ድለ

2023.02.28 Encuentro de Obispos de América  2023.02.28 Encuentro de Obispos de América  

ጳጳሳት ክፍለ ዓለም ኣመሪካ ዝያዳ ሲኖዳዊ ተልኾ ቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ

ካብ ካናዳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ላቲን ኣመሪካ ከምኡውን ካሪብያን ዝመጹ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ከተማ ታምፓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "ከም ጓሶት መጠን ብዛዕባ ሓባራዊ ኣገልግሎቶም ንምጽላይን ንምምይያጥን" ንሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ጉባኤ ኣካዪዶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዝርከብ ቤትምኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት፣ ነቲ ካብ 1959 ዝነበረ ልምዲ ብምቕጻል ኣብ ታምፓ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ተጋቢኦም ። ኣብቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28 ለካቲት እተገብረ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳስት፣ ካብ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ (CELAM)፣  ካብ ናይ ካናዳ ቤት ብምኽሪ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳትን (CCCB) ከምኡውን ካብ ቤት ምኽሪ ካቶሊካዉያን ብፁዓን ጳጳስት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USCCB) ዝመጹ ተጋባእቲ ኢዮም ዝተሳተፍዎ።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ጉባኤ እዞም ብፁዓን ጳጳስት ተመክሮኦም ንምክፋል ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓደ መልእኽቲ ለኣኹ ። "ዘተታትና ብዙሕ ፍረ የፍሪ አሎ፣ ብፍላይ ብዛዕባ ኣከባብያዊ ተፈጥሮን ስደትን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣርእስታት እተፈላለየ ናይ ሓባር ተበግሶታት ክግበር ዝከኣል ምዃኑ ድማ ከነጽንዕ ጀሚርና ኣሎና፣" ይብሉ ኣብ መልኽቶም።

ዋና ጸሓፊ ናይ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ብፁዕ ኣቡነ ሊዛርዶ ኢስትራዳ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ኣህጉር ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ጸላውን ውጽኢታውን ዝኮነ ምትሕብባር" ከም ዘለዋ ገለጹ ። ቤተ-ክርስትያን ንእተፈላለየ ብድሆታት እትህቦ ሓባራዊ ምላሽ ብምጕላሕ ከምዚ ብምባል ገለጹ - "ሓቢርና ክንጕዓዝ ንደሊ ኢና፣ ሲኖዳውነት ድማ ናብዚ ገጹ ኢዪ ዝመርሓና፣ ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃልን፣ ንዘጋጥመና ሓባራዊ ጸገማት ሓቢርና ክንገጥሞን ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣመሪካ ዘሎና ብድሆታት ብሓባር ምላሽ ክንህበሉን ኢና እንደሊ።"

'ሓንቲ ኣመሪካዊት ክፍለ-ዓለም'

ብፁዓን ጳጳስት ኣመሪካ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ጉባኤ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ - "ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉስንርታዊ ኣገልግሎትን፣ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያትን ዘሎና ሓባራዊ ሻቕሎትን ኣቀራርባን ተዘራሪብና አሎና ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ብዛዕባ ብፍታው ዝግበር ስቓይ ኣልቦ ሞትን፣ ብዛዕባ ስደትን፡ ብዛዕባ ስግኣታት ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ናይ ሓባር ቤትና ከምኡውን ብዛዕባ ሲኖዳውነትን ዝኣመሰሉ ኣርእስትታት ኢያቶም።"

እዞም ብፁዓን ጳጳስት፣ ኣብቲ ብሓባር ዘሕለፍዎ ግዜ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ሓንቲ ኣህጉር ኣመሪካ" ከም ዘላ ዝሃብዎ መርገጺ ንኽግንዘቡ ከም ዝሓገዞም ገለጹ፣ ከምዚ ድማ ይብሉ - "ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ኣሎና፣ ተመሳሳሊ ናይ ጕስነትን ማሕበረሰብኣውን ጕዳያት እውን ኣሎና።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ ብሓባር ዘሕለፍዎ ግዜ "ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ማእሰር ሕውነትና ኣደልዲልዎ ኢዩ፣ ዝያዳ ሲኖዳዊ ዝኾነ ተልኾ ቤተ-ክርስትያን ከነደንፍዓሉ እንኽእል መገድታት ንኽንግንዘብን ከምኡውን ኣብ ግራት ኣታኽልቲ ወይኒ ጐይታ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኽንዓዪ ዘኽእለና መገድታት ንኸነማዕብል ኣኽኢሉና ኢዩ፣" ከም ዝበሉ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ።

01 March 2024, 17:23