ድለ

ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቅድስቲ መሬት፦ ይቕረ ምባል እቲ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ! ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቅድስቲ መሬት፦ ይቕረ ምባል እቲ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ! 

ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቅድስቲ መሬት፦ ይቕረ ምባል እቲ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ!

ክርስትያን ናብቲ ናብ በዓለ ትንሳኤ ዘሰጋግር ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዝኣትወሉ ሰሙን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ፓትሪያርክ፥ ብዛዕባ ቅድስቲ መሬትን ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ቀጻሊ ዓመጽን ግጭትን፡ ብዛዕባ በዓል ፋሲካን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ይቕረ ምባል እቲ እንኮ መገዲ ሰላም እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ድሕረ-ባይታ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዚግበር ዘሎ ቐጻሊ ውግእ፡ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቅድስቲ መሬት ከምቲ ልሙድ ኣብ በዓል ክኸውን ከም ዘይክልን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ልደት ንምብዓል መንፈሳውያን ነጋዲ ዘይተረኽብሉ ሃዋሁ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ዝድገም ከም ዝኸውን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተራዳእኢ ጳጳስ ራፊክ ናህራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘኣክየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም ካብቲ ባህላዊ በዓላዊ ሃዋህው ርሒቑ፡ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንበይኑ ከብዕሎ እዩ፡ እዚ ድማ ብመንጽር እቲ ንተስፋ ዝኸውን ቦታ ዝገድፍ ዳርጋ ዘይመስል ህሉው ኩነታት ትርጉም ናይቶም ፍጻመታት ብዕምቆት ንኸነስተንትን ክሕግዘና እዩ” ኢሎም።

ብርግጽ እቲ ኣብ ወንጌል ዝንገር ንኢየሱስ ዘጋጠሞ ዓመጽ ሎሚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ክርስትያን ኪኖ ተስፋ ምቑራጽ ክጥምቱ ክሕግዞም ይኽእል እዩ፡ እዚ ቅዱስ ሰሙን’ዚ ነቲ ሓቀይና ኣረኣእያ እምነት ክርስትና፣ ኣብቲ ኩነታት፣ ብገለ መልክዑ ተስፋ ዝቖረጸ ከምስሎ ይኽል እዩ፡ እዚ ህልው ኩነታት እዚ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ብዕምቆት ንኸነስተትን ክሕግዘና ዝኽእል እዩ፡ ኣሰር ክርስቶስ ሓባራዊ ጉዕዞ ክግበር ዝላበው ምዃኑ የስተብህሉ።

ኣብ ማእከል ጸልማት ብርሃን ኣሎ

ተራዳኢ ፓትሪያርክ ጳጳስ ናህራ ኣስዒቦም ኣብ መንጎ እቲ ነታ ቅድስቲ መሬት ዚዕብልላ ዘሎ ጸልማት ውግእ ብርሃን ትንሳኤ ክርስቶስ ክንርስዕ ክገብረና ከም ዘይብሉ ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ እቲ ዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ዘቑጽር ዘሎ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተባረዐ ውግእ ካብ ዘስዕቦ ዓመጽን ጽልእን ኪኖ ድንጋጸን ሓድነትን ዘርዩ ዘደንቑ ሰባት ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹልና እዩ እንክብሉ ኣብነት ናይቶም ብኽልቲኡ ወገን ንዝቘሰሉ ሰባት ዝሕግዙ ዘለዉ ናይ ፍልስጥኤምን ኣይሁድን ሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ሰናይ ተግባር ዘኪሮም፥ "በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ናይ ጽልኢ ዘረባ ክንስዓር የብልናን . . . "እቲ ብርሃን በቲ ኣብ ልቦም ብርሃን ብዘለዎም ሰባት ህያው እዩ” ኢሎም።

ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዓወት ተቐባል ረኺቡ ድሕሪኡ ግን ስቕለት ክገጥሞ ብዝነኣድዎ ሰባት ከም እተኻሕደ ብምዝካር ነዚ ተመክሮ እዚ ጳጳስ ናህራ ብዛዕባ እቶም ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ፍታሕ ዝጣበቑ ዘጋጥሞም ምስ ዘሎ ብድሆ ብምንጽጻር፡ ዋላ እኳ ተገሊሉን ንስቓይ ኣሕሊፎም ዝሃብዎ እውን እንተነበረ፡ ዘርኢ ሰላም ኣብ ምዝራእ ምጽናዕ ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጸልና ቢሎም፥

“ሎሚ ንሰላም ዝቐርብ ጻውዒት ኣይስማዕን። በዚ ክንስዓር ግን ክንፈቅድ የብልናን፡ ልክዕ እዚ ህሞት እዚ ድማ ልክዕ ከምዚ ዝዓይነቱ ተግባራት ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ከምዘይኮነ ፈሊጥና፣ ዓመጽ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ንእሽተይ ዘርኢ ሰላም ዝዘርእን ስጉምቲ ክንቅጽል ዝግበኣና ህሞት ገይረ ክሓስቦ እደሊ!

ልባትና ቦታ ይቕረታ ክኸውን ኣለዎ

“ሰላም ሱር ክሰድድ ካብቲ ኣብ ሕብረተሰባት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝሰፍሐ ሕነ ምፍዳይ ርሒቕና ልባትና ስፍራ ይቕረታን ምድርዳእን ክኸውን ምልዋጥ ልቢ የድልየና፥ ዘጋጥም ብዘየገድስ ንኻልኦት ከም ሰብ ክንርእዮም ይግባእ። እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክንገብሮ እንኽእል” ቢሎም፥ ይቕረ ምባል ሕመረት ወንጌል ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ጳጳስ ናህራ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ መከራን ጸልማትን ነዚ መልእኽቲ ከይርስዕዎ ብምምሕጻን፥ “ወንጌል ብጀካ ናብ ናይ ይቕረታ ኣንፈት ምጉዓዝ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብልና የዘኻኽረና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

26 March 2024, 15:48