ድለ

2024.02.16 Progetto Sisters_PS64 Figure 1 2024.02.16 Progetto Sisters_PS64 Figure 1 

ናይ ራብዓይ ክፍለ ዘመን "ኣዴታት ቤተ-ክርስትያን"

ከምቲ ሎሚ እንፈልጦ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት ከም ናይ ኣስተንትኖ ህይወት ዝነቡሩ መነኮሳትን፣ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝወፍሩ ንጡፋትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ፣ ንልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ብፍልቀት ኣባና በጺሑ ይርከብ ኣሎ ። ኣብዛ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ ሎሚ እንርእያ ኻብተን ኣርባዕተ ዓንቀጻት ክርስቲን ሸንክ ዝተባህል ጸሓፊ ዝጸሓፈን፣ ብዛዕባ እተን ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ገዳማት ዝመስረታ ምርኡያት ክርስትያን ኣዴታ ዘበርክታኦ ፍሉይ ኣበርክቶ ተቕርበልና፣ ንሳተን እብነ-መሰረት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ገዳማዊ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ዘንበራ ኢየን ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

4ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ግዝኣት ሮማ ከቢድ ስደት ብምውራዱ ኢዩ ዝጅምር ። ቆስጣንጢኖስ ንኣምላኽ ክርስትና ድሕሪ ምቅባሉ ንነዊሕ እዋን ስልጣን ንምሓዝ ድሕሪ ምቅላሱን ብ324 ዓ/ም ድ. ክ. ሃጸይ ናይ ግዝኣት ሮማ ኮነ ።

ብድሕርዚ ሳላ እቲ ሃጸያዊ ሞገስ ቆስጣንጢኖስን ደቁን ኣዲኡ ሄለናን፣ ቤተ-ክርስትያን ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓለማዊ ሓይልን ጽልዋን ረኸበት ። ቤተ-ክህነት ድማ ካብ ከም በዓል ኦሎምፒያስን፡ ሜላንያ እታ ሽማግለን እታ ንእሽቶን፡ ከምኡውን ካብ ፖውላ ዝኣመሰላ ካብ ንጉሳዊ ስድራቤት ዝኾና ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ተጠቂሞም ኢዮም ።

እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኣባይቲ ስድራቤታት ወይ ህንጻታት ዚእከቡ ዝነበሩ ክርስትያን ሕጂ ኣብ ምልኩዕ ህዝባዊ ከባቢ ክርከቡ ጀመሩ ። እዚ ለውጥታት እዚ ነቲ ብዛዕባ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ንዝነበረ ወጥሪ ኣጋደዶ ።

 

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ ምቕያር

ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እውን ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ምንፍቕና እተባህለ፣ እተፈላለየ ትርጕም ክርስትና ይሳተፍዎ እኳ እንተ ነበሩ፣ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንጾታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ መናፍቕነት ናይ ምትሕሓዝ ዘጨንቕ ዝንባለ ተራእዩ ኢዩ።

ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ከም መናፍቕ ኢልካ ናይ ምጽዋዕ ዝንባሌ ኔሩ ኢዩ፣ መምህር እንተ ኰይና ከኣ ንጽሕናኣ ከም ዘጥፍአት ገይሮም ይጥርጥርዋ ነበሩ ። ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን "ኣዴታት ቤተ-ክርስትያን" ዚነብራሉን ዚምስከራሉን ዝነበራ ዅነታትን ሃዋህውን እዚ እዩ ዝመስል ዝነበረ ።

ስዒቡ ዝመጸ ድማ ንሓጺር ግዜ እኳ እንተ ኾነ ግን ከኣ ኣገዳሲ ሓረግ ሕይወተንን ሥርዓተ ህይወት ማሕበራተንን ዘዘንቱ መጻሕፍቲ ከም ዝነገረና፣ ኣብ ናይ ጥንቲ ቤተክርስቲያን ኣቅላሲያዊ ሥልጣንን ሓላፍነተን ከም ዝነበረን ኢዩ ዝነግረና ።

ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ  ዘመን
ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን

ብደቀንስትዮ እተጻሕፈ ጽሑፋት

ብዛዕባ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበራ ኸም እኒ ማርቼላ፡ ፖውላ፡ ማክሪና፡ ማላንያ እታ ሽማግለን ከምኡውን ኦሎምፒያን ዝኣመሰላ ኣዴታት ቤተክርስቲያን ዚገልጽ ስነ-ጽሑፋዊ ሓበሬታ ብቐዳምነት ካብቶም ብዛዕባአን ዝጸሓፉ ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያን ከም እኒ (ቅ. ጀሮም፡ ቅ. ጎርጐሬዎስ ብዓል ኒሳ፡ ፓላዲዩስ ከምኡውን ቅ. ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ኢና እንረኽቦ ።

ብኣንስቲ እተጻሕፈ ኽልተ ጽሑፋት ውን ኣሎና ፣ እዚ ኸኣ ናይ ፕሮባን ከምኡ ከአ ናይ ኤጀርያን እዩ ። ፕሮባ  ነቲ ኣብ ሮማ ኣዝዩ ዚፍቶ ዝነበረ ቨርጂልያዊ ጽሑፍ ብምትዕርራይ  ንክርስትያናዊ ታሪኽ ኣብቶም ደቂ ንጉሳዊ ስድራቤት ንምስትምሃር ጸሓፈቶ ። በዚ ኸምዚ ድማ ንክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ንውሉድ ወለዶ ዝጸለዎም ሰገር ባህልታት ዝኾነ ናይ ወንጌላውነት መሳርሒ ድማ ኣዳለወት።

ኤጀርያ ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ግዝኣት ሮማ ዚርከብ ቅዱስ ቦታታት ዝገበረቶ ጕዕዞ እትገልጽ መዝገብ-ዕለታዊ ጕዕዞኣ ንኣሓታ ጸሓፈትለን ። ኣብ መገዲ ምስታ ኣብ ጥቓ ቤተ-መቕደስ ቅድስቲ ቴክላ (ኣብ ቱርኪ) እትርከባ ክልተ ገዳማት ምስ እተመሓድር ዝነበረት "ኣዝያ ፍቕርቲ መሓዛኣ ዝዀነት ቅዱስቲ ድያቆናዊት ማርታና" ከም እተራኸበት ተዘንቱ። ማርታና ብዙሕ ግዜ ዘይትጥቀስ ግን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ዝነበራ ጓል ኣንስተይቲ ዲያቆናዊት ኣብነት ኢያ ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዝርከቡ ዝነበሩ ባስልዮስን ጀሮም ገዳማት ከም ዘስፍሑ ጌርካ ዚዝረብ እኳ እንተ ዀነ ማክሪናን ማርቼላን ዚበሃላ ኽልተ ኣዴታት ግና ነቲ ሓድሽ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ቅድሚ ሰብኡት እየን ክነብራኦ ዝጀመራ ።

ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን
ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን

ማክሪና (327 - 379 ተ.መ.) ኣብታ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ነታ ኣኒሳ እተሰምየ ገዳም መስረተት እዚ ገዳም እዚ ድማ ነቲ ባሲልዮስ ሓዋ ዝጸሓፎ ሕገ ገዳም ኣብነት ኰኖ ።

ጸኒሑ ባሲልዮስ ኣቦ ገዳም ከም ዝዀነ ጌርካ እኳ እንተ ተጠቕሰ ማክሪና ግና እመ ገዳም እያ ዝነበረት ። ከም መንፈሳዊት ኣመሓዳሪት መጠን ዝነበራ ስልጣን ነቶም ትምህርቲ ሰረተ-እምነት ስላሴ ዘዳለዉ ጐርጎሬዎስን ባስልዮስን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ዝኾኑ ኣሕዋታ ኣጸቢቓ ጸልያቶም ኢያ።

ማርቼላ (325 - 410) ጀሮም ናብ ሮሜ ቕድሚ ምምጽኡ፣ ንኣርብዓ ዓመታት ዝኣክል ኣቐዲማ ማርቼላ ኣብቲ ኣብ ኵርባ ኣቨንቲና ዚርከብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኬጽንዓን ኪጽልያን ደቂ ኣንስትዮ ኣኪባ ጉባኤ ትተክል ነበረት ።

ጀሮም ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሰ ቤተ-ክህነት ሮማ ንቅዱስ መጽሓፍሓፋዊ  ትንተናታት ሓገዝ ደልዮም ንማርቼላ የማኽርዋ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኦሪጀን ዘልዓሎ ኽርክር እውን ኣብ ህዝባዊ ክትዓት ትካፈል ነበረት።

ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን
ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን

ፖውላ (347 - 404) ኣብ ቤት-ልሄም ክልተ ገዳማት መስረተት እቲ ሓደ ንደቂ ኣንስቲዮ እቲ ካልኣይ ድማ ንሰብኡት ነበረ ። ነቲ ናይ ሰብኡት ገዳም ድማ ናብቶም መነኮሳት ኣመሓላለፈቶ ኣብኡ ኸኣ ጀሮም ሳላ እቲ ዝገበረትሉ ዓቢይ ሓልዮት ነቲ  ብቛንቋ ግሪኽ ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ተርጐሞ ። ጅሮም ከም ዝምስክሮ ፖውላ ኣብ ቋንቋ ብእብራይስጢ ዝነበራ ክእለት ካብቲ ናቱ ኸም ዚበልጽ ይነገረና።

ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን
ኣዴታት ቤተክርስትያን ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን

ሜላኒያ እታ ሽማግለ (350 - 410) ንሓደ ምርኡይ ዝነበረ ናይ ቤተ-ክርስትያን በዓል ስልጣን (ኤቫግሪየስ) ናብቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝመለሰቶን ንብዙሓት ሰብኡት ዘምሃረትን ናብ ክርስትና ዘእተወትን ኢያ ። ነቲ ኣብ ኣንጾክያ ተኸሲቱ ዝነበረ 400 ፈለስቲ እተሳተፍዎ ምንፍቕና ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይራ ኢያ። "ንዅሎም እቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዝኸሓዱ መናፍቓድን ድማ ሰዓረቶም።" እቶም ሰብዓብቲ ደቂ ማሕበራ  ቅዱሳት ጽሑፋት ዜጽንዑሉን ዚጽልዩን ኣብ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎት ዚሳተፉሉን ክልተ ገዳማት ኣብ ደብረ ዘይቲ ውን መስሪታ።

ኦሎምፒያ (368 - 408)።  በቶም ኣብ ቍስጥንጥንያ ዝነበሩ ጳጳስ ንስጥሮስ ዲያቆናይት ኰይና ተሾመት፣ ነቲ ናይ ስድራቤታ ሃብቲ ነታ ቤተ-ክርስትያን ንምድጋፍን ንድኻታት ንምግልጋልን ተጠቕመሉ። ኣብ ጥቓ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፍያ (ቅድስቲ ጥበብ) ዓብዪ ገዳም መስረተት፣ ኣብኡ ድማ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝማዳ ብዲቁና ተሾማ ። ነዊሕ ከይጸንሓ ገለ ካብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝኮና ሮማውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተጸምበራ፣ ቍጽሪ ገዳማት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብ 250 ደየበ።

እዚ ኣብነታት ገዳማዊ ማሕበረሰብ ናይዘን ኣዴታት ቤተክርስቲያን ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሥርዓተ ህይወት ገዳማትን ምንኵስናን ኣብነት ኮይኑ ዝመርሐ ኢዩ ። እዚ ኣቅላሲያዊ ምምስክርነተንን ሥልጣነንን ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያን ነቶም ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ዝኾኑ ክርስቲያንን ዓብዪ ጽልዋ ዘህደረሎም እዩ።

ገሊኦም ካህናት ብግህዶ አብ መንጐ ሕዝቢ ኺዛረባ ወይ ኪምህራ ኣብ ዝኽልክልወን ዝነበሩ እዋናት፣ ኣብ ገዛውተን ይዕጸዋ ነበራ፣ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ስልጣን ዝነበረን፣ ብዛዕባ ኣገዳሲ ጕዳያት ቤተክርስቲያን  ዚዛረባ ዝነበራ፣ ንሰብኡትን ንኣንስትን ዚምህራ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ከም ዕጭአን እተቐበላኦ ክርስቶስ ብናጻ ዚምስክራ ክርስትያን ኣዴታት ኸም ዝነበራ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎና ።

 

ምንጪ ጽሑፍ፦ "ክሪስፒናን ኣሓታን - ደቂ ኣንስትዮን ስልጣንን ኣብ ጠንታዊት ቤተክርስቲያን " (ፎርተስ ፕረስ 2017) ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ እዩ ።

21 February 2024, 17:50