ድለ

ጳጳሳት ቱርኪ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስለቲ ንቤተክርስትያንና ዘለኩም ፍቕሪ የቐንየልና ጳጳሳት ቱርኪ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስለቲ ንቤተክርስትያንና ዘለኩም ፍቕሪ የቐንየልና 

ጳጳሳት ቱርኪ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስለቲ ንቤተክርስትያንና ዘለኩም ፍቕሪ የቐንየልና

ናይ ቱርኪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት፡ ናይ ቱርክ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ክሜተክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ድሕሪ ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጸገማትናን ተስፋናን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣካፊልናዮም፡ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ፍርሒ እኳ እንተሃለወ ካብቲ ናይ ራዕዲ ሃዋህው ምውጻእ ግን የድሊ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ እቲ ዕለት 9 ለካቲት ጳጳሳት ቱርኪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ኣማእኪሎም ናይ ኢዝሚርነ መጥሮጶሊታ ናይ ቱርኪ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ከሜተክ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቱርኪ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘካፈልዎምን “እቲ ዝዓበየ ድማ ምስጋና ስለ እቲ ጎዲሉ ዘይፈልጥ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቱርኪ ቅዱስነቶም ዘለዎም ኣቓልቦ: እቲ ሓቀይና ሓልዮት ንምቕራብ ዝተኻየደ ርክብ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ጽዑቕ ዝርርብ

ምስ ቅዱስ ኣቦናን ዳርጋ ምስ ኩሎም ናይ ኩርያ ሮማና ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀርባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣካላት ርክባት ዝተኻየደሉ መደብ ምንባሩ ሓቢሮም፥ “ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ቤተ ክርስቲያን ቱርኪ ዘጋጥማ ዘሎ እወንታዊ ነገራት ከነካፍል ክኢልና። ኣብታ ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩላ ምዕራባዊት ኤስያዊት ሃገር፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን 0.07 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ጠቕላላ ህዝቢ ትውክል እኳ እንተኾነትን “ፍጹም ውሑዳት እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብዛ ናይ ቀደም ምድሪ ክርስትና ዝነበረት ሃገር ህላወና ንምርግጋጽ ብትግሃት ንዓይን ነገልግልን” ኢሎም።

ትብዓትን ተስፋን

ኣብ ሰሜን ኢስጣንቡል ዞባ ሳርያር ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ልደታ ለማርያም ዘቡዩክደረ ዕለት 28 ጥሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህይወት 52 ዓመት ዝዕድመኦም ምእመን ከም ዘጥፈአን፡ ምእመናን ዘለዎም ስግኣት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ገበናዊ ተግባር “ንዅሎም ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ክርስትያን ንምርዓድ ዝሃቀነ እዩ” ቢሎም፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ “ማሕበረሰባት ቤተክርስትያን ንፍርሒ ምሩኻት ከይኮኑ ዕለታዊ ህይወቶም ክነብሩ ምዃኖም ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ህይወት ብትብዓትን ብተስፋን ዳግማይ ንቕድሚት ክብል ኣለዎ።” “ኣገዳሲ ንጥፈታት ንምትግባር ብዙሕ ቤተ ክርስቲያናዊ ተኽእሎታት ኣሎ ንፍጽም እውን ኣሎና። ኩሉ ነገር ግን ብዓቢ ትሕትና ክንገብሮ ከም ዘሎናን ማለት ብዘይ ረኣዩለይ ስምዑለይ” ኢሎም።

ሓደሽቲ ብድሆታት ኣብ ዳግመ ህንጸት

ኣብ ቱርኪ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ቁስሊ ምፍዋስ ዝብል ብድሆታት ትገጥም ከም ዘላን እዚ ርእደ መሬት ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ እውን ኮይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ንሞት ዝዳረገ እዩ። “ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ጨንፈር ቱርኪ ብዓቕሙ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣሎ። ካቴድራል ኢስከንደሩ ሓዊሱ ዝፈረሳ ኣብያተ ክርስቲያናት ዳግመ ህንጸት ምእንቲ ክጅመር ክሳብ ሕጂ ኣድላዪ ወግዓዊ ፍቓድ ንጽበ ኣለና። ካብ ናይቲ ከባቢ ላዕለዎት ኣካላት ዘዕግብ መልሲ እውን ከም እንረክብ ርግጸይና እየ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

13 February 2024, 16:46