ድለ

ሃይቲ፡ ሸውዓተ ኣሃው ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ልቢ ተጨውዮም ሃይቲ፡ ሸውዓተ ኣሃው ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ልቢ ተጨውዮም 

ሃይቲ፡ ሸውዓተ ኣሃው ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ልቢ ተጨውዮም

ኣብ ሃገረ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸም ጭውያታት ሕጂ እውን ይቕጽል ከም ዘሎን ሽዱሽተ ኣሓው ዘቅዱስ ልቢ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣናኸዱ እንከለዉ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተጨወዩን ካልእ ካህን ድማ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከም ዝወረዶምን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቤቶም እንከለዎ ብዝወረደ ናይ ተፈንጃሪ መጥቓዕቲ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ጳጳስ ዱማስ መጥባሕቲ ከም እተገበረሎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃይቲ ሽዱሽተ ኣሕዋት ዘቅዱስ ልቢ ዕለት 23 ለካቲት 2024 ዓ.ም. ንጎሆ ናባቲ ዘገልግልሉ ቤት ትምህርቲ ዮሓንስ መበል 23 ኣናኸዱ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተጨውዩን፥ "ናጻ ክልቀቑን እዚ መዓት ዘይውሕስነት እዚ ከብቅዕ ንጽሊ" እንክብሉ እቶም ናይቲ ከባቢ ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌል ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘውጽዎ ናይ ሓባር መግለጺ ሓቲቶም፡ እታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ልዑል ሓደጋ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣብ ኣገልግሎት ዘላ ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብጀካ እቶም ዝተጨውዩ ካልኣ ካህን ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ. ኣብ ክፍለ ከተማ ባይሰንተነር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተጭውዩ ዜና ቫቲካን ካብ ሃይቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ጳጳስ ዱማስ ድሕሪ ዘጋጠሞም ፍንጀራዊ ሓደጋ

ብኻልእ ወገን ኣብ ሃይቲ ናይ ሰበኻ ኣንሰ-ኣ-ቬዮን ሚራጎናን ጳጳስ ፒየር - ኣንድረ ዱማስ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ለካቲት ኣብ ፖርት -ኦ- ፕሪንስ ንሓዋርያዊ መደብ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኣብ ዝተኣንገድሉ ቤት እንከለዉ ብዘጋጠሞም ፍንጀራ ድሕሪ ዘጋጠሞም መጉዳእቲ ኣብ ሕክምና ከም ዘለዉን ክልተ መጥባሕቲ እውን ድሮ እተገበረሎምን ኣብ ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእዩ ኣውን እንተሃለዉ ምንጭታት ሃይቲ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ ናብ ሓደ ኣብ ሚያሚ ናብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ክሰጋገሩ ምዃኖም የመላኽት።

መዕለቢ ዘይብሉ ዘይውሕስነትን ዘይምርግጋእን ሃይቲ

ብሰንኪ እቲ ሓያል ፖለቲካዊ ውጥርን ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ንዝተዋፈሩ ዕጡቓት ጕጅለታት ንምውጋድ ዘድሊ ምቁጽጻር ኣብ ምግባር ፖሊስ ኣቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ዝፈጠሮ ዘሎ ዘይውሕስነት ኩነታት ሃይቲ ኣዝዩ ከቢድ እናኾነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካህናትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ብገበነይናታት ጉጅለታት ዒላማ ጭውያ ከም ዝኾኑን እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ሃይቲ ሃብታም እያ በጃ ክትከፍል ትኽእል እያ ዝብል ጉጉይ እምነት መሰረት ዘካይድዎ ዓመጽ ኮይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዕቱብ ክፋል ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ሽዱሽተ መነኮሳት ካብ ኣውቶቡስ ዝተጨውያሉ እዋን ክዝከር እንከሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዕለት 21 ጥሪ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ "እቲ ኣብ ልዕሊ ክቡር ህዝቢ ሃይቲ ብዙሕ መከራ ዘስዕብ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ . . . ምእንቲ ማሕበራዊ ስኒት ሃይቲ" ጸሎት ኩሉ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

24 February 2024, 17:01