሰናደዉ ተመሃርቲ ዘርኣክህነት ኣይነበሩናን ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቅብኣተ ጳጵስና እተቐበልኩሉ ዕለት ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እተረኽቡ ምእመናን፣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኻብ ካህናት ንላዕሊ ኣቡናት ከም ዝተቐብኡ ነገርክዎም።"

ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንደስ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክገልጹ ዝሓለፈ ዓመት 16 ተመሃርቲ ናብ ዘርኣ ክህነት ከም ዝኣተዉ ኣመልከቱ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ናይቲ ሰበኻ ቍጽሪ ካቶሊካውያን ምእምናን ከም ዝወሰኸ ገሊጾም።

ናይ ጉጅለ ስእሊ ኣብነ ፈርናንደስ ምስ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ኮሎምቡስ
ናይ ጉጅለ ስእሊ ኣብነ ፈርናንደስ ምስ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ኮሎምቡስ

ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ዳርጋ 12 ዝዀኑ መንእሰያት ናብ ዘርኣ ክህነት ክኣትዉ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጸሎት ዝተግሁን ኣብ ጕስነት እተገብረ ሓድሽ ጻዕርታትን ዝሳተፉ ከም ዝወሰኸ ዘመልክት ምዃኑ ገለጹ።

ብፁዕ ኣቡን ፈርናንደስ እዛ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ቕድሚ 11 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት  ፍራንቸስኮ እተመርጹላ ዕለትን፣ ኣብ ዕለተ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍን ከም እተሓትመ ብምጥቃስ፦

"ቅዱስ ዮሴፍ ተራ ሰብኣይ - ኣቦ ስድራ ንኢየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ኢዩ ነይሩ፣ ንሱ ንጽውዓ ጐይታ ሰሚዑ መልሲ ዝሃበ ኢዩ ዝነበረ" በሉ። "ንሕና እውን ህይወቶም ንኣገልግሎት ወፍዮም ንሰባት ተስፋ እናሃቡ ንጐይታ 'እወ' ዝብሉ ብዙሓት ካህናት ኣለዉና። እዚ ኸኣ እቲ ኻብ ቅዱስ ቍርባን ዝመጽእ ተስፋ ማለት ሰብ ምሕረት ምዃና ዘመልክት ኢዩ።"

ኣቡነ ፈርናንደስ ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ኣብቲ ከባቢና ምስ ዘለዉ መንእሰያት ምእንቲ ክንራኸብ መንእሰያት ዝኹኑ ካህናት መሪጽና ኣሎና፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ናብ ጸዋዕታ ክህነት ወይ ምንኩስና ወይ ከአ ናብ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ክኣትዉ ዝደልዪ ጸዋዕታኦም ንኸለልዩን ይሕግዝዎም ከምኡ ውን ነታ ክቡር ኣባ ብረንት ብራንና ዝጸሓፍዋ "ኣሽሓት ነፍሳት ንምድሓን - መምርሒ ሜመያ ናብ ጸዋዕታ ክህነት " ዘርእስታ መጽሓፍ ንኸንብዋ ይሕግዝዎም ።  

ሰበኻ ኮሎምበስ እውን "ኮ ቫዲስ" (ናበይ ትኸይድ?) ዚበሃል መደብ ሱባኤ ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወዲቦም ይርከቡ።

ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንደስ ምስ ዜና ቫቲካን ዝገብርዎ ቃለ መሕትት
ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንደስ ምስ ዜና ቫቲካን ዝገብርዎ ቃለ መሕትት

"እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ መደባት ብጸሎትን፣ ምስክርነት ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምስማዕን፣ ተጸሚዶም ምስቶም ክህነት እንታይ ምዃኑ ዘረድእዎም ካህናት ይዘራረቡ፣ እዚ ድማ ጸሎትን መጽናዕትን ስራሕን ጥራይ ከም ዘጠቓልል ንኽግንዘቡ ዝሕግዞም ኢዩ። ኣቡነ ፈርናንደስ ብተወሳኺ ከምዚ በሉ - "እዚ እውን ብዙሕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ።”

ኣብ ሰበኻ ዘለዉ ምእመናን ኮኑ ኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣቦታትን ኣዴታን ምእንቲ ጸዋዕታ ክጽልዪ ከም ዘለዎም ውን ኣጕልሐ።

"ምእንቲ ጸዋዕታ ብቐጻሊ ክጽልዩን ክጾሙን ንምሕጸኖም ኣሎና" ውን በሉ።

ኣቡን ፈርናንደስ "እዚ ሓሳብ እዚ ልክዕ ከም ሃዋርያት ሓጐስ ወንጌል ክምስክሩ ዘለዎም ኣገልገልቲ ንምርካብ ኢዩ" ብምባል ዛዘሙ ።

20 March 2024, 16:41