ድለ

2023.10.30 Sinodo Maksimilijan Matjaz vescovo Celje 2023.10.30 Sinodo Maksimilijan Matjaz vescovo Celje 

ዓውደ ስልጠና ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ሲኖዳውነትን

ዓለምለኻዊ ማሕበር ህብረት ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ (WUCWO) ብዛዕባ "ተልእኾ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን" ዘርእስቱ ሓድሽ ናይ ኢንተርነት ዓውደ ስልጠና ሰሪዑ ይርከብ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 27 ለካቲት ዓለምለኻዊ ማሕበር ሕብረት ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ “ተልእኾ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን” ዘርእስቱ ዓውደ ስልጠና ክጅምር ምኹኑ አፍሊጡ።

እዚ ብማሕበር ሕብረት ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ (WUCWO) እተወደበ ሓድሽ ተበግሶ ዀይኑ በቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ተዓዛቢ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ (WOW) ኣቢሉ ኢዩ ክካየድ ።

ተኸታታሊ ዊቢናራት

ብመሰረት እቲ ማሕበር ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ስልጠና ካብ ዕለተ 27 ለካቲት ክሳዕ ዕለት 29 ለካቲት ብቋንቋታት ስጳኛን ብእንግሊዝን ብፈረንሳይኛን ብተኸታታሊ ብመርብ ሓበሬታ ኢንተርነት ክካየድ ኢዩ ።

ኣብዚ ስልጠና ዝካየዱ ኣርእስትታት ብዛዕባ ምዕባለ መስርሕ ሶኖዳውነትን ከምኡ ውን መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይ ምዕራፍ 9 ናይቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝወጸ ጽማሬ ሰነድ ናይ ቀዳማይ ክፋል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኮይኑ ኣብቲ "ደቂ አንስትዮ ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ - ክርስትያን " ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ ።

ብፍላይ ኣብ ምሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብምትኳር ኣብ ቤተ-ክርስትያን ናይ ዲኖዳውይነት ሜላታት ኣብ ግብሪ ንኸውዕል እውን ዘተባዕ ኣርእስትታት ክኸውን ኢዩ።

ካብ ናይ ጥቅምቲ ጉባኤ ሲኖዶስ እተላእኹ መምህራን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ መደባት ናይሲ ዓውደ ስልጠና ናይዚ ካብቶም ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት እተሳተፉ ኽልተ መምህራን ክህልዉ ኢዮም ።

እቶም መምህራን እዞም ዝስዕቡ ክዀኑ ኢዮም - ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ኣቦ መንበራት ናይቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ተወከልቲ ክዀኑ ዝመረጽዎም ኽልተ ካብ ሰብ ውፉይ ህይወት፣ ካብ ጃፓን ዝመጸት ሞሞኮ ኒሺሙራ ከምኡውን ካብ መክሲኮ ዝመጸት ማሪያ ዶሎረስ ፓለንችያ ፣ ሺላ ፔረስ እትበሃል ሞዛምቢካዊት ጋዜጠኛ፣ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጻ እናቴ ማሪያ ሲምፐርማን፣ ካብ ሰኔጋል ዝመጸት ኣና-ቤትሪቸ ፋይ እትበሃል ፈላስፋን፣ ኣውስትራልያዊት ፕሮፌሰር ሱዛን ፓስኮ፣ ከምኡውን ካብ ስጳኛ ዝመጸት ኢቫ ፈርናንደዝ ከምኡውን ካብ ሊባኖስ ዝመጸት ሳንድራ ቻውል ዝበሃላ ካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ኢየን ።

27 February 2024, 12:56