ድለ

2024.03.28 celebrazione della Pasqua in Mongolia 2024.03.28 celebrazione della Pasqua in Mongolia 

በዓል ትንሳኤ ኣብ ሞንጎልያ ፦ ገርሀይና ህዝባዊ ሓጐስ

ናይ ኡላንባታር ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅዮ ማረንጎ ንክርስትያናዊ ሓጐሶም ብትሕትና ንምክፋል ኣብ ሰሙነ ሕማማት ከም ዝርከቡ ብምግላጽ ጽምብላትን ልምድታትን እቶም ኣብ ሞንጎልያ ዚነብሩ ሒደት ካቶሊክ ይምስክሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሞንጎልያ ሰሙነ ሕማማት ብሓቂ ድሙቕን ፍልይ ዝበለ ሊጡርጊያዊ ክፍለ ግዜ ኢዩ ። እንተ ወሓደ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል በጽሕታት ንኡሰ ክርስቲያን መሰረታዊ ስጉምቲ ህይወቶም ንምውሳድ አብዚ ግዜ እዚ ተሰናድዮም ኢዮም ።

ልኡኻት ወንጌል ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ምሳታቶም ብምትሕብባር ነቲ ዜደንቕን ሱር ዝሰደደን ባህርይ ናይዚ ምስጢር እዚ ንኽንዝክር ይሕግዙና ኢዮም ።

በዚ መዳይ እዚ ምስዞም ንሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ኣብ ህይወቶም ብናጻ ክቕበልዎ ምስ ዝደልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ምህላውና፣ ነዚ ድማ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ናትና ንኽንገብሮን ከምኡውን ብዕምቈትን ብሓድሽ ንኽንግንዘቦን የተባብዑና ኣለዉ ።

በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ
በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ

ኣብ ሰንበት ሆሣዕና ማሕበረሰብና ኻብቲ ነዊሕ ቈራሪ ወርሓት ክወጽእ እንከሎ ገለ ጨንፈራት ሆሣእናን  (ኣእዋምን ኣውልዕን ) ኺወዛወዝ ኢኻ እትርኢ።

እቲ ወትሩ ብሰበ - ስልጣን እታ ሃገር ተፈላጥነት ኣብ ዝተዋህቦ ቦታ ጥራይ ዝግበር ዑደት መብዛሕትኡ ግዜ ብቝርን ዶራንን ንፋስ ኢዩ ዝስነ ።

ኣብዚ ቦታ እዚ ጽድያ ሃንደበታዊ ሙቐትን ቁርን ስለ ዚለዋወጥ፣ ከብቲ ስለ ዚደኽማ ከምኡውን ሰባት ብኣካላቶም ስለ ዝስነፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግዜ እዩ። ስለዚ ምስጢር ድሕነትና ኣብቲ ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ ናይ ተፈጥሮ ዑደት ኢዩ ዝፍጸም፣ እዚ ኸኣ ጐይታና ኣብዚ ወቕቲ እዚ ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ድኻታት ደቅሰብ ንምብጻሕ ከም ዝመረጸ ኢዩ ዘመልክት ።

እቲ ሰሉስ ዝካየድ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቡራኬ ቅብኣ ቅዱስ ነቶም ካብ ርሑቕ ቦታ ዝመጹ ካህናት ኣገዳሲ ዕለት ክህነቶም እዩ ዜመልክት ።

ኣብ ካተድራል ምስ ሒደት ምእመናንን ምስ ሓያሎ ኣሓት ደናግልን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብምዃን ኩሎም ክህናት መብጽዓ ኽህነቶም ዘሓድሱሉ ዕለት ውን ኢዩ ። ድሕሪኡ ንገለ ቁሩብ ግዜ ብዛዕባ ምስጢር ኽህነት ሕጽር ዝበለ ኣስተንትኖ ብምግባር ብሓጐስ ናብ ናይ ምሳሕ መደብ ንሓልፍ ።

ናብ ቁምስና ብምኻድ ድማ ካብቲ ብበረድ ዝሽፈን መገድታት ንምምላጥ ኣብ ሓጺር መደባትና ብዝቐልጠፈ ክንውድእ ንፍትን ።

በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ
በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ

ነፍሲ ወከፍ ካህን ነቲ ናይዚ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ብጥንቃቐ ብምስንዳው ከምኡ ውን ኣብተን ርእሰ ከተማታት ጳጳስ ክሳተፍ ስለዝፍትን ንቕምባሎም ጽቡቕ ምስንዳዋት ኢዮም ዘካይዱ ።

ድሕርዚ ኹሉ ድማ እታ ቕድስቲ ለይቲ ትስዕብ ። እቲ መብራህቲ ትንሳኤ ኣብ ውሽጢ እቲ ምልክት ስድራቤት ዝዀነ ባህላዊ መንበረ ታቦት ይቕመጥ ።

እታ ኸም ዕትሮ እትመስል (ድንኳን ሞንጎልያ) ዝኾነት ካተድራል ብጸልማት ተሸፊና እንከላ ኣብ ኣፍ ደጌ ብዝበርህ ሽምዓታትን መብራህትን እቲ ዑደት ትንሣኤ ብምግባር ናብ ቤተክርስቲያን ንኣቱ ።

እቲ መዝሙር ትንሣኤ ድማ ብቋንቋ ብሞንጎልያ እዩ ዚዝመር፣ ብመልክዕ ግጥማዊ መልክኡ ድማ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝዝውተር ባህላዊ ምሳሌታት ኢዩ ዘንጸባርቕ ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እቶም ንኡሰ ክርስቲያን ናብቲ ናይ መካነ ምጥማቕ ይቐርቡ እሞ ጻዕዳ ምሳሌ ሓድሽ ህይወት ዝኾነ ኣልባስት ይለብሱ ፣ ገሊኣቶም ብፍላይ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እተሰርሐ ዲል (ባህላዊ ኽዳን) ተኸዲኖም ይመጹ ። ዋላ እውን ደጋዊ መግለጺታት እንተ ዘይብሎም ብስምዒትን ብህድኣትን ብሓጐስን እዮም ዚነብዑ ።

በዚ ኸምዚ እተን ቅዱሳት መዓልትታት በዓል ትንሳኤ ነቶም ንነዊሕ እዋን ብእምነት እተጓዕዙ እውን ከይተረፈ ናይ ሓቂ በረኸት እየን ዝኾናኦም ። እዚ ኹሉ ሊጡርጊያው ሥርዓታት ድማ ንእምነትና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣበርክቶ ዘለዎ ኢዩ ።

በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ
በዓለ ፋሲካ ኣብ ኡላምባታር ሞንጐልያ

ሰኑይ በዓል ትንሳኤ ምስቶም ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ካንድጋይት ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ኡላንባታር ዚርከብ ዱር ተኣኪብና ፍሉይ መደብ ጸሎት ነካይድ ። ቅድሚኡ ግና ኣብ ሓንቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ንእሽቶ ቤት ጸሎት ኢና እነኽብሮ ዝነበርና።

ኣብ ገሊኡ ዓመታት ብርቱዕ ዛእዛዕታ ስለዝገብር ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጸሓይ ጽድያ ስለዝብርትዕ፣ ነፍሲ ወከፍና በቲ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ መዓልትታት ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ኣጸቢቕና ፍሉይ መንፈሳዊ ተመኵሮ ከም ዝረኸብና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና፤ ነቶም ኣብ ማያት ጥምቀት ሓድሽ ህይወት ንዝረኸቡ እንደገና እተወልዱ ሓደስቲ ኣባላት ማሕበረሰብ ድማ ነቲ ጐይታ ተንሲኡ ኢዩ ዝብል ናይ ውዳሴ መዝሙር ብሕብረት ንዝምረሎም ።

ኢየሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምሕጻቡ ኣብ ኣእዛናን ልብናን "እዚ ዝገበርክዎስ ተረዲኡኩምዶ?" ኢዩ ዝብለና (cf. Jn 13 12)።

ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና መዓልትታት በዓል ትንሳኤ ግን ኣብዚ መዳይ እዚ ብልክዕ ብዙሕ ኢዩ ዝሕግዘና ። ነቲ ኣብ ልቢ ደቀ መዛሙርቲ ኤማዩስ ዝነደደ ሓዊ እንደገና ንምልዕዓል ከኣ ነቲ ታሪኽ ዝቐየረ ምልክታ እናተጸበዩ ምእመናን ሞንጐልያ ተሓጒሶም ናብ  መላእ ዓለም ብርሃን ትንሣኤ ክርስቶስ ሒዞም ክኸዱ ድሉዋት ኰይኖም ኣለዉ

29 March 2024, 17:53