ድለ

ኣብ ህንዲ ካቶሊካውያን ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ መዓልቲ ጸሎት ኣካይዶም ኣብ ህንዲ ካቶሊካውያን ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ መዓልቲ ጸሎት ኣካይዶም  (AFP or licensors)

ኣብ ህንዲ ካቶሊካውያን ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ መዓልቲ ጸሎት ኣካይዶም

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ህንዲ ፍሉይ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ከም ዘብዓለት ዜና ቫቲካን ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህንዲ ነቲ ንዕለት 19 ሚያዝያ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ 2024 ዓ.ም. ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ዕለት 22 መጋቢት “ሃገራዊ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን” ከም ዘካየዱን፣ ንቤተክርስትያንን ሃገርን ክማልዱ፣ ብፍላይ ድማ እግዚኣብሔር ነቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ከጽንዕን ኣብ ልዕሊ ኩሎም እቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝሳተፉ ሰባት ጥበቡ ከውርደሎም ከም ዝጸለዩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ መደብ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ህንዲ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ባንጋሎር ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባ ብወግዒ ዘቕረብዎ መደብ ምዃኑ የዘኻኽር።

12 ሰዓታት ጸሎት ንቤተ ክርስቲያንን ሃገርን

ብጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ናይ ደልሂ ሊቀ ጳጳሳት ኣኒል ኩቶ ዝተኸተምዎ ደብዳበ፡ ምእመናን "ኣብ ቐጻሊ ናይ 12 ሰዓታት ብጸሎት ተጠርኒፎም ንሃገር ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ክጽልዩ" ጻውዒት ኣቕውሪቦም፥ እዚ መደብ ጸሎት እዚ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ንባባት ቅዱስ መጽሓፍን ጽሎት ፍኖተ መስቀልን ኣብ ዝኣመሰሉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ተግባራት ነቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ሓሳብ ዝገብር ኽከውን ድማ ኣመላኺቶም፡ በዚ ጸሎታት እዚ፥ "ልብና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ነሰማምዖን ንጽህና ቤተ ክርስቲያንን  ምንቲ ሰናይ ህዝብናን ልመናና ነቕርብ" ምስ በሉ፥

ኣብዚ መደብ ጾምን ጸሎትን ኩሎም ምመናን ልኡካነ ወንጌልን ገዳማትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ክሓብሩን ኣብ ሰሙነ ሕማማት እውን እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ህልው ክኽውን ከም ዝሓተቱን፥ “እዛ መዓልቲ ንመላእ ህንዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሚቝ መንፈሳዊ ኣስተንትኖን ንስሓን ምሕዳስን እትውክል ህሞት ክትከውንን መስዋእትናን ምህለላናን ብፍቓድ ኣምላኽ ክፉት ልቢ ሒዝና ኣብ ምሕረቱን ሓልዮቱን ተኣሚንና ኢና ነቕርብ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ህንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ውልትውና

እዚ ተበግሶ ኣብ ህንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ውልትውና “ኣብ ሃገርና ዝኽበር ማሕበራዊ ስኒት ዝሃስን ንባዕሉ ንደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን” እዩ እንክብሉ ጳጳሳት ህንዲ ኣብ ናይ መወዳእታ መግለጺ ኣኼባኦም ርእይቶ ሂቦም ከም ዝነበሩን፡ “ዝገማምዕ ኣተሓሳስባታት፡ ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ጸንፈይናታት ምንቅስቓሳትን ነቲ ወትሩ መለለዪ ሃገርናን ቅዋም ሃገርን ዝኾነ ብዙሕነታዊ ስነ-ምግባር ይቡሕጉግ ኣሎ” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ብቅዋም ሃገር ዝተረጋገጸ መሰረታዊ መሰላትን መሰላት ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ፈጺሙ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ የብሉን” ዝብል ሓሳብ  ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የዘኻኽር።

መራሔ መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ ንሳልሳይ ግዜ ንምርጫ ይቐርብ

ሓፈሻዊ ምርጫ ህንዲ ካብ ዕለት 19 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 1 ሰነ ኣብ 7 ዝተፈላለየ ዙርያታት ክካየየድን ኣስታት 1 ቢልዮን መረጽት ድምጾም ክህቡ ከም ዝኾኑን ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ምርጫ ድማ ዕለት 4 ሰነ ብወግዒ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሔ መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ ናይ ሃገራዊ ሰልፊ ባራቲያ ጃናታ (ቢጄፒ) መራሒ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ምርጫ ክቐርብን ክወዳደርን ከም ዝኾነን ምስቲ 27 ውድባት ዝጥርንፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ሓቛፊ ኪዳን ህንዲ (INDIA) ክወዳደር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

23 March 2024, 15:09