ድለ

ካርዲናል ኦናየካን፥ ምዕባለታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ይሕብ ካርዲናል ኦናየካን፥ ምዕባለታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ይሕብ 

ካርዲናል ኦናየካን፥ ምዕባለታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ይሕብ

ናይጀርያዊ ካርዲናል ጆን ኦናይየካን ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣድላይነት ሰላም፣ ከምኡ’ውን ዝኽርታት መበል 40 ዓመት ጵጵስናኦም የካፍሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ጆን ኦሉሩንፈሚ ኦናየካን ኣብ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ታሪኽ ኣፍሪቃ "ዛንታ ሕማቕ ዕድል" ኮይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንኮላይ ኣብ ናይጀርያ ኵነታት እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” ቢሎም፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ህይወት ቤተ-ክርስትያን - ዕቤት ዘርኢ ምዃኑ መርትዖታት ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ጽልዋ ትገብር ከም ዘላ ተስተውዕል” ኢሎም።

ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ድንቂ ህያብ ኣምላኽ

ካርዲናል ኦናየካን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኣጉሊሖም፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣትሒትና እንርእዮ ወይ ዘይነቃልበሉ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ ኣሎ። ሰናይ ውህሉል ሓሳባትን ክብርታትን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንኣፍሪቃውያን ጳጳሳት “ንርእስና ምስ ካልኦት ጉጅለታት ቤተ ክርስቲያን ከነነጻጽራ ኣንኮሎና ውሁድ ድምጺ ከም ዘሎና ነስተውዕል። እዚ ድምጺ እዚ ወትሩ ዚንገረሉ እኳ እንተ ዘይኰነ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ ወትሩ ዝስማዕ እዩ።

ኣብዛ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣርዚና ዘይትርእይ ዓለም፡ ቤተ-ክርስትያን "ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ትዛረብን ተጕልሕን ኢያ። "ነቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ክዋስኡ ከምኡውን "ንጸገማት ድኻታት ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ንኽሓስቡ ግዜ ዘይብሎም" ፖለቲካውያን መራሕቲ ይወቕሱ።

ኩሉ ህይወት ኣገዳሲ እዩ።

ካርዲናል ኦናየካን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ናይጀርያ ሰፊኑ ዘሎ ማዕበል ዓመጽ ክዛረቡ ከለዉ፡ ነታ ሃገር ዝጸሉ ጉዳያት ኣብ ምቅላሕ ዜና ቫቲካን ንዘካይዶ ፈነወ ሓበሬታ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥. . . ​ “ናይጀርያ ንኹሉ ሰብ ኣዝያ ዘይውሕስቲ ሃገር ትኸውን ኣላ - ንክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ እውን፡ ንክርስትያንን ኣስላምን ብማዕረ ዝከላኸል “ሰናይ ምምሕዳራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት” ከምዘድሊ ገሊጾም። "ህይወት... ኣዝዩ ሕሱር እናኾነ እዩ ዝርአ ዘሎ፡ ስለዚ ነዚ ዝተረደኣና ናይ ህይወት ክብሪ ኣብ ምቅላሕ ናብ ሓደ ክንመጽእ ኣሎና። “ህይወት ዘበለ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም።

ምስሳን ጸዋዕታ

ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ምስሳን ጸዋዕታ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ሓሳቦም ክህቡ እንከለዉ፥ “ጸዋዕታ ናይ ኣምላኽ እዩ ካብኡ ዝመጽእ ጸጋ እዩ፡ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሔር . . . እቲ ኣገዳሲ ነገር ድማ መንፈስ ይዓዪ ከም ዘሎ ዘረጋገጽ እዩ። ስለዚ ነዚ ጽን ብምባል ድማ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ይግባእ።

ውጥን ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ድማ ፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሓደስቲ ካህናት "ነቲ ኣብ ናይጀርያን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ዜጋጥም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ኪፈትሑ" ዝግባእ ምድላዎትን ህንጸትን ክረኽቡ ኣገዳሲ እዩ።

​ብቐዳምነት ሰላም፣ “ምኽንያቱ ብዘይ ሰላም ምንቅስቓስ የልቦን።” ሰላም ሓደ ጉጅለ ንኻልእ ጉጅለ ኣብ “ምስዓር” ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘይክእል ኣዘካኺሮም፡ ስለዚ ሰላም ንኹሉ ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣቃሊሖም፥ “ኣብ ኣፍሪቃ መን ንመን ክስዕሮ ኣብ ዝብል መሰረት ዝግበረ ኣካይዳ፡ ሰላም ክህበና ብፍጹም ዘይከኣል እዩ፡ ናይ ሓባር መርገጺናን ናይ ሓባር ረብሓናን ዘለልይ መንገዲ ክነናድይ ኣሎና” ኢሎም።

መወዳእታ መዓልቲ

ካርዲናል ኦናየካን ኣብዚ መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ሮማ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ ኣብ ግምት ብምታው፥ “ከም ወዲ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎኒ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ዝነበርክዎ ኩሉ ብሓቂ ጸጋ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህይወተይ እውን ጸጋ እዩ። ሕጂ ድማ ኣብ መወዳእታ በጺሐ ኣለኹ፥ ነዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዘረከብዎም ደብዳቤ ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ሕጂ ድማ “ብኹሉ ትሕትና ንኣምላኽን ሃገረ ስብከተይን ብተኣማንነትን ኣብ ናይ ኣገልግሎት ሕይወት ክቕጽል ናብ ዓደይ ክምለስ’የ። ክሳብ ኢየሱስ ናብ ቤት ኣቦ ዝጽውዓኒ ዕለት ክገብሮ ዝከኣል ኩሉ ክገብር ስንድው እየ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

03 February 2024, 16:54